ካልኣይ ዙር ልዝብ ናይሮቢ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ተዛዚሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ህወሓትን ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝቐነየ ካልኣይ ዙር ልዝብ ከምዝተዛዘመ ኣደራደርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣፍሊጦም።
ኣባል ናይቲ ነቲ ስምምዕ ሰላም ንምስላጥን ንምክትታልን ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመ ገጅለ (ፓነል) ዝኾነ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ርክብ ክልቲኦም ወገናት ዕዉት ምንባሩን ናብ ትግባረ ከምርሕ ተስፋ ከምዘለዎን ተዛሪቡ።
ክልቲኦም ወገናት፡ ንጉዳይ ሓባራዊ ምክትታልን ምርግጋጽን ትግባረ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተበጽሐ ስምምዓት ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝምልከት ኣብ ምርድዳእ በጺሖም ኣለዉ።
"እቲ ኣኼባ፡ ብዛዕባ መስርሕ ዕጥቂ ምውራድ፡ ምፍናውን ዳግመ-ምጥያስን [ሓይልታት ትግራይ] ተመያይጥሉ" ክብል ሕብረት ኣፍሪቃ ብሓሙስ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ይጠቅስ።
ኬንያታ፡ ኣብቲ ኣብ ናይሮቢ ንጋዜጠኛታት ዝሃቦ መብርሂ፡ እቲ ንሱ ዝርከቦ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምርግጋጽ "ኣብ ዝመጽእ ሒደት መዓልታት" ናብ መቐለ ክበጽሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
እቶም ካብ ረቡዕ 21 ታሕሳስ ጀሚሮም ኣብ ናይሮቢ ክዛተዩ ዝቐነዩ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ ክልቲኦም ወገናት ስለምንታይ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘይተረኽቡ ግን ዝተባህለ የለን።
እቲ ልዝብ፡ ብመንጎኝነት ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦቦሳንጆ፡ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምዚለ ምላምቦ-ንጹካን ኡሁሩ ኬንያታን ከምዝተሳለጠ መግለጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣነጺሩ።
ድሕሪ'ቲ ስምምዓት ብ24 ሕዳር ኦባሳንጆን ምላምቦ-ንጹካን ናብ ትግራይ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ህወሓት ተዘራሪቦም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ዝተዛዘመ ዘተ ወከልቲ ዞባዊ ውድብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኢጋድ፡ ከምኡ'ው ኣመሪካ ተሳቲፎም ነይሮም።
ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታት ኤርትራ ብዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ "ብመሰረት ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጹ'ዮም፡ ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልየናን'ዩ" ክብል ገሊጹ።
"ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ" ዝበለ ኬንያታ፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ብዛዕባ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ድማ፡ ብመትከል ደረጃ ክልቲኦም ወገናት ዘለዎም ተወፋይነት ከምዝገለጹ ብምጥቃስ፡ ምሉእ ተበጻሕነት ክህሉ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐን፡ ብድሆታት እንተሊዮም ንምርኣይን ንምርግጋጽን ናብ መቐለ ይኸዱ ከምዘለዉን ሓቢሩ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይን ኣተገባብራኡን ዝምልከት መደብ ንኸውጽእ ዝቘመ ሓባራዊ ኮሚቴ ውጥንን ተክኒክን ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ ኣካይዶም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ፕሪቶርያ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ፡ 'ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ሓይሊታት ክልላት' ክወጽኡን ምስምማዖም ይዝከር።
ድሕሪ'ቲ ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ጀሚሩ'ኳ እንተሎ፡ ሕጂ'ውን ብድሆታት ከምዘለዉ ሰብመዚ ትግራይ ይገልጹ።
ኣገልግሎት ኤለክትሪክ ኣብ መቐለ ገለ ከባቢታትን ትግራይ ጀሚሩ ከምዘሎን፡ ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ሰራዊት መንግስቲ ዝርከብ ድማ፡ ኣገልግሎት ባንክን ቴለፎንን ከምዝጀመረ ይግለጽ።
እንተኾነ ግን፡ ገለ ተገልገልቲ ቅድሚ'ቲ ግጭት ዘቐመጥዎ ገንዘቦም ክወስዱ ከምዘይክኣሉ ይዛረቡ።
ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።
እቲ ባንክ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ስርሑ ጀሚሩ።
ነዚ መሰረት ብምግባር ቢቢሲ ካብ ከተማ ሽረ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ከምዝጀመረ ሰሚዖም ናብ ባንክ ከም ዝኸዱን እንተዀነ “ገንዘብ የለን” ዝብል ምላሽ ከም ዝጸንሖምን፡ ካብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ከምዘይክእሉን ከም ዝተነግሮም ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







