ኣዲስ ኣበባ፡ ፖለቲካዊ ዘተ ሱዳን ስለምንታይ ብዘይ ስምምዕ ተበቲኑ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፖለቲካዊ መስርሕ ሱዳን ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተጸዊዑ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዘተ፡ ብዘይ ፍረ ከም ዝተበተነ ሱዳን ትሪቡን ገሊጻ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሓምለን ነሓሰን ሰፊሕ ምምኽኻር ብምክያድ፡ ኣብ መንጎ ውድባት ሱዳን ፖለቲካዊ ዘተ ንምክያድ ምድላዋት ኣካይዱ።
ኣብ ነሓሰ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙር ድማ ንሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ሓይልታት ሰውራ (Smoud)፡ ብዓብደዓዚዝ ኣልሂሉ ንዝምራሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N)፡ ብዓብደል ዋሒድ መሓመድ ኑር ንዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SLM)፡ ከምኡ'ውን ንዓረባዊ ማሕበርነታዊ ሰልፊ ባዓስ ሱዳን ዘጠቓለለ ነይሩ።
ኣብ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ዙርያ ዘተ፡ ንሰራዊት ሱዳን ዝድግፉ ልዕሊ ዕስራ ቀጽርታት፡ ውድባት፡ ሲቪላውያን ጕጅለታት መንእሰያትን ተሳቲፎም።
ኣብዚ ዘተ'ዚ ከም ቀጽሪ ደሞክራሲ፡ ብኣል ቲጃኒ ኣል ሲሲ ዝምራሕ ውድብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ፡ ከምኡ'ውን ብሙባረክ ኣልፋዲን ኣልማህዲ ዝምራሕ ቀጽሪ ሃገራዊ ምርድዳእ ዝኣመሰሉ ተረኺቦም ነይሮም።
ኣብ ዘተ ኣዲስ ኣበባ ዝተሳተፉ ምንጭታት ንሱዳን ትሪቡን ከም ዝሓበሩዎ፡ እቶም ንሰራዊት ሱዳን ዝድግፉ ሓይልታት ነቲ ኣብ ዛዕባታት ፍትሒ፡ ወተሃደራዊ ጽገናን ምሕደራን ኣመልኪቱ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቐረበ ወረቐት ተቓውሞ ከም ዘልዓሉ ይገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ መንጎ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ሓይልታት ሰውራን ደገፍቲ ሰራዊት ሱዳንን እቲ ድሕሪ ምቍራጽ ተዅሲ ዝካየድ ዘተ ሰላም ኣበይ ይካየድ'ውን ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
ደገፍቲ ሰራዊት ኣብ ሱዳን ክካየድ ክጠልቡ እንከለዉ፡ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ሓይልታት ሰውራ ድማ ኣብ ሻራ ዘይብላ ርእሰ-ከተማ ክካየድ ሓቲቶም።
እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተን ንዅሉ ዝሓቍፍን ፖለቲካዊ መስርሕ ንምምዕባል ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታትን ዘጕልሕ መግለጺ ዘውጽአ ሲቪላዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ሓይልታት ሰውራ፡ ነቲ ገዛኢ ሓይሊ ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ጉባኤን ምስኡ ዝደናገጹን ግን ኣግሊሉ እዩ።
ሃገራዊ ሰልፊ ኡማ ብመንገዲ ምክትል ፕረዚደንቱ ማርያም ኣልሳዲቕ ኣልማህዲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሰልፊ ነቲ ግጭት ንምውጋድ ዘለዎ ራእይ ከም ዘቕረበ ገሊጹ። እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ መባእታዊ መድረኸ ንፖለቲካዊ ፍታሕ ከም ዝዀነን ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን ስርዓተ-ኣካይዳ (ኣደብ) ከካይዳን ጸዊዑ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እቶም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ብሰሉስ ዝተኣከቡ ንዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝድግፉ ዝንገረሎም ሓይልታት፡ ንትማሊ ዓርቢ ወግዓዊ ቻርተር ሓድሽ 'መንግስቲ' ክፍርሙ ትጽቢት እኳ እንተ ነበረ፡ ናብ ዘይተወሰነ እዋን ከም ዝተሰጋገረ ተፈሊጡ ኣሎ።
እዚ ብጠለብ መራሒ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን ዓብደልዓዚዝ ኣልሂሉ ካብ ሰሉስ ናብ ዓርቢ ዝተሰጋገረ መደብ፡ ንኻልኣይ ግዜኡ እዩ ዝናዋሕ ዘሎ።
ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ሓይልታት ሱዳን ኣብ ናይሮቢ ኣኼባ ከቃንዑ ብምፍቃዳ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ጥሒሳ ብምባል ክሲሱዋ ምንባሩ ይፍለጥ።
ነዚ ስዒቡ፡ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንውሳነ ኬንያ ንምቅዋም ኣምባሳደሩ ካብ ናይሮቢ ከም ዝጸውዐ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተዀነ፡ መራሒ መደብ ናይቲ ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ እቲ ቻርተር "ንሓዳስ ሱዳን" መሰረት ንምንባር ደኣ'ምበር፡ ምስቲ ኣብ ፖርት ሱዳን ዝርከብ መንግስቲ ጐድናዊ መንግስቲ ንምቛም ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ትማሊ ሰሉስ ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መራሒ ምትእኽኻብ ሓይልታት ሓርነት ሱዳን ኣልጣሂር ሓጀር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ዘተ፡ መሓዙት ሓይልታት ንምጥርናፍ ዝዓለመ ደኣ'ምበር፡ ተጻራሪ ምምሕዳር ንምፍጣር ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
እዚ ብዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቶምን ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝጸንሐ ዋዕላ፡ ብፖለቲካዊ ጕጅለታትን ሲቪላዊ ማሕበራትን ኬንያ ነቐፌታታት ኣስዒቡ ኣሎ። ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዘቤታዊ ጉዳያት ሱዳን ኢዱ ከም ዘእተወ ድማ ይኸሱዎ።
ሓጃር፡ ምቋም መንግስቲ "ዝስዕብ መድረኽ" ምዃኑን ኣብ ውሽጢ ሱዳን ከም ዝፍጸምን ኣስሚሩሉ። እዚ ኣብ ናይሮቢ ዝተኻየደ ኣኼባታት ንፖለቲካዊ ቻርተር ዝምልከት ጥራጥ ከም ዝዀነ ገሊጹ።
"መንግስቲ ናይ ምቛም መድረኽ ድሒሩ ዝመጽእ እዩ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ፕረዚደንትነት ልዑላዊ ቤት ምኽሪ ኣይተዘተየሉን፡" ኢሉ።
ከተማ ካውዳ ከም ዋና ቤት-ጽሕፈት ናይቲ "ጐድናዊ መንግስቲ" ተመሪጻ ድያ ንዝብል ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ፍሉይ ቦታ ከም ዘይተወሰነ ገሊጹ።
"ፍሉይ ቦታ ኣይወሰንናን ወይ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣይተዘራረብናን። ኵለን ከተማታት ሱዳን ዋና ቤት-ጽሕፈትና ክዀና ምቹኣት እየን። ካውዳ ድማ ደጀን ቃልሲ ህዝቢ ሱዳን እያ፣ ኣብዚ ድማ ተቓውሞ የብልና፡" ኢሉ።
ካውዳ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ሱዳን እትርከብ ከተማ ኰይና፡ መናሃርያ ናይ ተቓወምቲ ሓይልታት ዘላ እያ።
ኣብቲ ኣኼባታት ዝተሳተፉ ምንጭታት ንሱዳን ትሪቡን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ብዓብደዓዚዝ ኣልሂሉ ዝምራሕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን-ሰሜን (SPLM-N)ን ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብ ቦታ ፕረዚደንትነት ልዑላዊ ቤት ምኽሪ ከም ዘይተሰማምዑ ሓቢሮም።
ሓጃር፡ እቲ ተበግሶ ዝተወስደ ሓድነት ሱዳን ንምዕቃብ ምዃኑን "መንግስቲ ፖርት ሱዳን" ነታ ሃገር ይመቓቕላ ከም ዘሎን ነቒፉ።
"መንግስቲ ፖርት ሱዳን ነታ ሃገር፡ ኣብ ዞባታት ፈለግ፡ ባሕሪ፡ ዳርፎር፡ ሰማያዊ ኒልን ኮርዶፋንን ገማሚዑዋ፡" ድሕሪ ምባል፡ "እዞም ኣብ ሰሜን ሱዳን ዝነብሩ ዜጋታት፡ ካብ ካልእ ሃገር ከም ዝመጽኡ ስደተኛታት ወይ ካብ ካልኦት ግዝኣታት ከም ዝተመዛበሉ መሲሎም እዮም ወረቐት መንነት ሒዞም ዝነበሩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







