ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከተማታት ትግራይ ወጺኡ ድዩ?

ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራል ሰላም ከውርድ፡ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ካብ ዝፍረም ክልተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናትን ማእኸላይ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዘንበሮ ዕጽዋን፡ ተቛሪጾም ዝነበሩ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ስልኪ፣ ኢንተርነት፣ መጓዓዝያ ነፈርትን ባንክታትን ኣብ ገለ ከባቢታት ናብ ንቡር ተመሊሶም እዮም።

እቲ፡ ካብ ስሩዕ ማሕበራዊ ህይወቱ ቦዂሩ ዝጸንሐ ህዝቢ ድማ፡ ነቲ ተረኺቡ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ክዕቅቦን ናብርኡ ክመርሕን ዘለዎ ተስፋ ልዑል’ዩ።

“ህዝቢ፡ እቲ ሰላም ምስ መጽአ ብውሽጡ ሙሉእ ንሙሉእ ተቐቢሉዎ’ዩ። ሕጂ፡ ሰላም እምበር ካልእ ክሰምዕ ኣይደልን እዩ። ሰላም እምበር ካልእ ኣይፈልጥን” ክብል ሓደ ነባሪ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ፡ ምኽንያት ምምዝባል ሚሊዮናትን ሞት ኣማኢት ኣሽሓትን ከም ዝዀነ ዝንገረሉ ንኽልተ ዓመታት ዝዘለቐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶሪያ ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም፡ ተጻብኦታት ደው ኢሉ ይርከብ።

እቲ ስምምዕ፡ ካብ ሞንጐ ዘስፈሮም ነጥብታት፡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ወጻኢ ዝኾኑ ሓይልታት ጎረባብቲ ክልላትን ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ካብቲ ክልል ክወጽኡ ኣለዎም ይብል። ሰራዊት ኤርትራ፡ ካብ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ኣብ ጐኒ ሰራዊት ምክልኻል ፌደራል ተሰሊፉ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክዋጋእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ምውጻእ ሓይልታቱ ብወግዒ ዘአንፈቶ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ (30 ታሕሳስ 2022)፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከተማታት ሽረ እንዳስላሰን ኣክሱምን ከም ዝወጽኡ፣ ወተሃደራት ኤርትራ ዝጽዓና ሓያሎ መካይን ካብ ኣንፈት ኣክሱም ክመጽኣን ብሸራሮ ክሓልፋን ከም ዝተራእያ ገለ ነበርቲ ገሊጾም ነይሮም።

ኣብቲ እዋን፡ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ዝምልከት ሓበሬታ ንምርካብ ንሚኒስትር ዜና እታ ሃገር የማነ ገብረመስቀል ዝሓተተ ኰይኑ፡ ንሱ ግን ብዛዕባ ንጥፈት ሰራዊት ዝዀነ ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይደሊ ገሊጹሉ ነይሩ።

እንተዀነ፡ ብዝሒ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ሕጂ’ውን ኣብ ከባቢታት ዞባታት ሰሜናዊ ምዕራብን ማእኸልን ከም ዝርከቡ፡ ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ዝተፈላለዩ መሰኻኽር ዓይኒን ሰራሕተኛታት ረድኤትን ይገልጹ።

'ምስ ወተሃደራዊ ክዳኖምን ዕጥቈምን ኢና ንረኽቦም'

ርእሰ ከተማ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ዝዀነት ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ፌደራል ካብ ሞንጐ ዘለዋ ከተማታት ትግራይ እያ።

እታ ከተማ ብኮማንድ ፖስት ትመሓደር ብምህላዋ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ኣብታ ከተማ ምንቅስቓስ ፍቑድ ኣይኰነን።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወተሃደራት ኤርትራ ክንቀሳቐሱ ምስ ተራእየ፡ እቲ ሰራዊት ሙሉእ ንሙሉእ ድዩ ይስሕብ ዘሎ ዝብል ርግጸኛ ከም ዘይነበረ ዘዘኻኽር፡ ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ነባሪ እታ ከተማ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብታ ከተማ ምህላዎም ሓቢሩ።

ንሱ፡ “ምስ ወተሃደራዊ ክዳኖምን ዕጥቈምን ኢና ንረኽቦም። ገለ ቤተሰቦም ረኺቦም ዘዘራርቡ ኣለው፤ ኣብ ቤት ብልዒ’ውን ምስቲ ነባሪ ተሓዊሶም ኣትዮም በሊዖም ይኸዱ’ዮም። “ሎሚ መዓልቲ እኳ፡ ኣብ ዕዳጋ ማንጎ እናገዝኡ ረኺበዮም’የ፤ ብፍላይ ማንጎ ብጣዕሚ’ዮም ዝፈትው። ኮበርታን ካልእን እናገዝኡ ይኸዱ እዮም” ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኩነታት ጸጥታ እታ ከተማ ንምሕላው ዝተመደቡ፡ ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ከም ዘለው ካብቲ ከባቢ ዝወጽኡ ሓበሬታታት የመልክቱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ፡ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝከታተሉ’ዮም ዝተባህሉ ኣምባሳደራት ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ብ29 ታሕሳስ 2022 ናብ መቐለ ምስ ኣተው ድሕሪ ሓደ መዓልቲ’ዩ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ከተማታት ትግራይ ይወጽእ ኣሎ” ዝብል ሓበሬታ ተቓሊሑ ነይሩ።

እዚ ፍሉይ ምንቅስቓሳት ስዒቡ፡ እቲ ሰራዊት ንኣድያቦ ወይ ንምብራቕ ሽረ ገጽ ክወጽእ፡ ሒደት ከቢድ ብረት ዝሓዛ ታንክታት’ውን በታ ከተማ ክሓልፋ ተራእየን ምንባረን፡ እቶም ዘዘራረብናዮም መሰኻኽር ዓይኒ ይጠቕሱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን፡ ኣባላት ሰራዊት ፌደራልን ሰራዊት ኤርትራን ሕጂ’ውን ኣብ'ቲ ከባበቢ ከም ዘለው ሰራሕተኛ ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ዝዀነ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ሽረ “ካብቲ ከተማ ውጽእ ኢልካ ካብ ዝርከብ ዓዲ ሓኖ ጀሚሩ ክሳብ ሸራሮ ሰራዊት ኤርትራ ኣሎ፤ ኣብ መገዲ’ውን ትረኽቦም ኢኻ፤ ዳሳትን ድፍዓትን ሰሪሖም፤ ኣብ ከተማታትን ምምሕዳር ወረዳታትን እቲ ዞባ ፌደራል ፖሊስ ኣለው። ካብ ከተማታት ወጻእ ግን ሰራዊት ኤርትራ ኣሎ’ዩ” ይብል እቲ ወሃቢ ርኢይቶ።

ወሲኹ፡ “ወጺኡ ኢልካ ከይትድምድም፡ ተመሊሱ ንምብራቓዊ ሽረ ዝወጽእ ሰራዊት ኤርትራ ኣሎ። ዝወጽእ ዘሎ መሲሉ ይርኣየካ፤ ናበይ እዩ ዝኸይድ ዘሎ ግን ኣይፍለጥን። ኣብ ሽረ፡ ዝተፈላለዩ ሸቐጣት ክዕድጉ’ዮም ዝውዕሉ - ጻዕዳ ሽጉርቲ፣ ሾርባ፣ ጽሟቕ . . . እቲ ነጋዳይ’ውን፡ ካልእ ኣታዊ ስለ ዘይብሉ ሸይጡ’ዩ ዝዕንገል፤ ስለዚ ክመጽኡ እንከለው ተዘራሪቡ ዕዳግኡ እዩ ዝገብር። ብሓጺሩ ህዝቢ በታ ጸገሙ . . . እቲ ክኣ በታ ዕላምኡ’ዮም ዝራኸቡ ዘለው” ብምባል ነቲ ዝተዓዘቦ ምንቅስቓሳት ይገልጽ።

ካብኡ ሓሊፉ፡ እቶም ወተሃደራት ምስ ሙሉእ ዕጥቈም ኣብ ኣብያተ ብልዒ፣ ካፌታትን ካልኦት ህዝባዊ ቦታታትን ምስቲ ስቪል ተሓዊሶም ክምገቡ፣ ሻሂ ክሰትዩን ክዘናግዑን ከም ዝርኣዩ እቶም ዘዘራረብናዮም ነበርቲ ይሕብሩ።

ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ድማ፡ “ከም ዝመስለኒ፡ ቦታ እዮም ዝቐያይሩ ዘለው እምበር ጠቕሊሎም ኣይወጽኡን፤ ንኣብነት ኣብ ኣድያቦ ዝነበሩ ናብ እንድሪያ ይኸዱ፣ ኣብ ሽረ ዝጸንሑ ናብ ሸራሮ ይኸዱ . . .” ይብል።

“እንተይወጽኡ ከመይ ኢልና ክንዛረብ”

ተሰማ ብዝብል ሽም ክንጽውዖ ዝሓረየ ነባሪ ከተማ ኣኽሱም፡ ኣብ ዙርያ እታ ከተማ ብዝሒ ዘለዎም ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝርኣዩ ገሊጹ።

ቅድም ኢሉ፡ ካብታ ከተማ ወጺኦም ነይሮም’ዮም ዝብል ኣቶ ተሰማ፡ ካብ ቀረባ መዓልታት ንነጀው ተመሊሶም ናብታ ከተማ ዝኣተው ከም ዘለው ይዛረብ።

“ብብዝሒ እንዳ እየሱስ ኣብ ዝበሃል ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ኣክሱም (ካብታ ከተማ 6 ኪሎ ሜትር ውጽእ ኢልካ) ተኣኪቦም ኣለው። ክሳብ ዓድዋ መእተዊ ከም ዘለው ሰሚዐ ኣለኹ። ኣብ ውሽጢ ከተማ ድማ፡ ንብረት ክገዝኡ’ዮም ዝውዕሉ” ኢሉ።

ብስራሕ ምኽንያት፡ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ካብ ሽረ ናብ ከተማ ኣክሱም ዝተጉዓዘ ውልቀሰብ ብወገኑ፡ ኣብዘን ቀረባ መዓልታት ኣብ ከተማ ኣክሱም ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተዓዘበ ተዛሪቡ።

“ካብ ሽረ ክሳብ ኣክሱም ኣብ ዘሎ መገዲ፡ ሓይልታት ፌደራልን ኤርትራን ኣለው። ኣብ ኣክሱም ግን ምንቅስቓስ ኣይተጸበኹዎን፤ ዝበዝሕ ሰራዊት ኤርትራ’ዩ ዘሎ፤ ኣብ ዙርያ ዓድዋ’ውን ብዙሕ ሰራዊት ኣሎ” ይብል።

ኣብ ኣክሱም’ውን ድሕሪ ሰዓት 12 ናይ ምሸት (ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ) ምንቅስቓስ ከም ዘይፍቀድን፡ ክዳን ፖሊስ ፌደራል ብዝተኸደኑ ኣካላት ጸጥታ ከም እትሕሎን ካብ ነበርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ግን ሕጂ’ውን ብብዝሒ ሰራዊት ስለ ዝርአ፡ ሙሉእ ውሕስነት ከም ዘይስምዖም ይዛረቡ።

“ከም ልብኻ ክትሰርሕ ኣይትኽእልን፤ ኣብ ውሽጢ 100 ሜትሮ ዘይመልእ ሰራዊት ኢኻ ትርኢ። ኣማራጺ ስለ ዘየለ ግን እቲ ሰብ ናይ ግድን መግቢ ንክእልሽ ካብን ናብን ይወጽእ ኣሎ” ክብል ሓደ ወሃቢ ርኢይቶ ተዛሪቡ።

ልኡኻት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ

ምንጪ ስእሊ, DIMTSI WOYANE

ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ዓድዋ’ውን ከም ዘለው’ዩ ዝንገር። ነዚ ንምርግጋጽ ብቴሌፎን ዝረኸብናዮ “ሕጂ’ውን ኣለው’ዮም” ካብ ዝብል ንላዕሊ ክዛረብ ከም ዘይኽእል ነጊሩና።

“ሕጂ’ውን ስለ ዘለው፡ ነዊሕ ክዛረብ ኣይኽእልን፤ እንተይወጽኡ ከመይ ኢልና ክንዛረብ? ቻው”።

ሓይልታት ኤርትራ፡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ናብ ኲናት ትግራይ ምእታዎም፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ብፍላይ ኣሜሪካ ተሪር ተቓውሞ ኣስዒቡ ጸኒሑ’ዩ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራን ላዕለዋይ ኣዛዚኡ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስን፡ ሓላፊ ጸጥታ ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ከምኡ’ውን ንንግዳውያን ትካላት ህግደፍን ምስ ኲናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ እገዳታት ምግባራ ይዝከር።

ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻምን ትሕተ ቕርጺ ብምዕናውን ይኽሰስ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ነቶም ክስታት ይነጽጐም።

‘ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ይነጥፉ’

ብሰንኪ፡ ምቁራጽ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከምኡ’ውን ሕጽረት ነዳድን ጸገማት ድሕነትን ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ይኹን ካብኡ ወጻእ ዝወሃብ ዝነበረ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ተቛሪጹ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።

እቲ ኲናት ጠጠው ካብ ዝብል ንድሓር ኣብ ዘለዋ ዝሓለፋ ክልተ ኣዋርሕ ግን፡ ወተሃደራዊ መካይን ኣብ ምጉዕዓዝ ሰብን ንብረትን ስቪላት ክሳተፋ ከም ዝተራእያ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ይጠቕሱ።

በጣሓትን ኣውቶብሳትን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ጐኑ ዝተሰለፉ ሓይልታት ኣምሓራን፡ ካብ ሽረ ክሳብ ከተማታት ዓድዋን ኣክሱምን ከምኡ’ውን ሸራሮ ክኸዱ ንዝደልዩ ስቪላት ኣብ ምጉዕዓዝ ይነጥፋ ከም ዝነበራ ዝገልጹ እዞም ነበርቲ፡ ጸኒሑ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈት ኣትዮም ከም ዝነበሩ ሓቢሮም።

ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

“ሻዕቢያ [ሰራዊት ኤርትራ] ካብ ሽረ ናብ ዓዲ ዳዕሮ፣ ዓዲ ሃገራይ፣ ሸራሮ፣ ዓዲ ነብሪ ኢድ ካብ 300 ብር ንላዕሊ ክፍሊት ሓቲቶም ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ይህቡ ነይሮም። እዘን መካይን ክኣ፡ ናይ ኤርትራ ሰሌዳ ቑጽሪ ዘለወን፣ በጣሕ ዝብሉወን’የን” ይብል ሓደ ካብቶም ወሃብቲ ርኢይቶ።

እዚ ብ14 ጥቅምቲ 2022 ወተሃደራት ፌደራልን ሰራዊት ኤርትራን ናብ ሽረ ምስ ኣተው፡ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2022 ጀሚሩ ክሳብ ቀረባ መዓልታት ከም ዝጸንሐ፡ ሽሙ ክንረቑሖ ዘየፍቀደ ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ረድኤት ተዛሪቡ።

“ኣብ መጀመርታ ዘይክሓድ፡ መካይን ሰራዊት ፌደራል ነቶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ዝደልዩ ተመዛበልቲ ብናጻ መጓዓዝያ ክህባ ጀሚረን ነይረን፤ እዚ ተመዛባሊ ናብ ሸራሮ፣ ዓዲ ሃገራይ፣ ዓዲ ነብሪ ኢድን ታሕታይ ኣድያቦን ምምላስ ብዝብል እዩ ዝውሃብ ነይሩ። ኣብ ሞንጐ ግን ናብ ዕዳጋ ተቐይሩ”።

ኣብዚ፡ ተጋሩ ደለልቲ’ውን ኣለው’ዮም ዝበለ እቲ ውልቀሰብ፡ እቲ ሕብረተሰብ ብሰንኪ ዝገጠሞ ጸገም መጓዓዝያ ነዚ ኣገልግሎት ከም ኣማራጺ ክጥቀመሉ ከም ዝተገደደ ይሕብር።

“ሰሌዳ ቑጽረን ብንጹር’ዩ ዝርኣይ፤ ክዳኖም ናይ ሰራዊት ኤርትራ እዩ። ምሳና [ምስቲ ህዝቢ] ስለ ዝጸንሑ ክኣ ንምፍላዩ ቀሊል እዩ፤ እቲ ሰራዊት እውን ኣብዚ ሽረ እዩ ዝውዕል። ሓሓሊፉ እቲ ሰራዊት በተን በጣሓት ከጉዓዕዙዎ እንከለው እቲ ስቪል’ውን ምስኦም ተሓዊሱ ክኸይድ ኢኻ ትርእዮ፤ ብሓደ ተሓዋዊሱ፤ ከም ንቡር፣ ልሙድ ነገር ገይርና ኢና ንወስዶ ዘለና” በሃሊ’ዩ።

ወሲኹ፡ “እቲ ሰብ’ውን እታ ዘላቶ ጸገም ንምስጋር ናብ ካልኦት ከባቢታት ብምኻድ ክሽቅጥን መነባብርኡ ክሕግዝን ስለ ዝደሊ፡ ንዕኡ ከም ኣማራጺ ይጥቀም። ኩሉ ክኣ ይኽፈሎ’ዩ። ንኣብነት፡ ካብ ሽረ ናብ ሸራሮ፡ 400 ብር፣ ዓዲ ሃገራይ 300፣ ዓዲ ነብሪ ኢድን ዓዲ ዳዕሮን ካብ 100 – 150 ብር ይኽፈሎ” ኢሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብ ሽረ ናብ ሸራሮ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ምህላው፡ መዓሾ ብዝብል ሽም ክንጽውዖ ዝመረጸ ነባሪ ከተማ ሽረ ገሊጹ።

“ቅድሚ ሕጂ፡ ኣስቤዛ ካብ ሰለኽለኻ ናብ ዓዲ ዳዕሮን ካልእን ብጋሪ [ዓረብያ] ይመጽእ ነይሩ፤ ሕጂ ናብ ሸራሮ መጓዓዝያ ጀሚሩ ኣሎ። ውሕስና የብልናን ኢሎም ዘይጀመሩ’ውን ኣለው። ቅድሚኡ ግን ወተሃደራት ኤርትራ ሰብ እናጽዓኑ ይወስዱ ነይሮም። ሽዑ፡ ናብ ሸራሮ ብ70 ብር ዝኽየድ ዝነበረ 500 ብር የኽፍሉ ነይሮም” ክብል ተዛሪቡ።

እዞም ነበርቲ፡ ንድሕነቶም ብምስጋእ ኣስማቶም ከይግለጽ ብዘቕረብዎ ጠለብ’ዩ ቢቢሲ ብስሞም ክጠቕሶም ዘይመረጸ።