'ኲናትን ወረ ኲናትን ከይሰማዕና ንሓድር ኣለና፡ ለውጢ ግን ኣይረአናን' - ነበርቲ መቐለ

ነበርቲ ኣብ ጎደናታት ከተማ መቐለ

ማቴዎስ ገብረህይወት ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ኮይኑ፡ ጽቡቕ ደመወዝ እናተኸፈሉ ስድርኡ ይመርሕ ነይሩ።

እንተኾነ ንዝሓለፈ 19 ኣዋርሕ ኣታዊ ዝበሃል ኣይነበሮን። “ምስ ኣዕርኽትናን ኣሕዋትናን እናተሓጋገዝና እዚ ሕማቕ ዘመን ከም ዘይሕለፍ የለን ሓሊፍናዮ” ይብል።

ብሰንኪ እቲ ኲናትን ንዕኡ ስዒቡ ካብ መንገስቲ ፌዴራል ዝተነብረ ዕጽዋን ኽባን፡ ኣብቲ ክልል ዝዀነ ይኹን ኣገልግሎት ጠጠው ኢሉ ካብን ናብን እቲ ክልል፤ በሰማይ ኰነ ብመድሪ መጓዓዝያ ተቛሪጹ ጸኒሑ።

እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ፕሮቶርያ፡ ካብ ዝፍረም ክልተ ወርሑ ኣሕሊፉ ኣሎ።

ብዙሓት በቲ ውዕል ሰላም ተስፋ ዝሰነቑ ዀይኖም፡ ካልኦቶም ድማ፡ ጥርጣረን ስግኣታት ሓዲርዎም ነይሩ።

ትጽቢት ህዝቢ እንታይ ነይሩ?

እቲ ነባሪ መቐለ ማቴዎስ፡ “ኲናትን ወረ ኲናትና ከይሰማዕና ንሓድር ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ግን ኣብ ህይወትና እዚ ዝበሃል ለውጢ ኣይመጽአን፤ ዛጊድ ኣበይ ኣለኹም ዝበለና’ውን የለን” ኢሉ።

ሰራሕተኛ መንግስት ብሓፈሻ ድማ’ቲ ነባሪ እታ ከተማ፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት፡ ኩሉ ዓይነት ዕጽዋ ተነቢርሉ ዝጸንሐ ዀይኑ፡ ነቲ ውዕል ሰላም ስዒቡ፡ ዛጊድ ናብ ንቡር ስርሑ ክምለስን ደመወዝ ክኽፈሎን ትጽቢት ከም ዝነበሮ ማቴዎስ ይዛረብ።

ዋና ክሊኒካል ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር መቐለ፡ ዶክተር ኣብርሃ ገብረእግዚኣብሄር ብወገኑ፡ “ድሕሪ እቲ ውዕል ኣብ ወሽጢ ወርሒ እቲ ሰራሕተኛ ደመወዝ ሃልዩዎ፡ እቲ ሆስፒታል ድማ ብሙሉእ ዓቕሙ ኣገልግሎት ክህብ ክጅምር እዩ ትጽቢትና ነይሩ” ይብል።

ንሱ ወሲኹ፡ እቲ ሆስፒታል ባጀት ክልቀቐሉ፡ እቶም ነባራት ስራሕቲ ናብ ንቡር ክምለሱ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮም’ውን ይዛረብ።

ኣብቲ ክልል ኣስታት ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ሽሕ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከም ዘሎ ዝግመት ኰይኑ፡ እዚ ናብ ስርሑ ዝምለሰሉ ኩነታት ዛጊድ ኣይተዘርበሉን።

ከምኡ’ውን፡ ማቴዎስ፡ ካብን ናብን እቲ ክልል ናብ ንቡር ክምለስ፡ ዋጋ ሸቐጣትን ሃለቕትን ክጎድል መነባብሮ እቲ ማሕበረሰብ ክመሓየሽን ዝብል ግምት ነይሩዎ።

ብመጠኑ’ውን እንተኾነ ሰብኣዊ ረድኤት ናብቲ ክልል ከም ዝኣተወ ዝዝረብ ኰይኑ፡ ኦቻ [OCHA] ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ፡ ንልዕሊ 2.2 ሚልዮን ረድኤት ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ ኣሎ። እንተዀነ ረድኤት ክንድቲ ዝዝረበሉ ከም ዘይረኽቡ ተመዛበልቲ ንቢቢሲ ይዛረቡ።

በቲ ውዕል መሰረት፡ ኣብ ትግራይ መብራሕቲ፤ ስልክን ኢንተርኔትን ኣብ ገለ ከባብታት ጀሚሩ ኣሎ።

ከተማ መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ሽረ፣ ኣክሱምን ዓድዋን ኣላማጣን ገለ ካብተን ተረባሕቲ እየን።

ብዙሓት፡ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ደሃይ ቤተሰቦም ረኺቦም ኣለው። ገለ ካብዚኦም ድሕሪ ነዊሕ እዋን መርድእ ዝበጽሖም'ውን ኣይሰኣኑን።

ኣብታ ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝረኸብዎ ዕድል ማሕበራዊ ሚድያ ተጠቒሞም ብዙሓት ድማ ስምዒቶም የካፍሉ ኣለዉ።

እቲ ኣገልግሎት ናብ መላእ እቲ ክልል ክሰፍሕን፡ ዘይተቋረጸ ክኸውን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ይምሕጸኑ።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብቲ ክልል ንፈለማ እዋን በረራ ዝጀመረ ዀይኑ፡ ብዙሓት ካብን ናብን እቲ ክልል የመላልስ ኣሎ።

“ኣብ ህይወትና ዘምጸኦ ለውጢ የለን”

ማቴዎስ፡ ኣብ ህይወቱ ዛጊድ ዝመጽአ ለውጢ ከም ዘየለ እዩ ዝዛረብ።

“ርግጽ ደሃይ ኣብ ደገ ዝርከቡ ስድራ ኣዕርኽተይን ሰሚዐ ኣለኹ፤ ኲናትን ወረ ኲናትን’ውን ጠጠው ኢሉ ኣሎ”።

‘ካብዚኣ ወጻኢ ግን’ ይብል ማቴዎስ። እቲ ዕዳጋ ኣብ ቦትኡ ክም ዝኾነ ካብን ናብን ከተመታት ትግራይ ከም ዘይተጀመረን ይዛረብ።

ከምኡ’ውን ብመሬት፡ ካብ ደገ ዝኣቱ ዝወጽእ ሸቐጣት ዘይምህለዉን ዳርጋ ዝተለወጠ ነገር የለን ይብል።

ብፍላይ ድማ፡ ናብቲ ክልል ዝኣቱ ነዳዲ እኹል ብዘይምዃኑ፡ ዛጊድ ዋግኡ ክልተን ሰለስተን ዕጽፊ [ንሊትሮ 280] ከም ዝኾነ ይዛረብ።

ንኣብነት ንሱ ንዓርሱ፡ ብሰንኪ እዚ ዋጋ ትራንስፖርት፡ ኣብ ዓዲግራት ዝርከቡ ስድርኡ ተጓዒዙ ንምሕታት ኣይከኣለን።

ካብ መቐለ ናብ ውቕሮ ንምጉዓዝ ቅድሚ ኲናት 30 ቕርሺ ዘኽፍል ዝነበረ ዀይኑ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን፡ 150 ቅርሺ ይሓተካ።

ካልኦት ድማ፡ ካብ መቐለ ናብ ሽረ፣ ዓድዋን ኣክሱምን ከይዶም ቤተሰነቦም ክሓቱ ኣይኽኣሉን ይብል ማቴዎስ።

ክልል ትግራይ፡ ምስ ዝተረፈ ካባብታት ኢትዮጵያ ብክልላት ዓፋርን ኣምሓራን በሰፊሑ ዝራኸብ ኯይኑ፡ እቲ ዶባት ግን ዛጊድ ክፉት ኣይኮነን።

ነበርትን ነጋዶን፡ ከም ልቦም ተንቀሳቒሱ ክነግዱንን ክሽቅሉን ከም ዘይከኣሉ ንቢቢሲ ይገልጹ።

ብሰንኩ ድማ፡ በቲ ውሑዳት [ምናልባሽ’ውን ብኣንጻራዊነት ርኹባት] ዝጠቀምሉ መንገዲ ኣየር ወጻኢ፡ ናብቲ ክልል ብመሬት ክግበር ዝኽእል ሰፊሕ ምንቅስቓስ ተደሪቱ ይርከብ።

‘መርመራ ምክያድ ዳርጋ ጠጠው ኣቢልና’

ምስቲ ኲናት ተኣሳሲሩ፡ ዓለምለኻዊ ትካላት ከም ዝሕብርዎ፡ ልዕሊ 75 ሚኢታዊት ሆስፒታላትን ማእከላት ሕክምናን ዓንየን ተዘሚተን እየን። እዘን ማእከላት፡ ዳርጋ ዝዀነ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ክህባ ኣብ ዘይኽእላሉ ብርኪ ይርከባ።

ኣሸሓት ሰአን መድሓኒት ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ ጸብጻበት ዝሕብሩ ዀይኖም፡ ምስቲ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም ተኣሳሲሩ፡ ህጹጽ ጠለብ ካብ ዝሓቱ ዓውዲ ሓደ እዩ።

ኣይደር ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, ኣይደር ሆስፒታል

ዶክተር ልያ ታደሰ፡ እቶም ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝዓነው ማእከላት ሕክምና ንምጽጋን፡ ብውሕዱ 1.4 ቢሊዮን ዶላር ከም ዘድሊ ብዕለት 10 ጥሪ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ተዛሪባ።

ንሳ፡ እቲ ኲናት ጠጠው ካብ ዝብል ንደሓር ብዙሓት ማእከላት ሕክምና ናብ ስራሕ ኣትዮም ከም ዘለዉ ዝገለጸት ኰይና፡ ንሰራሕተኛታት ደመወዝ’ውን ምኽፋል ከም ዝጀመሩ ተዛሪባ።

ዛጊድ ኣብ ናይ መጀመርታ ዙር፡ ልዕሊ 79 ሚልዮን ብር ዘውጽእ መድሓኒትን መሳርሒ ሕክምናን ናብቲ ክልል ከም ዝገዓዘ’ውን ገሊጻ ኣለ።

መንግስቲ ከምዚ እንተበለ’ኳ፡ ዛጊድ እተን ማእከላት ሕክምና ኣብ ዝሐሸ ኩነታት ከም ዝርከቡ ዶኳትርን ነበርትን ንቢቢሲ ይዛረቡ።

ኣብ ትግራይ እቲ ዝዓበየ ሪፈራል [መውከሲ] ሆስፒታል፡ ዋንነቱ ናይ ፌዴራል መንግስቲ ዝኸነ፡ ዓይደር መቐለ ሆስፒታል፡ ካብቲ ኲናት ዝነበረሉ እዋን ብዝገደደ ብርኪ ከም ዝርከብ ሓላፊ ክሊኒካል ዳይሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶክተር ኣብርሃ ንቢቢሲ ገሊጹ።

“ብሓፈሻ እቲ ኩነታት ከም ዝተጸበናዮ እናኸደ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ንቡር እዋን፡ 96 ዝበጽሑ ናይ ላብራቶሪ መርመራታት ንገብር ነይርና። ሎማዓንቲ ሓንቲ ዓይነት ናይ ላብራቶሪ መርመራ ጥራይ ኢና ኣካይድና” ኢሉ።

ነዚ ከም ምኽንያት ዘቕምጦ ድማ፡ ነቲ ንጥፈታት ኣድላይ ዝበሃሉ ከሚካላትን መመርመሪ መሳርሕታትን ዘይምህላዎም ምዃኑ ይሕብር።

ብሓፈሻ፡ ኣብዝሓ መርመራታት ጠጠው ኣቢሎም ከም ዘለዉ ይዛረቡ።፥

ብመዳይ መድሓኒት’ውን ዝተወሰነ መድሓኒት ካብ ኣብ ደገ ዘለዉ ተጋሩ ብሓገዝ ዝተረኸበ ክሳብ ሕዚ ይጥቀሙ ምንባሮም እዩ ዝዛረብ።

ከም ጸቕጢ ደም፡ ሕማም ልቢ፡ ናይ ኣእምሮ ሕማማት፡ ካንሰር ዝኣመሰሉ ሕክምናታት ሕዱር ሕማማት ዳርጋ ጠጠው ኢሉ እዩ ዘሎ ይብል።

ናይ ዓሶ መድሓኒት ዛጊድ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዘይኣተወ፡ እንተኰነ ኣብ ቀረባ ንኤጀንሲ መድሓኒት ኢትዮጵያ ሕቶ ከቕርቡ ምዃኖም ይዛረብ።

መከላኸሊ ወሊድን ካልኦትን ምስ ጽንሲ ዝተኣሳሰሩ መድሓኒት ከም ዘይብሎም፡ መርመራ ምግባር’ውን ከም ዘይኽእሉ እዩ ዝሕብር።

ዶክተር ሊያ ግን፡ ድሕሪ ምፍራም ውዕል ሰላም፡ 81 ሚልዮን ዝግመት መድሓኒታት ናብ ከተማ መቐለ ምእታዉ እያ እያ ገሊጻ።

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ፡ ነቲ ክልል 15 ኣምቡላንስ ዝለገሰ ኸዀይኑ፡ ብቐጻሊ ነቲ ብኲናት ዝተሃሰየ ኣከባቢ ድጋፍ ከም ዝገብር ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ሓላፊ ሆስፒታል ዓይደር ዘቕረቦ ቅረታ ኣመልኪትና፡ ንዶክተር ሊያ ታደሰ ኾነ ንምክትላ ደክተር ደረጀ ዱጉማ ምላሽ ንምርካብ ዝገበርናዮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።

ኣይደር ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, ኣይደር ሆስፒታል

“ካብ ማእኸላይ ባንኪ ገንዘብ ኣይረኸብናን’

ኣብ ውሱናት ከተማታት እንተዀነ’ውን፡ ስልክን ኢንተርኔት ምስራሕ ምጅማሩ ዘሕጉሶ ማቴዎስ፡ “እዚታት ጥራይ እዩ ከም ኣውንታ ክለዓል ዝኽእል” ይብል።

“ንኣብነት፡ ኣነ መንግስቲ ሰራሕተኛ እየ። ንዝሓለፉ 19 ኣዋርሕ ደመወዝ ዝበሃል ረኺበ ኣይፈልጥን። ሕዚ’ውን ኣበይ ኣለኹም ዝበለና የለን”።

ኣብ ባንኪ ዘሎ ገንዘቡ’ውን ዛጊድ ክጥቀም ከምዘይከኣለ ይዛረብ።

 ርግጽ፡ ክልተ ናይ ብሕቲ ባንክታት ስራሕ ጀሚሮም ኣለዉ። እንተዀነ ማቴዎስን ካልኦት ብዙሓትን ገንዘቦም፡ ኣብ’ቲ [መንግስታዊ] ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ እዮም ዘቕምጡ። ንሱ ድማ ዛጊድ ኣብ ከተማ ሽረ ‘ምበር፡ ኣብ መቐለ ስራሕ ኣይጀመረን።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ከተማ መቐለ ሰራሕ ዝጀመሩ ባንክታት ወጋገንን ኣንበሳን እንተዀኑ’ውን፡ ንነፍስ ወከፍ ዓሚል ከክልተ ሽሕ ቅርሺ ጥራይ እዮም ዝህቡ። እዚ ድማ ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ እዮም ተጠቀምቲ ዝዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ጸጋይ ዝተብሃለ ነባራይ ከተማ መቐለ፡ መዓልታዊ ክልተ ሽሕ ቕርሺ ጥራይ ከውጽእ ከም ዝተፈቐደሉ ተዛሪቡ።

ጸጋይ፡ 10 ሽሕ ከውጽእ እዩ ድሌቱ ነይሩ። እንተኾነ በቲ ዝተቐመጠ ትሑት መጠን ምኽንያት፡ መዓልታዊ ክመላለስን ንተወሳኺ ወጻእታት መጓዓዝያ ከም ዝተቓለዐን ይዛረብ።

ሓላፊ ዲስትሪክት መቐለ ባንኪ ወጋገን፡ ሃፍቶም ገብረግዚኣብሄር፡ እቲ ባንኪ ኣብ መቐለ ጥራይ 28 ቅርንጫፋት ከምዘለውዎ ኩለን ከምዝተኸፍታን፡ እንተኸነ ዛጊድ ካብ ሃገራዊ ባንኪ ገንዘብ ከም ዘይተውሃቦም እዩ ዝገልጽ።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ

“በዚ ምኽንያት፡ ህዝብና ክንዲ ዝደለዮ ኣይረክብን። እንተዀነ በዓል ስለዝዀነ፡ ዋላ ንኪሎ ስጋ’ውን ትኹን ሓገዝ እንተገበርና ማሕበራዊ ሓላፍነት’ውን ኣለና፤ ክንከፍሎ ከኣ ግዴታ ኣለና ኢልና ኢና ጀሚርናዮ” ይብል።

“ዛጊድ ካብ ማእኸል ዝረኸብናዮ ቅርሺ የለን። እተን ካብ ዓማዊልና ኣታዊ ዝኾናልና ገንዘብ ኢና ነከፋፍል ዘለና። ዘይሩ ዘይሩ ካብ ዓማዊልና ኣታዊ እንተዀይኑልና ወይ ድማ ካብ ማእኸል እንተረኺብና፡ ናብ 10 ሽሕን ናብ 50 ሽሕን እናዕበናዮ ክንከይድ ኢና” ኢሉ።

ሃፍቶም፡ ከም በዓል ሞይል ባንኪን ኤቲኤምን ዝኣመሰሉ ኤሌክትሮኒክ ግልጋሎት ግን ዛጊድ ግልጋሎት ከም ዘይጀመሩ ሓቢሩ።

ገለ ተዓዘብቲ ግን፡ እቲ ክልል በቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዐበን ደማዊ ኩናት፡ ሰፊሕ ትሕተ ቅርጺ ስለዝዓነወ፡ እቲ ኣገልግሎት ብዝግባእ ኣብ ዝሓጸረ ክጀምር እዩ ዝብል ግምት የብሎምን።