'ዝመውት መሲሉኒ ነይሩ'- ህይወት ኣብ መዓስከር ጅሃዳውያን ምዕራብ ኣፍሪቃ

ምንጪ ስእሊ, Michael Mvondo / BBC
ድሕነቱ ንምሕላው፡ ጄምስ እናበልና ኢና ክንጽውዖ።
ኣብ ጐረቤት ሃገር ቡርኪናፋሶ ብጅሃዳውያን ዕጡቓት ጅሆ ተታሒዙ ዝጸንሐ ጋናዊ እዩ።
ኣብቲ እቶም ዕጡቓት ዝርከብሉ ኣብ በረኻታት ዝተደኰነ መዓስከራት፡ ብዛዕባ እቲ ሳሕቲ ዝርአ ህይወቶም ክርኢ ክኢሉ'ዩ።
ኣብዚ ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ክፍጽሙ ዝስልጥኑ ህጻናት፡ ካብ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ንምክልኻል ዝዅዕትዎም ጋለሪያታትን ካልኦትን ተዓዚቡ።
ጄምስ፡ ድሕሪ እቲ ብ2019 [ኣ.ኤ] ዘጋጠመ ክስተት ንፈለማ እዋን'ዩ ቃለ መጠይቕ ዝህብ ዘሎ።
መጀመርታ ናብቲ በረኻ ምስ ወሰዱዎ ብፍርሒ ተዋሒጡ ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ሽዑ፡ መብዛሕትኦም ዕጡቓት ካብ ሓደ ስርሒት ይምለሱ ስለ ዝነበሩ፡ ብዙሕ ጠያይቲ ይትኵሱ ነይሮም ክብል ይዝክር።
"ሽዑ ፍጻመይ መሲሉኒ ነይሩ፤ ብረሃጽ ጥራይ'የ ተኣሊኸ ነይረ" ዝብል ጄምስ፡ ገሊኦም ብሽጕጦም ምስ ሃረምዎ'ውን ኣብ ስሪኡ ከም ዝሸነን ብኡኡ ከም ዝስሓቑን ይዛረብ።
ኣብ 30ታት ዕድመ ይርከብ፤ ባህላዊ ሃይማኖት ኣፍሪቃ ይኽተል።
እቶም ዕጡቓት ድሒሮም፡ ሓደ መዓልቲ ኣዛዚ ቦጦሎኒ ክትኸውን ትኽእል ኢኻ ብምባል ክመልመልዎ ምፍታኖም ገሊጹ።
"እቲ ኣዛዚ ክሻ ኣምጺኡ። ዝተፈላለየ ኣጽዋር፡ ኤ.ኬ-47፡ ኤም16ን ጂ3ን [ሽጕጥ] ዝሓዘ'ዩ ነይሩ። 'ካብዚኦም ነየናይ ትኽእል?' ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ ቅድሚ ሕጂ ዋላ ሓደ ጥይት ተኲሰ ከም ዘይፈልጥ ነጊረዮ። ድሓር 'ዓበይቲ ኣጽዋር ኣለና'ዩ፤ ስለዚ ቦጦሎኒ ከተመሓድር ሓላፍነት እንተሂበካ፡ ዝዀነ ሰብ ክጐድኣካ ኣይክእልን'ዩ' " ኢሉኒ ይብል።
ንሱ ዕድለኛ ኰይኑ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ኣብ ገዛ ዝሓመመ ቈልዓ ኣለኒ ብምባል ድሕሪ ዘቕረቦ ምሕጽንታን፡ ኣብ ጋና ዕጡቓት ዝምልምል ጃሱስ ክኸውን'የ ኢሉ ቃል ብምእታውን ካብቲ መዓስከር ክወጽእ ክኢሉ።
እንተዀነ፡ ነዚ ዝኣተዎ ቃል ከም ዘየፈጸመ ይዛረብ።
መንእሰያት ናብ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ከይጽንበሩ ህዝባዊ ወፍሪ ዝመርሕ ዘሎ መንግስታዊ ትካል ሃገራዊ ኮሚሽን ትምህርቲ ስነ-ምግባር ጋና፡ ጄምስ ዝሓለፎ ኵነታት ከም ዝፈልጥ ንቢቢሲ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ ዞባዊ ዳይረክተር እቲ ኮሚሽን ማውሊ ኣግቤኑ፡ ምስ ጄምስ ተራኺቡ ከም ዝፈልጥ ብምግላጽ፡ "ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቡ ኣምባሳደር ወይ ጸላዊ ንኽኸውን ብርግጽ ምስኡ እንሰርሓሉ ኣገባብ ክህሉ'ዩ" ኢሉ።
ጋና፡ ንነዊሕ እዋን ርጕእ ዴሞክራሲ ዘለዋ ሃገር ኰይና እያ ጸኒሓ።
ክሳብ ሕጂ ከኣ እቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝተራእየ ናዕቢ ኣይጸለዋን።
ኣብ ቡርኪናፋሶን ጎረባብታ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ግን ሓያሎ ዕንወት ኣስዒቡ።
እቶም ንጄምስ ዝጨወዩ ዕጡቓት ጀማዓ ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል-ሙስሊሚን (JNIM) ወይ 'The Support Group for Islam and Muslims' እዮም ዝብሃሉ።
እዚኦም ምስ ኣል-ቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎም ኰይኖም፡ ኣብ 2017 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ጽላል ኣካል ናይቶም ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐሱ ዝተፈላለዩ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ኰይኑ ብወግዒ ተመስሪቱ።
ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ድልዱል ሓይሊ ኣለዎም።
ሰፊሕ ከባቢታት ይቈጻጸሩ።
እንተዀነ ሕጂ ናብ ደቡብ፡ ኣብቲ ምስ ጋና ዝዳወብ 550 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ዶብ እውን ኣስፊሖም ኣለዉ።
ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት ካብቲ ግጭት ንምህዳም ካብ ቡርኪናፋሶ ናብ ሰሜናዊ ክፋል ጋና ከም ዝሃደሙ ትካላት ረድኤት ይገልጹ።
ብዘይካ ቡርኪናፋሶ፡ እቶም ጅሃዳውያን ኣብ ኒጀርን ማሊን'ውን ክዕስክሩ ክኢሎም ኣለው።
ኣብ ኣይቮሪኮስት፡ ቤኒንን ቶጎን - ኩለን መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ - መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ እቲ ናዕቢ ናብ ደቡብ ገጹ ናብ ገማግም ባሕሪ ይዝርጋሕ ብምህላዉ ከኣ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ወርሒ ሚያዝያ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕቡራት ሃገራት "እቲ ግብረሽበራ ካብ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ናብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ተሰጋጊሩ፡ ብዓቢኡ ኣብ ዞባ ሳሕል [ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን ዘጠቓልል] ይሰፍሕ ኣሎ" ኢሉ ነይሩ።
ምስ ጕጅለ ኣልቃዒዳን ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲ (ኣይኤስ)ን ዝተኣሳሰሩ ጅሃዳውያን ድማ ኣብቲ ዞባ ይንቀሳቐሱ ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, Thomas Naadi / BBC
ኣብ ዶብ ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ጋናዊ ሓላፊ ጸጥታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ጅሃዳውያን መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቡርኪናፋሶ ጸቕጢ ኣብ ዝግበረሎም እዋን ዳግማይ ክሳብ ዝጥርነፉ ዶብ ይሰግሩ፤ ከምኡ'ውን ነታ ሃገር ኣጽዋር፡ መግብን ነዳድን ንምስግጋር ይጥቀሙላ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
እዚ "ንጋና ውሑስ ኣይኰነን። ኣብ ከም በዓል ፑሲጋ ዝኣመሰላ ከተማታት ይሕብኡ'ዮም። ጽኑዕ ሓለዋ ስለ ዘየለ ከኣ ኣብ ዶባት ዝነብር ሕብረተሰብ ስክፍታ ኣለዎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ትካል ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሆላንድ ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ "ኣብ መሬት ጋና መጥቃዕቲ ዘይፍጸመሉ ዘሎ ምኽንያት ጀማዓ ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል-ሙስሊሚን ቀረብ ዝረኽበሎም መስመራትን መዕረፊ ቦታታትን ንከይዝረጕን ብተዛማዲ ንሓያል ሰራዊት ንዘይምትዅታዅን ካብ ዝብል ዝነቅል'ዩ ዝመስል" ኢሉ።
እቲ ትካል ወሲዅ፡ "መለለዪ መንነት ጋና ብምርኣይ ብጀኒም [እቲ ጕጅለ] ዝድሓኑ ሰባት ናይዚ ኣብነት እዮም" ይብል።
መብዛሕትኦም ጋናውያን ክርስትያን እኳ እንተዀኑ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ህዝቢ ግን ብቐንዱ ኣስላም እዩ።
ገለ ክፋል ናይቲ ዞባ'ውን ብዓሌታዊ ወጥሪ ተሸሚሙ ብምህላዉ፡ እቶም ጅሃዳውያን እዚ ንረብሓኦም ክምዝምዝዎም ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ።
እቲ ትካል፡ ጄኒም ኣብ "ኣዝዩ ውሑድ ቁጽሪ" ኣጋጣሚታት ነቲ ንእሽቶ፡ ብዓቢኡ ኣስላም ዝዀኑ ማሕበረሰብ ፉላኒ ጋና መጥቃዕቲ ንምፍጻም ንምምልማል ወይ ንምልዕዓል ፈቲኑ ከም ዝነበረ ገሊጹ።
ጄኒም እዞም ክፋል ሕብረተሰብ ተጓንዮም'ዮም እኳ እንተበለ፡ ማሕበረሰብ ፉላኒ ኣብ መላእ ዞባ ሳሕል ዝተዘርግሑ ብምዃኖምን እቲ ቅልውላው ኣብቲ ዞባ ፈጢሩዎ ዘሎ ህውከት ስለ ዝፈልጡን፡ እዚ ኣብ ጋና ክኽሰት ኣይደልዩን።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ጕጁለ ዕጡቓት ንምምልማል ዝገበሮም ጻዕሪታት "ብሰፊሑ" ኣይተዓወቱን።
ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝርከብ ሰባኺ ፉላኒ ኣስላም ኣማዱ ኩፋ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ጀኒም ኰይኑ፡ ካልኣይ ኣዛዚ እዚ ዕጡቕ ጕጅለ እዩ።
መብዛሕትኦም ተጋደልቱ ኣብ ቡርኪናፋሶ ካብ ዝርከብ ማሕበረሰብ ፉላኒ ዝተመልመሉ'ዮም።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር፡ ነዞም ዓሌት ብምጽላም፡ ሕነ ብምፍዳይ ከምኡ'ውን ኣብ ቡርኪናፋሶ ኣብ ዝርከባ ዓድታቶም ብዘይ ኣፈላላይ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ብጕጅለታት ተጣበቕቲ መሰላት ክኽሰስ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ 2022 ኣብ ፈረንሳ ዝመደበሩ 'ፕሮሜዲየሽን' ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል፡ እቶም ጅሃዳውያን ካብ 200 ክሳብ 300 ዝዀኑ መንእሰያት ጋናውያን ከም ዝመልመሉ ገሊጹ።
ገሊኦም ኣብ ከም በዓል ቡርኪናፋሶ ዝኣመሰላ ብናዕቢ ዝተሃስያ ሃገራት ይንቀሳቐሱ'ኳ እንተነበሩ፡ ገሊኦም ግን "ኣኽራሪ እምነቶም" ንምስባኽ ናብ ሰሜናዊ ጋና ዝርከባ ዓድታቶም ተመሊሶም ከም ዝነበሩ ወሲኹ ሓቢሩ።
እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ እቶም ጅሃዳውያን "ኣብ ሰሜን ኣብ ገጠራትን ወሰናስን ከባቢታት ዘላቒ ባይታ ክረኽቡ" ከም ዘኽኣሎም እቲ ዘይመንግስታዊ ትካል ገሊጹ።
ጋና ካብ 2022 ጀሚራ ንእስላማዊ ናዕቢ ንምምካት ብምዕራባውያን ዝድገፍ ዓሰርተ ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ዞባዊ ሓይሊ ንምፍጣር ክትሰርሕ ጸኒሓ ኣላ።
ታማሌ - ኣብ ሰሜናዊ ጋና ዝዓበየት ከተማ - ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ሓይሊ ክትከውን እያ ተባሂሉ።
እንተዀነ እዚ ጌና ኣይተኸፍተን ዘሎ።
እቲ ዞባ ከኣ ኣብ መንጐ ደገፍቲ ምዕራባውያንን ደገፍቲ ሩስያን ዝዀና ሃገራት ኣብ ክልተ ተገሚዑ ብምህላው ዕጫ እዚ ተበግሶ ንጹር ኣይኰነን።
ቡርኪናፋሶ - ምስ ማሊን ኒጀርን ኰይና- ናብ ሩስያ ገጻ ገይራ ትርከብ።
ሰለስቲአን ሃገራት ነቶም ዕጡቓት ንምምካት ናይ ገዛእ ርእሰን ምሕዝነት ፈጢረን፤ ብሩስያውያን ዕሱባት ወተሃደራት'ውን ይሕገዛ ኣለዋ።
ጋናን ካልኦት ኣብቲ ዞባ ዝርከባ ሃገራትን ድማ ምስ ምዕራብ ተጸጊዐን ይርከባ።
ሰራዊት ጋና ኣብ ሰሜን መዓስከራት ኣጣይሹ'ኳ እንተሎ፡ ሓደስቲ ዝተተኽሉ መሳርሒታት ምክትታል ዶባት ግን ገና ከም ዘይሰርሑ እቲ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓላፊ ጸጥታ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ይኹን'ምበር ጀኒም ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒን ኣብ ዶብ ቡርኪናፋሶ ክልተ መጥቃዕቲ ካብ ዝፍጽም ንደሓር ተወሳኺ ሰራዊት ከም ዝተላእከ ወሲኹ ሓቢሩ።
መንግስቲ ጋና ኣብዚ ጕዳይ ርእይቶ ክህብ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።
ይኹን'ምበር ኣምባሳደር ጋና ኣብ ቡርኪናፋሶ ቦኒፋስ ጋምቢላ ኣዳግቢላ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ክልቲአን ሃገራት ነቶም ዕጡቓት ንምምካት ነንሕድሕደን ይተሓጋገዛ ከም ዘለዋ ብምግላጽ፡ ቡርኪናፋሶ እንተፈሺላ "ጋና ቀጻሊት ቦታ ክትከውን ትኽእል እያ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ሰልፊ ሃገራዊ ዴሞክራስያዊ ኮንግረስ ጋና - ኣብቲ ብ7 ታሕሳስ 2024 ዝተኻየደ መረጻ ድሕሪ ምዕዋቱ ቀጻሊ መንግስቲ ከቑም'ዩ። ኣብ ናይ ጐስጓስ ማኒፌስቶኡ ምስ "ኣህጉራውያን መሻርኽቲ" ብምትሕብባር ጸጥታ ዶባት "ከዕብዮ" ከምኡ'ውን ዓቕሚ ስለያ እታ ሃገር ከማሓይሽ ተመጻቢዑ'ዩ።
ኣብ ነሓሰ 2023 ሕብረት ኤውሮጳ ከም ኣካል ናይቲ 21.6 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ፓኬጅ ሓገዝ፡ ንጋና ኣስታት 100 ዕጥቃዊ መካይን፡ ከምኡ'ውን ከም ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝኣመሰሉ ናይ ምክትታል መሳርሒታት ከም ዘቕርብ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ብዙሓት ሲቪላትን ስደተኛታትን ብእግርን መጓዓዝያን ንስራሕ፡ ንግዲ ወይ ኣዝማዶም ንምብጻሕ ንዶብ ጋናን ቡርኪናፋሶን ኣብ ዝሰግርሉ እዋን፡ ጸጥታዊ ሓደጋታት ከም ዘጋጥሞም ኣይክሓድን።
ጄምስ ድማ ሓደ ካብኣቶም እዩ፤ ንሱ ብሞተር ብሽክለታኡ ክሳብ ሰኔጋል ኣብ ዝጕዓዘሉ ዝነበረ እዋን'ዩ በቶም ዕጡቓት ተታሒዙ።
ንኣስታት ሓደ መዓልቲ ብሞተር ክጕዓዝ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ደኦብ ማሊ ኣብ ዝጽግዓሉ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ቡርኪናፋሶ እቶም ዕጡቓት ረኺቦምዎ።
ብዙሓት እዮም፤ ንሳቶም'ውን ብሞተር ብሽክለታታት ይንቀሳቐሱ ነይሮም።
ኣብ መገዲ ደው ምስ ኣበሉዎ፡ ናብ መዓስከር ወሲዶምዎ።
ኣብኡ ዝነበረ ኣዛዚ ሰላሊ ከም ዘይኰነ ክሳብ ዝኣምን ኣዋጢሮምዎ።
ብድሕሪኡ ዓይኑ ምልክት ጅሃድ ብዘለዎ ጸሊም ባንዴራ ሸፊኖምዎ፤ መሊሶም ኣልዮምዎ።
ጄምስ፡ ኣስታት 500 ዕጡቓት - መብዛሕትኦም መንእሰያት፡ ሓደ ንነብሱ ዶክተር ምዃኑ ዝገለጸ ሓዊሱ - ኣብቲ መዓስከር ከም ዝረኸበ ገሊጹ።
ኣብ በረኻ ዝመስል መሬት ዝርከብ ኰይኑ፡ ብሓሰር ዝተሸፈነ ጐጆታት ዝቘመን ንኣሽቱ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጩ ሶላር ከም ዝነበሮን ይዛረብ።
ወሲኹ ድማ እቲ መዓስከር ኣዘዝቲን ስድራቤቶምን፡ ታሕተዎት ጅሃዳውያን፡ ከምኡ'ውን ምሩኻትን ወተሃደራትን ዝነብርሉ ተባሂሉ ኣብ ሰለስተ ዝተኸፋፈለ ምዃኑ ገሊጹ።
ጄምስ ኣብቲ ዳሕረዋይ ክፋል ከም ዝተኣስረ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ካልኣይ ሰሙን ግን ተደናጋጺ ኰይኑ ስለ ዝቐረቦም "ዝያዳ" ከም ዘቕረብዎ ጠቒሱ።
ሓሙሽተ ወይ ዓሰርተ ሰባት ብሓባር ከፍ ኢሎም ከኣ ደርፍታት ናይቲ ብወርቃዊ ድምጺ ኣፍሪቃ ዝፍለጥ ማሊያዊ ሙዚቀኛ ሳሊፍ ኬይታ ከም ዝሰምዑ ጄምስ ገሊጹ።
ካልኦት ጅሃዳውያን ጕጅለታት፡ ሙዚቃ እስላማዊ ኣይኰነን ብምባል ኣጊዶም'ዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጄምስ፡ እቲ ኣብቲ መዓስከር ዝነበረ ሃዋህው ብሓፈሻ ርጕእ'ኳ እንተነበረ፡ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ብቐጻሊ ናብ ውግእ ይኸዱ ምንባሮም፡ ምስ ተመልሱ ድማ ናይ ጽምብል ተዅሲ ይትኵሱ ከም ዝነበሩ ይዛረብ።
እዚ ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዝሰምዖ ተዅሲ ድማ ጸኒሑ ከም ዝተላመዶ ገሊጹ።
ወሲኹ፡ እቶም ዕጡቓት ታንክታቶምን ፒክኣፕ መካይኖምን ኣብ ክልተ ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩ ጋለሪያታት ደው ኣቢሎም፡ ደብዳብ ኣየር እንተጋጥም ንከይዓነዋ ክከላኸሉ እንከለው፡ ውሑዳት መካይን ጥራይ "ንህጹጽ እዋን" ኢሎም ኣብ ደገ ደው ከም ዘብሉወን ሓቢሩ።
እቶም ጅሃዳውያን፡ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ኣብ ዝኸድሉ እዋን ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝማርኹን ኣብ መንጎኦም ከም ዝሸጡወንን ከም ዝነገሩዎ ገሊጹ።
"ነተን ዝማረኽወን ደቂ ኣንስትዮ ይነግዱለን። እተን ክቃወማ ዝፈተና ብኽልተ ወይ ሰለስተ ኰይኖም ብጕጅለ ዓሚጾም ኣብ ትሕቲኦም ክግዝኣ ይገብሩ" ይብል።
እተን ኣብቲ መዓስከር ዝነበራ ደቂ ኣንስትዮ፡ ከም ምብሳል መግብን ምጽራይን ዝኣመሰሉ ናይ ገዛ ዕዮታት ዝፍጽማ ኣንስቲ ጅሃዳውያን ዘጠቓለላ ክዀና እንከለዋ፡ እተን ዝተማረኻ ድማ ባሮት ጾታዊ ርክብ ወይ ድማ ተጋደልቲ ክዀና ከም ዝግደዳ ሓቢሩ።
ገጸን፡ ሙሉእ ንሙሉእ ዝተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝርኣየ ዝገልጽ ጄምስ፡ ኣብ ትሕቲ ክዳውንተን ኤኬ-47 ሽጉጥ ሓቢአን ካብቲ መዓስከር ወጺአን ኣብቲ መዓስከር ንዝርከቡ ሰባት ንምምጋብ ጥሪት ንምርካብ ዓድታት ክዘምታ - ወይ ድማ ኣብ ቀረባ ከተማታት ኣብ ዝርከባ ዕዳጋታት ክሸጣ ከም ዝረኣየ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ዓሰርተታት ህጻናት ኣብ ኣጠቓቕማ ኣጽዋርን ነታጒን ክስልጥኑ ከም ዝረኣየ ተዛሪቡ።
ክልተ ግዜ ኣርባዕተ ህጻናት ናብ ካልእ ቦታ ክውሰዱ ከም ዝረኣየን፡ ነብሰ ቅትለታዊ ክዳን ሒዞም ከም ዝተመልሱን ገሊጹ።
እቶም ጅሃዳውያን ኣብ ከተማ ወይ ወተሃደራዊ መዓስከር ከቢድ ውግእ ክህሉ ክግምቱ እንከለዉ፡ ለመንቲ ተመሲሎም ቈልዑ ከም ዝልእኹን እዚኦም ነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ክፍጽሙ ብምግባር እቶም ዕጡቓት ኣብቲ እዋን ንዝፍጠር ክፍተት ተጠቒሞም ናብቲ መጥቃዕቲ ክፍጽምሉ ዝሓሰቡዎ ቦታ ከም ዝኣትውን የረድእ።
ወሲኹ ድማ ሰለስተ ጅሃዳውያን "ደቈም ብነብሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምባ ክስውኡ ብምግባር ንነፍሲ ወከፍ ልኡኽ ክፍሊት ከም ዝረኽቡ" ከም ዝነገሩዎ ሓቢሩ።
እቶም ጅሃዳውያን "ዝዀነ ምዕራባዊ ነገር ክፉእ እዩ" ኢሎም ይሰብኹዎን ናይ ፕሮፖጋንዳ ቪድዮታት የርእዩዎን ከም ዝነበሩ ከኣ ጠቒሱ።
ጄምስ ከም ዝብሎ፡ እቲ ናዕቢ ኣብተን ቋንቋ ፈረንሳ ዝዛረባ ሃገራት ይካየድ ስለ ዝነበረ፡ ኵሎም ጅሃዳውያን ፍራንኮፎን እዮም ነይሮም።
ሓደ ግን ብጋናዊ ላህጃ እንግሊዝኛ ይዛረብ ነይሩ፤ ንኸይርእዮ ድማ ወትሩ ገጹ ይሽፈን።
እቶም ጅሃዳውያን ብፓን-ኣፍሪቃውነት እውን ከም ዝተጸልዉ ንምምልኻት፡ ገሊኦም ኣስማት ከም በዓል ተቓላሲ ቡርኪናፋሶ ቶማስ ሳንካራን ጋናዊ ክዋሜ ንክሩማህን ዝኣመሰሉ ሰውራውያን ብምጽዋዕ፡ ሰባት ኣንጻር "ሕማቓት መራሕቲ" "ክለዓሉ"ን ነጻ ምዃኖምን ከም ዝነገሩዎ ገሊጹ።
ወሲዀም፡ ሳንካራን ንክሩማህን "ነዊሕ ዕድመ እንተዝነብሩ፡ ሙሉእ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ቦታ ክኸውን ነይሩ ካብ ኣፍሪቃ ናብ ምዕራብ ዝግዕዝ ሰብ ኣይምሃለወን።እኳ ድኣ ሰባት ካብ ምዕራብ ናብ ኣፍሪቃ እዮም ክመጽኡ ነይሮም" ከም ዝብሉ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብቲ እዋን ስራሕ ኣልቦ ዝነበረ ጄምስ፡ እዚ ዘረባታት ሓያል እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ልቡ ዝነበረ እምነት ግን ናብ መሳርዖም ከይጽንበር ከም ዝዓገቶ ገሊጹ።
ጄምስ ኣብ ኢድ እዞም ዕጡቓት ዝኣተወሉ ኣጋጣሚ ከብርህ እንከሎ፡ ኣብቲ እዋን ክልተ ኣስላም ኣዕሩኽቱ ምስኡ ይጓዓዙ ከም ዝነበሩ ጠቒሱ።
እዚኦም፡ ምስ ሓደ ኣብ ሰኔጋል ዝርከብ መንፈሳዊ መራሒ ከራኽቡዎን ክጽልየሉን ምዃኑ ቃል ከም ዝኣተውሉ ሓቢሩ።
ኣብ መንጐ፡ ሰለስቲኦም በቶም ጅሃዳውያን ከም ዝተዓገቱ'ዩ ተዛሪቡ።
ሓደ ካብ ኣዕሩኽቱ ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ብጥይት ከም ዝተቐትለ፡ እቲ ካልእ ዓርኩ ድማ ምስኡ ናብቲ መዓስከር ከም ዝተወስደ ገሊጹ።
ጄምስ፡ እቲ ኣዛዚ ንዓርኩ ከም ዘይፈትሖን፡ ምስቶም ጅሃዳውያን ክጽንበር ተገዲዱ - ወይ ሞይቱ ከይኸውን ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎን ይሕብር።
እቲ ኣዛዚ 'ተወሳኺ ዕጡቓት ከም እትረኽቡለይ እንተ ኣረጋጊጽኵምለይ ክምሕረኵም'የ' ኢሉኒ ይብል።
ወሲኹ ድማ፡ ቅድሚ ናብ ሓደ መዕረፊ ኣውቶቡስ ምኻዱ፡ ናይ መጓዓዝያ ገንዘብን ብቐጻሊ ምስኦም ዝራኸበሉ ቁጽሪ ቴሌፎንን ከም ዝሃቡዎ ሓቢሩ።
ንሱ ግን፡ ፈጺሙ ምስኦም ተራኺቡ ከም ዘይፈልጥን ቁጽሪ ቴሌፎኑ ከም ዝቐየረን ይዛረብ።
ጄምስ፡ እቶም ጅሃዳውያን ድሕነቱ ንምሕላው ብዝብል ካብ ቈርበት እንስሳን ኣትኽልትን ዝተሰርሐ፡ ብቈርበት ዝተሸፈነ ክታብ ከም ዝሃቡዎ ጠቒሱ።
ብዙሓት ካልኦት ጅሃዳውያን ግን እዚ ምስ ትምህርቲ እስልምና ዝጻባእ'ዩ ብምባል ይነጽጕዎ።
ጄምስ፡ እቶም ዕጡቓት ጋና ካብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ቡርኪናፋሶ ጸቕጢ ኣብ ዝበጽሖም እዋን "ዝሓብኡላ ውሑስቲ ቦታ" ገይሮም ከም ዝርእዩዋ ብምግላጽ ርግኣት እታ ሃገር ከም ዝፈትዉዎን ከጥቅዑዋ ይኽእሉ'ዮም ዝብል ጦብላሕታ ከም ዘይፈጠርሉን ገሊጹ።
ትኹረቶም ኣብተን ጽልዋ ፈረንሳን ኣመሪካን "ዘለወን" ሃገራት ናዕቢ ምክያድ ከም ዝነበረ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ንጸጋታት ኣፍሪቃ ይምዝምዛ፡ ንህዝባ ይጐድኣ እየን ዘለዋ ዝብል እምነት ከም ዝነበሮም ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እዚ ክልቲአን ሃገራት ኣይቕበልኦን።
ኣብ ጋና ዝርከብ ተንታኒ ጸጥታ ኣዲብ ሳኒ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናዕቢ ስክፍታኡ ብምግላጽ፡ ወተሃደራዊ ፍታሕ ከም ዘይረኣየሉ ገሊጹ።
"ኪኖ እቲ ወተሃደራዊ ኣቃውማ ክንከይድ ኣለና። ግብረሽበራ ክፍጠር ዝገብሩ ዘለዉ ማሕበረ-ቁጠባውን ጂኦፖለቲካውን ሕጽረታት ክፍትሑ ኣለዎም" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ሃገራዊ ኮሚሽን ትምህርቲ ሲቪክስ ጋና፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝነብሩ ሰባት ካብ ልሙድ ኵነታት ወጻእ ዝዀነ ነገራት ኣብ ዝርእይሉ ሓበሬታ ንክህቡ ንምትብባዕ ወፍሪ ምዕባይ ግንዛበ ከካይድ ጸኒሑ ኣሎ።
ሕጂ እቲ ወፍሪ ናብ ኣክራ እውን ተዘርጊሑ ኣሎ፤ መንእሰያት ብዛዕባ ሓደጋታት ጅሃድነት ይመሃሩ ኣለው።
"ኣብ መላእ ሃገር ልዑል መጠን ብልሽውና፡ ዘይምዕሩይ ምዕባለን ዓቢ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያትን ኣሎ" ዝብል ሚስተር ኣግባኑ፡ እዚ ኵነታት መንእሰያት በቶም ጅሃዳውያን ክምልመሉ ተቓላዕቲ ክገብሮም ከም ዝኽእል ሓቢሩ።
ሕጂ፡ ጄምስ ብሕርሻ'ዩ ዝመሓደር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







