ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ ኣብ ኤርትራ ካልኣይ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

መራሕቲ ሶማልያን ኤርትራን

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ፕረዚደንት ሶማልያ ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ንካልኣይ ግዜ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

እቲ ሎሚ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣስመራ ዝኣተወ ሓድሽ መራሒ ሶማልያ፡ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ምዃኑ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣርባዕተ መዓልታት ዝወሰደ ተመሳሳሊ ውግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ኣብ መመረቕታ ናይቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ሶማልያ ተሳቲፉ ነይሩ።

ኣብቲ ፈላሚ ናብታ ሃገር ዝገበሮ መገሻ፡ ምስ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምርኻብ፡ ጸጥታውን ወተሃደራውን ምትሕብባር ክገብሩ ምርድዳእ ፈሪሞም ነይሮም።

እንተኾነ ግን፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸተመ ስምምዕ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ኣብ ወርሒ ግንቦት ስልጣን ዝተረከበ ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ 5,000 ወተሃደራት ሶማልያ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ከምዝምለሱ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ሶማልያ ኣብ መመረቕታ ወተሃደራቱ፡ ኣብ ኤርትራ ሓምለ 2022

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ቅድሚ ናብ ስልጣን ምምጽኡ፡ ሃለዋት ናይቶም ወተሃደራት ኣብታ ሃገር ኣዘራራቢ ኮይኑ ምንባሩ ይግለጽ።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዘካየዶ ምብጻሕ ናብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ብምኻድ ምስቶም ዝስልጥኑ ዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ ተራኺቡ ነይሩ። 

እዚ ናይ ሕጂ ምብጻሕ እንታይ ዝዓለመ ምዃኑ ግን፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ የለን።

ቤትምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ስልጠና ዝወሰዱ ወተሃደራት ሶማልያ ኣብ ኲናት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ይጠቅስ።

መራሒ ሶማልያ ኣብ ኤርትራ፡ ሓምለ 2022

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ምኽትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ሶማልያ ዝነበረ ዓብዱሰላም ጉለድ ብወገኑ፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ስልጠና ዝወሰዱ ስልጠናኦም ዝወድኡ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሶማላውያን ወተሃደራት ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ከም ዝተሳተፉን ብዙሓት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ገሊጹ ነይሩ።

ይዅን’ምበር፡ ኣብቲ እዋን ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዝነበረ ዑስማን ኣቡከር ዱቤ ነቲ ጸብጻባት ብምንጻግ፡ ወተሃደራት ሃገሩ ኣብቲ ኲናት ኣይተሳተፉን ምባሉ ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ’ውን፡ ነቲ ሓበሬታ ነጺግዎ ነይሩ።