ሩስያ፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ኣፍሪቃ ኣበይ ክትድኩን ትኽእል?

ሩስያ፡ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ኣፍሪቃ ኣበይ ክትድኵን ትኽእል?

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሃንደበታዊ ምውዳቕ ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ ንማእከላይ ምብራቕ ኣናዊጹዎ ኣሎ።

እዚ፡ ኣብታ ልዕሊ 3218 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ሩስያ'ውን ኣዋጢሩ ዘሎ ተረኽቦ እዩ።

ዕጫ ናይቶም ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘዋፈረቶም ወተሃደራት - ኣብ መላእ ዞባ ሳሕል ንዝርከባ ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራዊ ደገፍ ዝህቡ - ሃንደበት ዝተመዛበለ ይመስል።

ሞስኮ ኣብ ሶርያ ዘለዋ ወተሃደራዊ መዓስከራት ክትስእን ትኽእል እያ።

ኣብ 2017 ሞስኮ ምስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት ኣል ኣሳድ ስምምዕ ብምግባር፡ ንሩስያ ኣብ ሶርያ ከተማ ታርቱስ ዝርከብ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትጥቀመሉ ሂቡዋ።

እዚ፡ ን49 ዓመታት ብነጻ ክትጥቀመሉ ዘኽእል ስምምዕ እዩ ነይሩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሩስያ ኣብ ታርቱስ መራኽብ ውግእ ኣስፊራ።

እዘን ብዝሐን ብወግዒ ዘይተፈልጣ ብኒዩክሌራዊ ጸዓት ዝንቀሳቐሳ ሳብ-ማሪናት፡ መኽዘናትን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ንዝካየድ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝድግፉ ኣማኢት ወተሃደራትን ዝሐዛ እየን።

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ጥቓ ላታክያ - ካብ ታርቱስ ንሰሜን ኣስታት ሓደ ሰዓት ርሒቑ ዝርከብ - ሩስያ መደበር ኣየር ንኽህልዋ ተሰማሚዐን እየን።

ኣብኡ ድማ ሞስኮ ነፈርቲ ውግእ፣ ናይ ጽዕነት ነፈርቲን ስርዓታት ምክልኻል ሚሳይላትን ኣለዋ።

ሩስያ ኣብ ሶርያ ዘለዋ መዓስከራት ተጠቒማ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝካየዱ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣጽዋር፣ ነዳዲን ወተሃደራትን ትሰድድ።

እዚ ድማ ብመንገዲ ንኡስ ወተሃደራዊ ጕጅለታት ኣፍሪቃ ኮርፕስን ቫግነርን እያ እተካይዶ።

እዞም ቀረባት፡ ካብ ሶርያ ኣብ ሊብያ ናብ ዝርከብ መዓስከር ሩስያ ይልኣኹ።

እዚ ድማ ሞስኮ ኣብ ኣፍሪቃ ንእትገብሮ ስርሓት ከም ምቹእ "መበገሲ" ኰይኑ ከም ዘገልግል ኣብ መርማሪ ጕጅለ ዘ ሴንትሪ ዳይሬክተር ዘይሕጋዊ ፖሊሲ ፋይናንስ ኦሊቨር ዊንድሪጅ ይገልጽ።

ሩስያ ምስቶም ንኣል ኣሳድ (ፑቲን ኣብ ሩስያ ዑቕባ ሂባቶ ኣላ) ካብ ስልጣን ዘውረዱ ዕጡቓት ጕጅለታት ስምምዕ ክትገብርን ኣብ ሶርያ ዘለዋ ባይታ ንምሕላው ክትዕወትን ትኽእል ድያ ኣይትኽእልን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኰነን።

ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ "ሕጂ ምስቶም ኣብ ምርግጋጽ ጸጥታ ዝነጥፉ ሰባት ንምርኻብ ዝከኣል ኵሉ ይግበር ኣሎ፤ ብርግጽ ድማ ሰራዊትና'ውን ኵሉ ዘድሊ ጥንቃቐታት ይገብር ኣሎ" ኢሉ።

ሞስኮ ድሮ ኣብ ታርቱስ ዝነበራ መራኽብ ክትስሕብ ጀሚራ ምህላዋ ቢቢሲ ዝርኣዮ ምስሊ ሳተላይት የመልክት።

መደበር ሓይሊ ባሕሪ ታርቱስ፡ ካብ ግዝኣታት ሕብረት ሶቭየት ነበር ወጻኢ ዝርከብ እንኰ ወተሃደራዊ ድፋዓት ሩስያ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መደበር ሓይሊ ባሕሪ ታርቱስ፡ ካብ ግዝኣታት ሕብረት ሶቭየት ነበር ወጻኢ ዝርከብ እንኰ ወተሃደራዊ ድፋዓት ሩስያ እዩ።

መንግስታት ኣፍሪቃ ስልጠና ሓደስቲ ኣባላት ሰራዊት ክጅምሩ ይኽእሉ

እዚ፡ "ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ንዘለዋ ሰፊሕ ኣሰር መጀመርታ ስጕምቲ ክኸውን ይኽእል" ይብል ዊንድሪጅ።

ድሕሪ ተኸታታሊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ወተሃደራዊ መራሕቲ ኒጀር፡ ማሊን ቡርኪናፋሶን፡ ምስ ፈረንሳን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ዝነበሮም ጸጥታዊ ሽርክነት ኣቋሪጾም።

ኣብ ክንድኡ ምስ ወተሃደራት ሶርያ ኣብ ኣፍሪቃ ክሰርሑ መሪጾም።

"ሞስኮ ብምዕራባውያን ብሰንኪ ዕልዋ መንግስቲ፡ ምሕደራ ወይ ስክፍታታት ሰብኣዊ መሰላት እገዳ ዝተገብረሎም ወይ ዝተነጸሉ ጐይቶት ኲናት፡ ጁንታን ዲክታቶራትን ዝድግፍ ዕዳጋ ረኺባ ኣላ" ይብል ተመራማሪ ትካል ፖሊሲ ቻታም ሃውስ ዶክተር ኣሌክስ ቫይንስ።

ሰራዊት ሩስያ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ -ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ፡ ኒጀርን ኢኳቶርያል ጊኒን ከም ዘለው ይፍለጥ።

ግዝኣታት ሩስያ፡ ሶርያን ብሩስያ ዝምራሑ ሓይልታት ዝንቀሳቐሱለን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘርኢ ካርታ፤ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ
መግለጺ ስእሊ, መሬት ሩስያ፡ ሶርያን ብሩስያ ዝምራሕ ሓይልታት ዝንቀሳቐሰለን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘጉልሕ ካርታ፡ ሊብያ፡ ሱዳን፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶ።
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ይዅን'ምበር እቲ ዝዓበየ ምውፋር ኣብ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከብ ኰይኑ፡ "ክሳብ 2000 ዝበጽሑ ደቂ ተባዕትዮ ዕልዋ መንግስቲ ንምፍሻል ሓጊዞም፤ ሓለዋ ጸጥታን ስልጠናን ሂቦምን ንዕደና ወርቅን ውዕላት ኣጽዋርን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ረብሓታት ኣማዕቢሎምን" ይብል ዶክተር ቫይንስ።

'ኣፍሪካ ኮርፕስ' ኣብ ማሊ ኣስታት 1000 ሰራዊት፣ ኣብ ቡርኪናፋሶ ትሕቲ 100፣ ኣብ ኢኳቶርያል ጊኒ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ቴዎዶሮ ኦብያንግ ንጉማ ማባሶጎ ንምክልኻል ኣስታት 800 ዝበጽሕ ሰራዊት ከም ዘውፈረ ይግመት።

እቶም ወተሃደራት ብሶርያ ኣቢሎም ካብ ሞስኮ ቅልጡፍ ቀረብ ናይ ምቕባል ዓቕሞም እንተድኣ ቅሂሙ፡ንመከላኸሊ ኣብ ሩስያ ዝምርኰሱ መንግስታት ኣፍሪቃ ንመጥቃዕቲ ዕጡቓት ተቓላዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ማሊ ባማኮ ዝተፈጸመ ሳሕቲ ዘጋጥም መጥቃዕቲ፡ ​​ገለ ከተማታት ክሳብ ክንደይ ተቓላዕቲ ክዀና ከም ዝኽእላ ኣርእዩ።

ወሃቢ ቃል ምስ ኣልቓዒዳ ዝምድና ዘለዎ ዕጡቕ ጕጅለ ጀማዓት ኑስራት ኣል እስላም ወ ኣል ሙስሊሚን (JNIM)፡ ኣብ ማእከል ከተማታት ዝያዳ መጥቃዕቲ ከም ዝፍጽም ከምዘጠንቀቐ ኢንስቲትዩት መጽናዕቲ ኲናት ጸብጺቡ።

ከም በዓል ጉጅለ ጀማዓት ኑስራት ዝኣመሰሉ ጕጅለታት ንኵነታት ሶርያ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ክብለጽሉ ከም ዝኽእሉ ኣብ ሰኔጋል ማእከላ ዝገበረት ተንታኒት ትካል ጸጥታ ኮንትሮል ሪስክስ ቤቨርሊ ኦቺንግ ገሊጻ።

"ኣብ ማሊ ዝርከቡ ጕጅለታት ኣልቓዒዳ ከይተረፈ ነቲ ኣብ ሶርያ ዝተራእየ ፍጻመታት ክጽንብሉ ርኢና ኢና" ኢላ።

ቡርኪናፋሶን ኒጀርን ኣብ ተመሳሳሊ ተኣፋፊ ኵነታት ክህልዋ ይኽእላ እየን ትብል ቤቨርሊ።

መደበራት ሩስያ ኣበይ ክምስረቱ ይኽእሉ?

ኣብ መስከረም 2024 ሰብመዚ ባማኮ፡ ምስ ኣልቃዒዳ ዝተኣሳሰር ጕጅለ ዝወጠኖ መጥቃዕቲ ከም ዘፍሸሉ ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, EPA

ክሬምሊን ወተሃደራዊ ስርሒታት እተካይደሉ ሓድሽ ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ኣፍሪቃ ክትደሊ ትኽእል እያ።

ኣብዚ ጕዳይ ከኣ ሊቢያን ሱዳንን ሕጹያት እየን። ክልቲአን ሃገራት ንኣፍሪቃ ኮርፕስ ዕድላትን ሓደጋታትን ኣለወን።

ሩስያ ምስ ሊቢያ ዘለዋ ርክብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ እዩ። ከም ሓበሬታ ኢንስቲትዩት ዓለምለኸ ጉዳያትን ትካል ሓበሬታን ድሕነትን ብሉስበሪን ፖላንድ፡ ኣስታት 1500 ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ሊቢያ ይርከቡ።

ይዅን'ምበር፡ "ሩስያ ካብ ናይ ባዕላ ግዝኣት ናብ ሊቢያ ቀረብ እተቕርበሉ ቀጥታዊ መስመር ምጥያስ ከም ዘድልያ" ዝሕብር ኦሊቨር ዊንድሪጅ፡ "ስርሒታታ ዝያዳ ዝተሓላለኹ፣ ብዙሕ ወጻኢታት ዝጠልቡ፣ ዝውሰኑ ውሳነታት ከኣ ኣመና ጥንቃቐን ቁጽጽርን ዝሓቱ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም" ይብል።

ንኣብነት፡ ንመስመራት ባሕሪ ይዅን ንጽዕነት በረራታት ክሊ ኣየር ቱርኪ ንምጥቃም፡ ካብ ቱርኪ ፍቓድ ክትረክብ ግድን እዩ።

እንተዘይኰይኑ፡ ነዳዲ ንምምላእ ዝግበሩ ደውታታት ክውገዱ ዘይክእሉ እዮም።

ብተወሳኺ፡ ሩስያ፡ ካብቶም ንህላወ ሞስኮ ኣብ ሊቢያ ቅድሚ ሕጂ ምስ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዘነጽጽሩ ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ሊቢያ ግራንድ ሙፍቲ ኣል-ግሃሪያኒ ተቓውሞ ከጋጥማ ይኽእል እዩ።

ዝለዓለ ሃይማኖታዊ መራሒ ሊብያ ሙፍቲ ሳዲቅ ኣል ጋርያኒ ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ሓይልታት ሩስያ "ከሓድቲ" [ሃይማኖት ዘይብሎም] ብምባል ሊብያውያን ኣብ ልዕሊኦም ጅሃድ ክገብሩ ጸዊዑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዝለዓለ ሃይማኖታዊ መራሒ ሊብያ ሙፍቲ ሳዲቕ ኣል ጋርያኒ ኣብ ሊብያ ንዝርከቡ ሓይልታት ሩስያ "ከሓድቲ" [ሃይማኖት ዘይብሎም] ብምባል ሊብያውያን ኣብ ልዕሊኦም ጅሃድ ክገብሩ ጸዊዑ

ሩስያ ካብ ዝለዓለ ሃይማኖታዊ በዓል መዚ ሊብያ ዝዀነ ዶክተር ሳዲቅ ኣልጋርያኒ እውን ተቓውሞ ኣጋጢምዎ፤ ንሱ ንህላወ ሩስያ ኣብታ ሃገር ምስ ሓይልታት መግዛእቲ ነበር ኣነጻጺሩ።

እታ ካልእ ኣማራጺት ዝዀነት ሱዳን፡ ሩስያ ኣብ 2017 ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ከተማ ፖርት ሱዳን መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምህናጽ ዝተበጽሐት ስምምዕ ዳግማይ ክትትንስእ ጻዕሪ ከም ዝገበረት ይፍለጥ።

"እዚ ስትራተጂያዊ'ዩ፤ ምኽንያቱ ጽልዋ ሩስያ ኣብቲ ካብ ሱዳን ክሳብ ማሊ ዝዝርጋሕ ዞባ እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እዚ ድማ ዕልዋ መንግስቲ ኢልና እንጽውዖ" ይብል ኦቺየንግ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ብሰንኪ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዝመጽእ ልዑል ደረጃ ዓመጽን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን፡ እንተወሓደ ንሕጂ፡ ኣብዚ ዝዀነ ወተሃደራዊ መደበር ስፍሓት ክድርቶ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሩስያ ኣብ ሶርያ ዘለዋ ዕርዲ እንተስኢና ዝያዳ ተቓላዕቲ ዝዀና ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ካልኦት ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሩስያ ዝንቀሳቐሱለን ሃገራትን እየን።