ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋር ምርካብ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብመሰረት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋራቶም ንሰራዊት ኢትዮጵያ ምርካብ ከምዝጀመሩ ተገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ፡ እቲ ምርካብ ኣጽዋር፡ ተቘጻጸርቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝተረኸቡሉ ካብ መቐለ ኣስታት 30 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣጉላዕ ከምዝተፈጸመ ተገሊጹ።
ኣብቲ ስነስርዓት ምርኽኻብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሉ ዝተረኽበ ሌተናል ኮሎኔል ኣለሙ ታደለ፡ “ሎሚ ኣብቲ ከበድቲ ኣጽዋር ዝተኣከበሉ ኣጉላዕ ተረኺብና ነቶም ዕጥቅታት ቈጺርና ተረኪብና ኣለና'' ኢሉ።
"ነዞም ከበድቲ ኣጽዋር ክንርከብ እንከለና ዝርዝርን ቴክኒካውን ኵነታት ኣብ ቀጻሊ እንርእዮምን እነረጋግጾም እዩ ዝኸውን። እንተዀነ በቲ ውዕል መሰረት ነቲ ዕጥቂ ብሰላምን ፍቕርን ካብ ተወከልቲ ቲዲኤፍ ተረኪብና ኣለና” ክብል ብድምጺ ወያነ ኣብ ዝተመሓላለፈ ዜና ተዛሪቡ።
ንሓይልታት ትግራይ ወኪሉ ዝተረኸበ ተጋዳላይ ሙሉጌታ ገብረክርስቶስ ብግደኡ፡ “ኣብ ኣጉላዕ ተኣኪቡ ዝነበረ ከበድቲ ኣጽዋር፡ ኵሎም ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣረኪብና ኣለና። ኣብ ቀጻሊ እውን እዚ መስርሕ ምፍታሕ ዕጥቂ ኣብ ካልኦት መዓስከራት'ውን ክቕጽል እዩ” ምባሉ እውን ቴሌቪዥን ትግራይ ኣቃሊሓ።
ሓይልታት ትግራይ ካብ ዘረከብዎም ኣጽዋር፡ ታንክታት፡ መዳፍዕ፡ ሮኬታት፡ ሞርታራትን ቦምባታትን ይርከቦም።
ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ'ውን ሓይልታት ትግራይ ከበድቲ ኣጽዋር ከምዘረከቡ ኣረጋጊጹ።
ብመሰረት እቲ 2 ሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ውዕል ሰላም፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክጅመር፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይገደብ ክኣቱ፡ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑ ከምኡ'ውን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ክወጹ ዝብሉን ንተፈጻምነቶም ትኹረት ዝተወሃቦም ነጥቢታት እዮም።

ምንጪ ስእሊ, ሓይሊ ምክልኻል ኤፍ.ዲ.ረ.ኢ
ድሕቲ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ መጠን ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሃኒትን ንጠለብ እቲ ክልል ዘማልእ'ኳ እንተዘይኰነ ምምሕያሽ ከምዘርኣየ ግን መራሕቲ ትግራይ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት ስልክን ኢንተርነትን ከምዝተመልሰን፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ እውን ናብ ከተማታት መቐለን ሽረን በረራ ዳግማይ ከም ዝጀመረን ይፍለጥ።
ምውጻእ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘይኮኑ ዕጡቓትን ካብ ትግራይ ጐድኒ-ጐድኒ ምፍታሕ ከበድቲ ኣጽዋር ሰራዊት ትግራይ ከምዝካየድ ተገሊጹ ነይሩ። እንተዀነ፡ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፎም ክዋግኡ ዝጸንሑ ግን ድማ ኣብቲ ውዕል ዘይተጠቕሱ ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ቢቢሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጺቡ ነይሩ።
ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰን ኣክሱምን ከም ዝወጽኡ፡ ወተሃደራት ኤርትራ ዝጽዓና ሓያሎ መካይን ካብ ኣንፈት ኣክሱም ክመጽኣን ብሸራሮ ክሓልፋን ከም ዝተራእያ ገለ ነበርቲ ገሊጾም ነይሮም።
ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሩስያ ንማዕከን ዜና ስፑትኒክ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተጠሊቡ ሓይልታቶም ካብ ትግራይ ከምዝስሕቡ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







