ሱዳን፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ኣልሰሪዕ ንዝዓበየ መዓስከር ተፈናቐልቲ ወሪሮም

ምንጪ ስእሊ, MSF Sudan/X
ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ዕጡቓት ዳዕመ ኣልሰሪዕ ናብቲ ዝዓበየ መዓስከር ተፈናቐልቲ ብምእታው መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ጸብጻባት ሓቢሮም።
እቲ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝርከብ መዓስከር ዛምዛም ካብ ግጭትን ውግእን ዝሃደሙ ሱዳናውያን ዝተዓቖብሉ እዩ።
ወላ'ኳ ካብ ማዕዶ ዒላማ ደብዳባት ናይቶም ዕጡቓት ክኸውን እንተጸንሐ፡ ንፈለማ እዋን'ዮም ናብ ማእከል እቲ መዓስከር ክኣትዉ ክኢሎም ዘለዉ።
ኣብቲ መዓስከር ዝተፈጥረ ጥምየትን ዓጸቦን ዓለምለኻዊ ሻቕሎት ፈጢሩ ምጽንሑ ይፍለጥ። እቶም ዕጡቓት ናብቲ ድሮ ዘስካሕክሕ ኩነታት ዘጋጠሞ መዓስከር ብምእታው ዝርካቡ ቀረባትን ንብረትን ብምዝማት፡ ነቲ ኣብኡ ዝርከብ ዕዳጋን መጽለሊ ገዛውትን ከምዘቃጸሉ ሓደ ተሓላቒ ጉጅለ ተዛሪቡ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከምዝበልዎ፡ ኩነታት ናይቲ መዓስከር "ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ"። ብዙሓት ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ከምዝነበሩን፡ እንተኾነ ግን እቲ ኣብኡ ዝርከብ ሆስፒታል ክፍሊ መጥባሕቲ የብሉን።
ናብታ ኣብቲ ከባቢ እትርከብ ዓባይ ከተማ ኢል-ፋሸር ከይከዱ ድማ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ከባባ ናይቶም ዕጡቓት ኣትያ ዘላ'ያ።
እቶም ከም መሻርኽቲ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ስልጣን ጨቢጦም ዝነበሩ ሰራዊት ሱዳንን ዕጡቓት ኣዳዕመ ኣልሰሪዕን ኣብ ሞንጎኦም ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቅልስ'ዮም ኣብ ክፍላ ሚያዝያ 2023 ናብ ደማዊ ኲናት ኣትዮም።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ እቲ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ምስ ገለ ፖለቲከኛታት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ ንምእታዉ ተቓሪቡ ከምዘሎ ብምሕባር ብክኢላታት ዝቐውም መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, SUNA
እቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣልሰሪዕ ትማሊ ሰኑይ'ዮም ናብ መዓስከር ዛምዛም ኣትዮም።
ኣፈኛ ኣልሰሪዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ግን፡ ናብቲ መዓስከር ከምዘይኣተዉ ብምግላጽ፡ ኣብ ጥቕኡ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝሓዙ'ዩ ዝምጉት። እቲ መዓስከር ናይቶም ኣብ ጎኒ ሰራዊት ሱዳን ኮይኖም ዝዋግኡ ዘለዉ ካልኦት ዕጡቓት ተቓወምቲ ምዃኑ'ውን እቲ ወሃቢ ቃል ጠቒሱ።
መዓስከር ተፈናቐልቲ ዛምዛም ኣስታት ፍርቂ-ሚልዮን ተፈናቐልቲ ኣዕቊቡ ዘሎ'ዩ።
ጸብጻባት ከምዝበልዎ፡ በቲ መጥቃዕቲ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብቲ መዓስከር ሃዲሞም ዳግማይ ተፈናቒሎም ኣለዉ።
ሚኒስተር ጥዕና ሰሜን ዳርፉር ኢብራሂም ዓብዱላህ ካጠር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝቖሰሉ ናብ ኢል-ፋሸር ክበጽሑ ኣይክኣሉን፡ ምኽንያቱ ናብታ ከተማ ዝወስድ ጽርግያ በቶም ዕጡቓት ተዓጽዩ ስለዘሎ ኢሉ።
"እቶም ዝያዳ ዝሳቐዩ ዘለዉ እቶም ተፈናቐልቲ'ዮም" ድማ ይብል።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት እቲ መዓስከር ግዳይ ደብዳብ ኮይኑ ከምዝነበረን፡ ብሓይልታት ኣልሰሪዕ ከምዝተፈጸመን ዶብ-ኣልቦ ሓካይም ዝተባህለ ማሕበር ከሲሱ ነይሩ።
ሓደ ጉጅለ ትካላት ረዲኤት ኣብ ወረሒ ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ ሓባራዊ መግለጺ፡ ንመዓስከራት ተፈናቐልቲ ዒላማ ምግባር ነቲ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ ክወስዶ ስለዝኽእል ደው ክብል ተማሕጺኑ ነይሩ።
"እዚ ዘርእየካ፡ ኣብ ሰሜን ዳርፉር ተፈናቐልቲ ሃዲሞም ክዕቆብሉ ዝኽእሉ ቦታ ከምዘየለ'ዩ" ይብል እቲ መግለጺ።
እታ ኣገዳሲት ከተማ ኢል-ፋሽር እቲ ኲናት ኣብ ዓመቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ፡ እያ ኣብ ከበባ ኣትያ።
ኢል-ፋሸር እታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ሱዳን ትርከብ እንኮ ከተማ ናይቲ ዞባ እያ።
ሓይልታት ኣልሰሪዕ ኣብ ልዕሊ'ቶም ዓረባዊ መበቆል ዘይብሎም ዜጋታት እታ ሃገር ምጽናት ዓሌት ፈጺሞም ተባሂሎም ይኽሰሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







