ሶርያ፡ መጻኢ ባሻር ኣል ኣሳድን ስድራኡን እንታይ'ዩ ክኸውን?

ባሻር ኣልኣሳድን ብዓልቲ ቤቱ ኣስማ ኣል ኣሳድን ኣብ ሩስያ’ዮም ዘለዉ [ስእሊ ናይ ቀደም’ዩ]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ባሻር ኣልኣሳድን ብዓልቲ ቤቱ ኣስማ ኣል ኣሳድን ኣብ ሩስያ'ዮም ዘለዉ [ስእሊ ናይ ቀደም'ዩ]

ባሻር ኣል ኣሳድ ብሰንበት ካብቲ ን24 ዓመታት ዝማመቖሉ ስልጣን ተዓልዩ ናብ ሩስያ ምስ ሃደመ፡ ሶርያ ታሪኽ 24 ዓመታት ጥራይ ኣይኮነትን ለዊጣ። ታሪኽ ናይቲ ካብ 1971 ጀሚሩ ካሳብ ኣብ 2000 ዝመዉት ነታ ሃገር ዝገዘኣ ኣቡኡ ንባሻር ኣል ኣሳድ ሓፈዝ ኣል ኣሳድ'ውን እዩ ነይሩ። ስለዚ ታሪኽ 53 ዓመት'ዩ ዘኽትም ዘሎ።

ሕጂ እቶም ንመንግስቲ ባሻር ኣል ኣሳድ ዝዓለዉ ዕጡቓት ጉጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም መሰጋገሪ መንግስቲ ኣብ ምምስራት'ዮም ዘለዉ።

መጻኢ ናይቲ ምስ ብዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ናብ ሩስያ ዝሃደመ ባሻር ኣልኣሳድ እንታይ ከምዝኸውን ብሕጂ ዝርአ'ዩ ክኸውን።

ሩስያ ዑቕባ ሂባቶም ኣብ ሩስያ'ዮም ዘለዉ፤ ኣብ መጻኢ እንታይ ክገጥሞም ይኽእል ግን ዝተፈለጠ ነገር የለን።

ባሻር ኣል ኣሳድ ንምንታይ'ዩ ናብ ሩስያ ሃዲሙ?

ኣብ ሶርያ ኵናት ሓድሕድ ምስ ተወለዐ፡ ሩስያ ካብ 2015 ጀሚራ ኣብ ጎኒ ስርዓት ኣል ኣሳድ'ያ ተሰሊፋ ነይራ፡ ኣብ ውሽጢ ሶርያ'ውን ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከራት መስሪታ።

ኣሳድ ሳላ ሓገዝ ናይ ሩስያን ኢራንን'ዩ ነቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ዘፍ ከብሎ ክኢሉ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝመደበሩ ሞኒተሪንግ ግሩፕ ዝተብሃለ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ትሽዓተ ዓመታት ኣብ ሶርያ ብዝፈጸመቶ ደብዳብ ነፍርቲ 8700 ሰለማውያን ሰባት ዝርከብዎም 21 ሽሕ ሰባት ከምዝቐተለት ይገልጽ።

ሩስያ ምስ ዩክረይን ኣብ ኵናት ምስ ተጸመደት ግን ካልኣ ስለ ዝዓጠጣ ወይ ንስርዓት ኣል ኣሳድ ክትሕግዝ ስለዘይደለየት እቲ ትህቦ ዝነበረት ደገፍ ደው ኣቢላቶ።

ዕጡቓት ጉጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም ንደማስቆ ምስ ሓዝዋ ባሻር ኣል ኣሳድን ስድርኡን ሞስኮ ከምዝኣተዉ ማዕከናት ዜና ኣቓሊሐን።

ውሃቢ ቃል ክረምሊን ድሚትሪ ፔስኮቭ ብዛዕባ ሩስያ ንባሻር ኣል ኣሳድ ቡቕባ ምሃባ ኣብ ዝተሓተተሉ "ሕጂ ዋላ ሓንቲ ዝነገርኩም ነገር የለን፡ ከምዚ ዓይነት ውሳን [ንኣልሳድ ዑቕባ ምሃብ] ብዘይ ፍቓድ መራሒ ሃገር ክውሰድ ኣይክእልን'ዩ፡ ንሱ'ዩ ወሲኑ" ኢሉ።

ባሻር ኣል ኣሳድ ምስ ሩስያ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ ስኑድ'ዩ።

ኣብ 2019 ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ ስድራ ቤት ኣል ኣሳድ ኣብ ሞስኮ ብውሕዱ 18 ኣዝዩ ዘመናዊ ዝኾነ ገዛውቲ ከምዝገዝኡ ኣቓሊዑ ነይሩ።

ዓቢ ወዱ ንኣል ኣሳድ ሃፋዝ'ውን ኣብ ሞስኮ'ዩ ናይ ዶክትረይት ትምህርቱ ክምሃር ጸኒሑ።

ሩስያ ነቲ ኣብ ሶርያ ዘለዋ ክልተ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዘለዎ ንኽቅጽል ምስቶም ነታ ሃገር ተቆጻጺሮም ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለ ሓያት ታሕሪር ኣል ሻም ዝርርብ ጀሚራ ከምዘላ'ውን መንግስታዊት ተለቪዥን እታ ሃገር ኣቓሊሓ።

ደቁን ብዓልቲ ቤቱን ብዓል መን'ዮም?

ባሻር ኣል ኣሳድ ንዜግነት ብሪጣንያን ሶርያን ዘለዋ፡ ካብ ሶርያውያን ስድራቤት ኣብ ምዕራብ ለንደን ዝተወለደት ኣስማ'ዩ ተመርዕዩ።

ኣስማ ትምህርታ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብምውዳእ ኣብ ሎንደን ኣብ ሓደ ባንኪ ትሰርሕ ነይራ።

ንሳ ኣብ 2000 ናብ ሶርያ ጠቅሊላ ብምእታው ኣብ 2000 ንኣልኣሳድ ተመርዕያቶ፡ ኣብቲ እዋን ኣቡኡ ንኣልኣሳድ ስለዝሞተ ባሻር ኣልኣሳድ ፕረዚደንት ሶርያ ኰነ።

ኣብ ሎንዶን ቤት ትምህርቲ ስነ ቁጠባን ፖሎቲካዊ ስነ ፍልጠትን መምህር ዝኰነ ዶክተር ነስሪን ኣልረፊን፡ ኣስማ ዜግነት ናይ ዓዲ እንግሊዝ ስለዘለዋ ኣብ ክንዲ ኣብ ሩስያ ትጸንሕ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክትከይድ ተኽእሎ ከምዝነበረ'ዩ ዝገልጽ።

"እንተኾነ ኣመሪካ ኣልዕሊ ኣቡኣ ዶክተር ፋዋዝ ኣል ኣክሀራስ እግዳ ኣንቢራ'ያ፡ ንሱ'ውን ሕጂ ኣብ ሩስያ'ዩ ዘሎ" ካብዚ ብምብጋስ ኣስማ ኣብ ሩስያ ምጽናሕ ክትመርጽ ከምእትኽእል ይሕብር።

ባሻር ኣል ኣሳድን ኣስማን ሓፊዝ [ዶክትረይት ዝምሃር ዘሎ]፡ ዘይንን ካሪምን ዝብሃሉ ሰለስተ ውሉዳት'ዮም ዘለዉዎም።

ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ሃፈዝ ኣል ኣሳድ ብዓልቲ ቤቲ ኣኒሳ ፖዝ ምስ ደቆም [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ማሀር፡ ባሻር፡ ባሰል፡ ማጂን ቡሽራን ኣብ 1990 ዝተሰኣልዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ሩስያ ነበር ሃፈዝ ኣል ኣሳድ ብዓልቲ ቤቲ ኣኒሳ ፖዝ ምስ ደቆም [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ማሀር፡ ባሻር፡ ባሰል፡ ማጂን ቡሽራን ኣብ 1990 ዝተሰኣልዎ

ኣብ 2022 ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኣቶ ጸብጻብ ስድራቤት ኣል ኣሳድ ካብ 1 ክሳብ 2 ቢልዮን ዶላር ሰልዲ ከምዘኻዕበቱ ብምግላጽ ብኑጹር ንምፍላጡ ግን ኣዝዩ ከምዘሸግር ገሊጻ ምንባራ ይዝከር።

ብፍላይ ባሻር ኣል ኣሳድን ብዓልቲ ቤቱ ኣስማን ኣብ እዋን ቁጠባዊ ቅልውላው ሶርያ፡ ካብ መግቢ፡ ነዳዲን ሸርፍን ብዙሕ ገንዘብ ከምዝኻዕበቱ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ብዓልቲ ቤቱ ንባሻር ኣል ኣሳድ ኣስማ ኣዝያ ጸላዊትን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብታ ሃገር ረድኤት ዝህባ ትካላት ርክብ ብምግባር ናብ ረብሓኣ ተውዕሎ ከምዝነበረት ትኽሰስ'ያ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ማይክ ፖምፕዮ ኣብ 2020 ኣብ ዝሃቦ መግልጺ ኣስማ "ብጉልባብ ብዓል ቤታን ስድራኣን ካብቲ ኵናት ብዙሕ ሰልዲ ክትከስብ ክኢላ'ያ" ኢሉ ነይሩ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምሕደራ ትራምፕ'ውን ኣስማ ቀንዲ መራሒትን ኣማእዛኒትን ጸጋታት እቲ ስድራ ከምዝኾነት ገሊጹ ነይሩ።

ኣል ኣሳድ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ባሻር ኣል ኣሳድ ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ዋና ጸሓፊት ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ፡ ሶርያውያን ንኣዝዩ ዘሰንብድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ተቓሊዖም ምጽንሖም ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ኣዝዩ ሰፊሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዝተፈጸመ ገሊጻ።

እታ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኣምነስት ኢንተርናሽናል እቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት "ከሚካላዊ ኣጽዋር ምጥቃም፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ደብዳብ ምፍጻም፡ ቕትለት፡ ምስቓይ፡ ግዱድ ምስዋርን ካልእን" ብምባል ትገልጾ።

እታ ሓላፊት እቶም ነዚ ተግባር እዚ ዝፈጸሙ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ናብ ሕጊ ከቕርቦም ከምዘለዎ ከኣ ትጽውዕ።

ብሰሉስ እቲ ንሶርያ ተቖጻጺሩ ዘሎ ዑጡቕ ጉጅለ፡ ኣስማት ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ስድራቤት ኣልኣሳድ ግፍዕታት ዝፍጸሙ ሰበስልጣን ክዝርግሖ ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።

እቶም ካብ ሶርያ ወጾኦም ዘለዉ ፈጸምቲ ገበን'ውን ናብ ሶርያ ተመሊሶም ግቡእ ፍርዶም ከምዝረኽቡ'ውን እቲ ጉጅለ ክጽዕር ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ፈረንሳ ዝርከቡ ኣኽበርቲ ሕግን ደያኑን ባሻር ኣል ኣሳድ ኣብ ሶርያ ብዝፈጸሞ ገበናት ኣብ ዝተረኸቦ ኣብ ቀይዲ ክኣቱ ተእዛዝ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

እንተኰነ እዚ ኩሉ ሩስያ ኣሓሊፋ ትህቦ'ዶ ኣብ ዝብል'ዩ ዝጥርነፍ።

ኣል ኣሳድ'ውን ኣብዚ እዋን ካብ ሩስያ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ክኸይድ ይኽእል'ዩ ዝብል ጥርጣረ የለን።