ፕረዚደንት ሶማልያ ንወግዓዊ ዑደት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ

ቅድሚ ኣዋርሕ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ዝተመረጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS OF ETHIOPIA

ቅድሚ ኣዋርሕ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ዝተመረጸ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ወግዓዊ ዑደት ንምክያድ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

ፕረዚደንት ሓሰን፡ ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባ ወግዓዊ ዑደት ዝገበረ ዀይኑ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክበጽሕ ከኣ ትጽቢት ክግበረሉ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ሎሚ ረቡዕ መስከረም 18/2015 ዓ.ም [ግእዝ] ንግሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ኣተወ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺቡ ተቐቢልዎ።

እታ ምስ ዘይርግእቲ ሶማልያ ነዊሕ ዝዝርጋሕ ዶብ ዘለዋ ኢትዮጵያ፡ ንመንግስቲ እታ ሃገር ንምድጋፍን፡ ንዕጡቕ ጕጅለ ኣልሸባብ ንምምካትን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕብረት ኣፍሪቃ ሰራዊታ ካብ እተዋፍር ዓመታት ኣቝጺሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሐሉ እዋን፡ ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ክልቲአን ሃገራት ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ክዘራረብ ትጽቢት ይግበር።

ምስ ኣልቓዒዳ ምትእስሳር ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕመ ዕጡቕ እስላማዊ ጉጅለ ኣልሸባብ፡ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ዶብ ሰጊሩ ኣብ ኢትዮጵያ ጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ዝዝከር እዩ።

ነቲ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ጥቡቕ ምሕዝነት ከም ዝነበሮ ዝንገረሉ ዓብደላሂ ፋርማጆ፡ ብምስዓር ንኻልኣይ ግዚኡ ፕረዚደንት ሶማልያ ኰይኑ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ዝተመርጸ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ናብ ኣሜሪካ ሓዊሱ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምብጻሕ ኣካይዱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ኣብ ሶማልያ ካብ ምውፋር ብተወሳኺ፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ኣልሸባብ ንሓያሎ ዓመታት ዓቢ መሻርኽቲ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።

ብፍላይ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ስግረ ዶብ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ ብዙሓት ዕጡቓትን ላዕለዎት መራሕቲ ናይቲ ጕጅለን ብሰራዊት ኢትዮጵያ ከም ዝተቐትሉን ከም ዝተማረኹን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ኣልሸባብ ግን መራሕቱ ከም ዘይተቐትሉ እዩ ዝገልጽ።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት፡ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ኬንያን ጅቡትን ካብኡ ሓሊፎም ድማ ናብ ኤርትራን ግብጽን ወግዓዊ ዑደት ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱልፈታሕ ኣ'ሲሲ፡ ኣብ ካይሮ ምብጻሕ ምስ ዘካየደ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከምዝተዘራረቡ ተገሊጹ ነይሩ።

ኣብቲ መግለጺ፡ ኣ'ሲሲ፡ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት፡ ኢትዮጵያ “ብውልቃ ስጕምቲ ምውሳዳ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ” ከምዝበለ ማዕከን ሓበሬታ ኣናዶሉ ጸብጺቡ።

ድሒሩ ግን፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶማልያ፡ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ንግብጺ ዝውግን ርእይቶ ከምዘይሃበ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።