ኣብ መቐለ ኣገልግሎት ቴሌኮም ከም ዝጀመረ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, ETHIO TELECOM
ንልዕሊ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ቴሌኮም ሎሚ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ መቐለ ከም ዝተመለሰ ተገሊፁ።
ኤፍቢሲ (ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት) ንዋና ኣፈጻሚት ስራሕ ኢትዮቴሌኮም ፍረህይወት ታምሩ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ፀብፃብ፡ መቐለ እትርከበን 27 ከተማታት ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ቴሌኮም ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰለን ኣመልኪቱ'ሎ።
እተን 27 ከተማታት ኣየኖት ከምዝኾና ግን ኣይተጠቐሳን።
“ብሰንኪ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖ 981 ኪሎሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ፋይበር ብኢትዮ-ቴሌኮም ተፀጊኑ” ምባላ’ውን እቲ ማዕኸን ዜና ሓቢሩ።
ገለ ኣብ ደገ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ናብቶም ኣብ መቐለ ዝርከቡ ስድርኦም ደዊሎም ክረኽቡ ከም ዝኸኣሉ ብምጥቃስ ብማሕበራዊ መራኸብታት ሓጎሶም ይገልፁ ኣለዉ።
ቢቢሲ ንገለ ምስ ስድርኦም ዝተራኸቡ ሰባት ዘዘራረበ ኮይኑ፡ “እቲ ናይ ስልኪ ዕላሎም ብስምዒት ሓዘንን ታሕጓስን ዝተዓጀበ” ምንባሩ ገሊፆምልና።
ካልኦት ድማ ነቲ ምጅማር ኣገልግሎት ስልኪ ዝሕብር ዜና ካብ ዝሰምዑሉ ሰዓታት ጀሚሮም ኣብ መቐለን ካልኦት ከተማታትን ናብ ዝርከቡ ስድርኦም ደጋጊሞም እንተደወሉ’ኳ፡ ክሰርሐሎም ከም ዘይከኣለ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ፅሒፎም ኣለዉ።
ምናልባት ናይቶም ኣብ መቐለ ዘለዉ ሰባት ሲምካርድ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣገልግሎት ብዘይምፅንሑ ግዜ ሓሊፍዎ [‘ኤክስፓየርድ’ ኮይኑ] ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ብዙሓት ግምቶም ኣብ ምሃብ ይርከቡ።
ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ምጅማሩ ስዒቡ 61 ጨናፍር ባንክታት ናብ ኣገልግሎት ከም ዝኣተዋ እታ ኣፈፃሚት ስራሕ ሓቢራ ኣላ።
ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል፡ ካብ መቐለ ድሕሪ ምውጽኡ ን18 ኣዋርሕ ተቋሪጹ ዝጸንሐ በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን ሎሚ ረቡዕ ብወግዒ ጀሚሩ ኣሎ።
በረራታት ነፈርቲ ዝከታተል ፍላይት ራዳር-24 ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ፡ ካብ ዓለምለኻዊ መኣርፎ ነፈርቲ ቦሌ ከባቢ ሰዓት 6፡30 [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ዝተበገሰት ነፋሪት ቁጽሪ በረራ ኢቲ 104 ቦይንግ 737 መቐለ ከም ዝኣተወት የመልክት።
እቲ መገዲ ኣየር ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ ካብ 19 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ፡ ናብ መቐለ ዝገብሮ ስሩዕ በረራ ከም ዝጅምር ኣፍሊጡ ነይሩ።
ብተወሳኺ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለስተ ከተማታት ክልል ትግራይ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ከም ዘፍለጠ ይዝከር።
እቲ ባንክ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር መንግስቲ ፈደራል ኣብ ከተማታት ሽረ፡ ኣላማጣን ኮረምን ስርሑ ክቕፅል ከም ዝገበረ'ዩ ዝሕብር።
ነዚ መሰረት ብምግባር ቢቢሲ ካብ ከተማ ሽረ ዘዘራረቦም ነበርቲ፡ እቲ ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ሰሚዖም ናብ ባንክ ከም ዝኸዱን እንተዀነ “ገንዘብ የለን” ዝብል ምላሽ ከም ዝጸንሖምን፡ ካብ ሕሳቦም ገንዘብ ከውጽኡ ከም ዘይክእሉን ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







