ካርቱም፡ ሰራዊት ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ

ጀነራል ኣል-ቡርሃን ኣብ ከባቢ ዓውደ-ውግእ

ምንጪ ስእሊ, SUNA

ዓወታት ይጓናጸፍ ከምዘሎ ዝገልጽ ሰራዊት ሱዳን ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንርእሰከተማ ካርቱም ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቁጽጽሩ ንምእታው ተቓሪቡ ከምዘሎ ዝንገረሉ ብጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣል-ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ዝቐውም መንግስቲ ክድግፍ ተማሕጺኑ'ሎ።

እቲ ጀነራል ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ፖለቲከኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሰራዊቱ ነታ ርእሰከተማ ምስተቖጻጸራ ኣብ እዋን ኲናት ዘገልግል ብቀዳማይ ሚኒስተር ዝምራሕ "ናይ ክኢላታት" መንግስቲ ንምምስራት ውጥን ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ምስቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕመድቲ) ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ-ኣል-ሰሪዕ ዝግበር ዝኾነ ልዝብ ከምዘይህሉ'ውን ኣል-ቡርሃን ኣነጺሩ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ፡ እቲ ከም መሰጋገሪ ከገልግል ዝሕሰብ ዘሎ መንግስቲ ቅድሚ ምቛሙ ግን ሓድሽ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ክጸድቕ ከምዘድሊ ኣሚቱ።

"ሞግዚት መንግስቲ፡ መንግስቲ እዋን ኲናት ክንብሎ ንኽእል ኢና፡ ግና ነቲ ንሱዳን ካብዞም ዕጡቓት ተቓወምቲ ናጻ ንምግባር ተሪፉና ዘሎ ወተሃደራዊ ዕላማታት ንምፍጻም ዝሕግዘና ክኸውን'ዩ" ክብል ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ተዛሪቡ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ብሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን "ማሕበረሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ማሕበራት ሃገራት ዓረብ ነቲ ብመንግስቲ ቀሪቡ ዘሎ ፍኖተ-ካርታ፡ ከም ሓደ ሰላምን ምርግጋእን ዘስፍን፡ ከምኡ'ውን ንመሰጋገሪ ዕማማት ዝፍጽም ሃገራዊ ስምምዕ ክድግፍዎ" ጸዊዑ።

ንካርቱም ንምሓዝ ዝግበር ዘሎ ስርሒታት ሰራዊት

ኲናት ሱዳን ከብቅዕ ተስፋታት ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ነበርቲ ካርቱም፡ ሰራዊት ሱዳን ሰፊሕ ክፋል እታ ከተማ ካብ ወተሃደራት ዳዕመ-ሰሪዕ ዳግማይ ከም ዝሓዘን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝዓበየ ዓወት ምዃኑን ይገልጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ኣብ ጥቓ ገዛወተይ በረርቲ ጠያይትን ተተኰስቲ ይወድቕ ኣሎ፡" ክብል ዶ/ር ምስጦፋ [ንድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዝቐየርናዮ] ሓኪም ንቢቢሲ ይዛረብ። "ኣብዚ ቅንያት ዝርአ ዘሎ ውግእ ከቢድ'ዩ፡" ድማ ኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ገንዘብ ዝሕተመላ ሚንት እትበሃል ዓዲ ሓዊስካ ካልኦት ወሰንቲ ቦታታት ከም ዝተቘጻጸረ ይግለጽ ኣሎ።

እዚ ጽሑፍ ኣብ ዝተዋደደሉ ግዜ፡ ዳዕመ-ሰሪዕ ንመብዛሕትኡ ክፋል ካርቱም ይቈጻጸሮ ኣሎ። ሰራዊት እታ ሃገር ድማ ኣብ ጥቓ ካርቱም ዝርከባ ኣገደስቲ ቦታታት ሓዊስካ ኦምዱርማን፡ ባህሪን ተቘጻጺሩ ይርከብ።

ግን፡ ንወሳኒት ግዝኣት ጀዚራ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሩ እንተ ደኣ ኣእቲይዋ ነታ ርእሰ ከተማ'ውን ክሕዝ ናህሪ ከም ዘለዎ ይኣምን።

መራሒ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ብሰሉስ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካርቱም ዓመጽቲ ኣይክህልዉን እዮም፡" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

እንተዀነ፡ እቲ ግጭት ብቝልጡፍ ከብቅዕ ዝከኣል ኣይኰነን።

ሰራሕተኛታት ረድኤት ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ መላእ ሃገር ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ይዛረቡ።

ኣብ ካርቱም ጥራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ሰባት ብጥሜት ይሳቐዩ ከም ዘለዉ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፉ ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ዳርጋ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መንጎ ጀነራል ኣል ቡርሃንን ምክትሉ ኰይኑ ዝመርሕ ዝነበረን ናይ ሎሚ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን "ሕሜቲ" ዳጋሎን ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ድማ ተቐቲሎም።

ሱዳን ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ረድኤት ይሰማምዑ።

ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ከቢድ ግፍዓዊ ገበናት ከም ዝፈጸሙ ይግለጽ። ንሳቶም ግን ነቲ ክሲ ይነጽግዎ እዮም።

እቲ ሰራዊት ኣብ ቀረባ እዋን ዳግማይ ኣብ ዝተቘጻጸሮም ከባቢታት፡ ነበርቲ ብታሕጓስ ክቕበልዎም ተራእዮም። ወተሃደራት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ካርቱም ንሰላማውያን ሰባት ብምቕታልን ብምዕማጽን፣ ከምኡ'ውን ኣባይቲ ናይቶም ካብታ ከተማ ዝሃደሙ ብዙሓት ነበርቲ ብምዝማት ብሰፊሑ ይኽሰስ'ዮም።

ገስጋስ ሰራዊት ሱዳን ዝገልጹ ጸብጻባት፡ "ሓሶት" ተባሂሉ ብሰራዊት ዳዕመ-ሰሪዕ ተነጺጉ።

እቲ ሰራዊት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ብዙሓት ወተሃደራት ስለ ዝመልመለን ብዝሒ ኣጽዋር ብምሽማቱን ከም ዝዀነ ተንተንቲ ይገልጹ።