ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን ከምዝወጽአ ተገሊጹ

ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ

ምንጪ ስእሊ, FDRE DEFENSE FORCE

ኣብ ሽረ እንዳስላሰን ከባቢኣን ተዋፊሩ ዝነበረ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ከምዝተገበረ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ፡ ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ካብቲ ከባቢ ተፋንዩ ኣሎ ኢሉ።

ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ትማሊ 4 ጥሪ 2015 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ሽረን ከባቢኣን ምስ ሰራዊት ምክልኻል ተዋፊሩ ሃገራዊ ተልእኾ ክፍጽም ዝጸንሐ ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ካብቲ ከባቢ ክወጽእ ገይሩ ኣሎ” ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት ሰራዊት ኤርትራ፣ ናይ ኣምሓራ ክልል ሓዊሱ ሰራዊት ዝተፈላለያ ክልላት ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋግኡ ምጽንሖም ይዝከር።

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ነቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ደው ንምባል ኣብ ዝፈረምዎ ውዕል ሰላም፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ወጻኢ ዘለዉ ሓይልታት ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹን ተሰማሚዖም እዮም።

በዚ መሰረት ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ፣ ምጥያስን ምትሕንፋጽን ከይዲ ብዕሊ ከምዝተጀመረ ኣብዚ ሰሙን ተገሊጹ እዩ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ እውን ከበድቲ ኣጽዋር ካብ ሓይልታት ትግራይ ክርከብ ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ ኲናት ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝጸንሑ ሰራዊት ኤርትራ ብዛዕባ ካብ ትግራይ ምውጻእ ምጅማሮም ዝዋቓዕ ሓበሬታ ክወጽእ ቀንዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ካብ ገለ ከተማታት ትግራይ ምስሓብ ምጅማሮም ዝገልጹ ጸብጻባት እኳ ወጺኦም እንተነበሩ ቢቢሲ ኣብ ቀረባ ዘዘራረቦም ነበርቲ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ግና ምንቅስቓስ ሰራዊት ኤርትራ ከምዘሎ ሓቢሮም ኔሮም።

ኣባላት ፍሉይ ሐይሊ ኣምሐራ

ምንጪ ስእሊ, FDF

ክልቲኦም ተጻባእቲ ወገናት ውዕል ሰላም ድሕሪ ምፍራሞም፡ ካብ ሓይልታት ፌደራል ወጻእ ዘለዉ ሓይልታት ካብ ገለ ከባቢታት ትግራይ ምውጸኦም ክግለጽ እዚ ናይ ሕዚ ናይ ፈለማ እዩ።

ትማሊ ሓሙስ “ንፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ መፋነዊ” ኣብ ዝተገበረሉ፡ ምክትል ኢታማጆርሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጀነራል ኣበባው ታደሰን ኣመራርሓ እዝታትን ከምዝተረኸቡ ተገሊጹ።

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክኣቱ፣ ተቛሪጾም ዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ፌደራል ዘይኮኑ ዕጡቓት ክወጹን ዝብሉ መሰረታዊ ነጥብታት ንምፍጻም ምስምመዖም ዝዝከር እዩ።

በዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ኣገልግሎታት ኤሌክትሪክ፣ ስልክን ኢንተርነትን ዝተጀመሩ ኮይኖም መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ናብ ትግራይ በረራ ዳግም ጀሚሩ እዩ።

ካብ መብዛሕትኡ ናይ ውግእ ዞባ ሰራዊቶም ከም ዝሰሓቡ ዝገለጹ ሓይልታት ትግራይ ድማ ኣብዚ ሰሙን ከበድቲ ኣጽዋራት ንሰራዊት ኢትዮጵያ ምርካብ ጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ንሞት ኣማኢት ኣሻሓት፣ ምፍንቓል ሚልዮናትን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።