'ነዛ ሓዳሽ ሶርያ ክርኢ ብህይወት እንተዝጸንሕ' ሓፍቲ ግዳይ ስርዓት ኣል ኣሳድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጠንቀቕታ፦ እዚ ጽሑፍ እዚ ብዛዕባ ስቅያት ዚገልጽ ዝርዝራዊ ነገራት ዝሓዘ እዩ።
ንሓደ ካብ ፍሉጣት ጸረ ስርዓት ኣል ኣሳድ ዝነበረ ማዘን ኣል ሓማድ፡ ሬስኡ በታ ኣብ እዋን ተቃውሞ ኣንጻር ስርዓት ባሻር ኣል ኣሳድ ዝጥቐሙላ ዝነበሩ ቀጠልያ፡ ጻዕዳ ጸሊምን ከምኡ ከኣ ሰለስተ ቀያሕቲ ኮኾብ ኣብ ማእከላ ዘለዋ ባንዴራ ሸፊኖም "ነዚ ሰውራ ደምናን ህይወትን ሂብና ኢና" ዝብል ጭርሖታት እናኣስምዑ ኣብ ጎደናታት ደማስቆ ክዞሩ ውዒሎም።
እቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እናተቐረበ ምስ ከደ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ክጽንበርዎ ጀሚሮም። ገሊኦም እናበኸዩ "ማዘን ስዉእ እዩ" እናበሉ ይጭድሩ ነይሮም።
ዓለም ቅድሚ ሕጂ ዳርጋ ብዛዕባ እቲ ስርዓት ኣልኣሳድ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዝነበረ ጭካነ ዝተሓወሶ ግፍዕታት ብዙሕ ትፈልጥ ኣይነበረትን።
እቲ ኣብ ልዕሊ ነቃፊ እቲ ስርዓት ዝነበረ ማዘን ኣል ሓማድ ዝተፈጸመ ስቓይን ቅትለትን'ውን ኣካል ናይዚ'ዩ።
ኣስክሬን ማዘን ኣል ሓመድ ብሰንበት'ዩ ኣብቲ መቕተሊ ሰብ ዝነበረ ኣብ ካብ ደማስቆ 30 ኪሎሜተር ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ሰይድናይ ተረኺቡ።
ኣብ ልዕሊ ማዘን ኣል ሓመድ ብዙሕ ስቕያት ከምዝተፈጸመ ኣብቲ ሬሳ ብዙሕ ምልክታት ኣሎ።
ሓደ ዝመርመሮ ሓኪም ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ ኣብ መላእ ኣካላቱ ስብራት፡ ምልክት ቃጸሎን መቑሰልትን ከም ዝነረሮ ኣረጋጊጹ። ስድራቤት ማዘን ኣል ሓማድ'ውን ነቲ ዶክተር ዝበሎ ከረጋግጽዎ ክኢሎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓፍቱ ንማዘን ኣል ሓማድ ዝኰነት ላምያ'ውን "ነቲ ኣብ ኣካላቱ ዝነበረ ቀስሊ ክትቆጽሮ'ዩ ዘሸግር። ኣብ ገጹ ብዙሕ ህራም ነይርዎ ኣፍንጭኡ'ውን ተሰይሩ'ዩ" ኢላ።
ኣብ 2011 ኣብ ሶርያ ተቃውሞ ኣንጻር መንግስቲ ምስ ተለዓለ፡ ማዘን ኣል ሓማድ ተኣሲሩ ድሕሪ ከቢድ ስቓይ ኣብ 2013 ተፈቲሑ።
ናብ ሆላንድ ተሲዲዱ ብምኻድ ከኣ ኣብታ ሃገር ዑቕባ ረኺቡ።
ማዘን ኣል ሓማድ ኣብ ሆላንድ ምስ ከደ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሶርያ እንከሎ ዘጋጥሞ ዝነበረ ስቓይ ብተደጋጋሚ ብቅሉዕ ይዛረብ ነይሩ።
ኣብታ ብዛዕባ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ እሱራት ሶርያውያን እተዘንቱ ሰነዳዊት ፊልም፡ ማዘን ኣብ ልዕሊኡ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝተፈጸመ፡ ኣብ ፈረ ነብሱ ይሃርምዎ ከምዝነበሩ ኣብ ኣፍልቢ ደጋጊሞም ብእግሮም ብምህራም መሰናግልኡ ከምዝሰበርዎ ሓቢሩ።
ማዘን ኣል ሓማድ ኣብ ስደት እንከሎ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሶርያ ዘጋጠሞ ስቓይ ጭንቀት ገይሩ ምንባሩ ወዲ ሓዉ ይሕብር።
ኣብቲ እዋን ብፍላይ እቶም ኩርድ ዝተብሃሉ ዓሌት ኣዝዮም ጨካናት ብምዃኖም ህዝቢ ኣንጻሮም ክልዓል ከምዘለዎ ብቪድዮ መልእኽቲ የመሓላልፍ ነይሩ። ስድርኡ ግን ነዚ ክብል እንከሎ ኣብ ጽቡቕ ኣእምሮኣዊ ኩነታት ከምዘይነበረ'ዮም ዝሕብሩ።
ኣብ 2020 ከኣ ናብ ሶርያ ክምለስ ብምውሳን ናብ ሶርኣ ተመሊሱ።
ሓፍቱ ላምያ "ናብ ሶርያ ክመጽእ ምስ ወሰነ መንግስቲ ሶርያ ዋላ ሓንቲ ከምዘይገብሮ ቃል ኣትዩሉ ነይሩ'ዩ። ብዘይካ እዚ ናብ ሃገሩ እንተዘይተመሊሱ ስድርኡ ክእሰሩን ክቕተሉን ምዃኖም'ውን ይንገሮ ነይሩ" ትብል።
እግሩ ናብ ሶርያ ኣብ ዝረገጻሉ ከኣ ብቕጽበት ተኣሲሩ።
ተቓወምቲ መንግስቲ ንደማስቆ ምስ ተቖጻጸርዎ ከኣ ኣብቲ ተኣሲርሉ ዝነበረ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ ተረኺቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስድርኡ ተቓወምቲ ንኸተማ ሓማ ምስ ሓዝዋ ሽዑ ንሽዑ በቶም ሓለውቱ ከምዝተቐተለ'ዮም ዝግምቱ። ምኽንያቱ ሬስኡ ብሓድሹ'ዩ ጸኒሕዎም።
ላምያ "ሕጂ ነጻ ምዃንና ኣዝየ ሕጉስቲ'የ። እንተኾነ ብህይወት ጸኒሑ ነዛ ሕጂ ዘላ ሶርያ እንተዝርያ ኢለ ይምነ። ሓወይ ንሕና ነጻ ንኽንወጽእ ብዙሕ ዋጋ'ዩ ከፊሉ፡ እንከላይ ህይወቱ" ትብል።
እቲ ኣብ ኣዘን ዘጋጠመ ኣዝዩ ውሑድ ካብቲ ስርዓት ኣል ኣሳድ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፈጸሞ'ዩ። ልዕሊ 100 ሽሕ ሃለዋቶም ዘይተፈለጠ ዜጋታት እታ ሃገር ኣለዉ። መብዛሕትኦም ሞይቶም ክኰኑ ከምዝኽእሉ'ዩ ዝእመን፡ ስድርኦም ከኣ ሬስኦም እንተረኸቡ ኣብ ምድላይ ኣለዉ።
ኣብ ሆስፒታል ደማስቆ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰይድናያ ዝተረኸቡ ሬሳታት ምልእ ኢሎም ኣለዉ። ቦታ ስለዝጸበበ እቲ ብዙሕ ገይሩ ዝፈረሰ ሬሳታት ኣብ ደገ'ዩ ዘሎ፤ እቲ ሆስፒታል ሬሳ ወገናቶም ንምልለላይ ብዝተኣከቡ ሰባት ቅጽጽ ኢሉ'ሎ።
ገለ ሬሳታት ካብ ርእሶም ዝተቖተረጹ'ዮም።
ኣብ ሓደ ኩርናዕ ኣብ ፕላስቲክ መጠቕለሊ ሬሳ ዝተኣከቡ ኣዕጽምትን ሽክናታትትን ሰባት ምልእ ኢሎም ይርኣዩ።
ሰባት ከኣ ኣብዚ መጺኦም ወገናቶም ንኸለልዩ ይጽዕሩ።
ሬሳ ወዲ 19 ዓመት ኣሕማድ ሱልጣን ዒድ ሬስኡ ብኣዲኡን ብሓዉን ተላልዩ።
ኣዲኡ ሬሳ ወዳ ምስ ኣላለየቶ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ወደቀት፡ ሓካይም ከኣ ተጓይዮም ናብ ክፍሊ ቀዳማይ ረድኤት ወሲዶማ።
ሓዉ ንኣሕማድ ሱልጣን ከኣ ገጹ ናብ መንደቕ ኣደጊፉ ብንብዓት ክሕጸብ ጀሚሩ።
ብዙሓት ስእሊ ናይቶም ሃለዋቶም ዝጠፈአ ወገናቶም ሒዞም ኣብቲ ሆስፒታል ቀንፈዘው ክብሉ ይውዕሉ።
ሙስጣፋ ክሃር ኡል ኡናም ሽማግለ ሰብኣይ ኮይኖም ሬሳ ናይቶም ኣብ 2011 ዝተኣሰሩ ክልተ ደቆም እንተረኸቡ'ዮም ናብቲ ሆስፒታል መጺኦም "ክሳብ ሕጂ ዋላ ሓንቲ ክረክብ ኣይክኣልኩን፡ ኣስክሬን ጥራይ እናርኣኻ ሰብ ከተለሊ ከቢድ'ዩ" ይብሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሕማድ ማስሪ'ውን ኣስክሬን ሓዉ እንተረኸበ'ዩ ናብዚ ሆስፒታል መጺኡ።
"ክሳብ ሕጂ መቕርብና ኣበይ'ዮም ዘለዉ ክንሓትት ኣይተፈቐደደናን ጸኒሑ፡ እንተሓቲትና'ውን ምተኣሰርና፡ እቲ ስርዓት ከምኡ'ዩ ነይሩ፡ ኣዝዩ ከቢድ'ዩ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይገበሩን በቓ ተኣሲሮም ሃለዋቶም ኣይንፈልጥን ኢና፡ ምናልባት'ውን ኣብ ገለ ብጅምላ ኣብ ጋህሲ ተቐቢሮም ይህልዉ፡ ኣብ ሶርያ ካብ ምንባር ኣብ ግብ ዝበለ ጫካ ምስ ኣራዊት ዝምረጸሉ ግዜ ኢና ኣሕሊፉና" ይብል።
ሶርያውያን ቅድሚ ሰሙን ከምዚ ናይ ሕጂ ስምዒቶም ብኽፉት ክገልጹ ዘይሕሰብ'ዩ ነይሩ።
ሓንቲ ካብቶም ሬሳ ወዳ እንተረኸበት ናብቲ ሆስፒታል ዝመጽአት ወላዲት ብዓውታ "ኩልና ሬሳ ደቕና ክንደሊ ኣብዚ ተኣኪብና ዘለና ኣዴታት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኣል ኣሳድ ሕነ ክንፈዲ ኣለና፡ ፑቲን ንኣሳድ ዑቕባ ክህቦ የብሉን፡ ንኣሳድ የረክብና'ሞ ሕነና ክንፈዲ" ኢላ።
ሓፍቱ ናማዘን ኣል ሓመድ፡ ላምያ ንሓዋ እንታይ ዓይነት ፍትሒ ከምእትደልየሉ ኣብ ዝሓተትናሉ "ኩሎም እቶም ገበርቲ እከይ ሃዲሞም'ዮም፡ ናብ ሃገርና ተረኪቦም ብግቡእ መስርሕ ፍርዲ ፍትሒ ክረጋገጽን ናይ ኢዶም ክረኽቡን'ዩ ድሌተይ" ኢላ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







