ሓማስ ኣመሪካ ንዘቕረበቶ እማመ ምቁራጽ ተኹሲ እንታይ መልሲ ሂቡ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓማስ ኣመሪካ ንዘቕረበቶ እማመ ምቁራጽ ተኹሲ መልሲ ከምዝሃበ ተገሊጹ።
ብመሰረት'ዚ ሓማስ 10 ብህይወት ዘለዉ እስራኤላውያን ጅሆታትን 18 ዝሞቱ ጅሆታትን ክምልስን ብኣምሳያኡ ድማ ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራት ክፍትሑን ድልዊ ከምዝዀነ ኣፍሊጡ።
እንተዀነ ኣብቲ እማመ ገለ ምምሕያሻት ክግበር ሓቲቱ ኣሎ።
እቲ ጉጅለ፡ ቀዋሚ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር፡ እስራኤል ካብ ቃዛ ምሉእ ብምሉእ ክትወጽእን ንቐጻሊ ዋሕዚ ሰብኣዊ ሓገዛት ውሕስነት ክትህብን ዝብሉ ጠለባቱ ደጊሙ ኣጽኒዑ። ካብዚኦም ዋላ ሓደ ግን ኣብቲ እማመ ዝሰፈሩ ኣይኰኑን።
እስራኤል ነቲ እማመ ተቐቢላቶ እያ እትብል ኣመሪካ ንዘቕረበቶ እማመ ብግልጺ ዝነጽግ ወይ ብንጹር ምቕባሉ ዘረጋግጽ መልሲ ግን ኣይኰነን።
ሓማስ ነቲ ብፍሉይ ልኡኽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ስቲቭ ዊትኮፍ ዘቕረቦ ረቂቕ መልሲ ከምዝሃበ እዩ ገሊጹ።
ዊትኮፍ ኣብ መግለጺኡ፡ "ናይ ሓማስ ትማሊ ተቐቢለ። ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉን ንድሕሪት ዝመልስን ጥራይ እዩ። ሓማስ ነቲ ዘቕረብናዮ ማዕቀፍ እማመ ከም መሰረት ናይቲ ቅርበት ዝርርብ ክቕበሎ ይግባእ፡ እዚ ድማ ኣብዚ ዝመጽእ ሰሙን ብቕጽበት ክንጅምሮ ንኽእል ኢና።"
"ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ን60 መዓልታት ኣብ ዝጸንሕ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ክንሰማማዕ እንኽእለሉ እንኮ መገዲ እዚ'ዩ።"
ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ዝወጸ መግለጺ፡ "እስራኤል ነቲ ጅሆታትና ንምፍታሕ ዝምልከት ብዊትኮፍ ዝቐረበ እዋናዊ ማዕቀፍ ክትሰማማዕ እንከላ፡ ሓማስ ግን ነቲ እምቢታ ይቕጽለሉ ኣሎ" ይብል።
ምሉእ ዝርዝር እማመ ኣሜሪካ ንህዝቢ ኣይተገልጸን ፡ እንተዀነ ግን እዞም ቁልፊ ነጥብታት ከም ዝሓቖፈ ይግለጽ፡
- ናይ 60 መዓልታት ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር
- ኣብ ቀዳማይ ሰሙን 28 እስራኤላውያን ጅሆ ዝተታሕዙ፡ ብህይወት ዘለዉ ይዅን ዝሞቱ ክፍትሑ፤ ቀዋሚ ምቁራጽ ተኹሲ ምስ ተገብረ ድማ ተወሳኺ 30 ክፍትሑ
- 1,236 ፍልስጤማውያን እሱራትን ጅፍትሑን ሬሳ 180 ዝሞቱ ፍልስጤማውያንን ክወሃብን
- ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ናብ ቃዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ክለኣኽ
እቶም ዝቐረቡ ነጥብታት እስራኤል ክትቅበሎም እትኽእል እዮም። ኣመሪካ ድማ ነቲ እማመ ቅድሚ ናብ ሓማስ ቅድሚ ምልኣኻ፡ ፍቓድ እስራኤል ዝረኸበ ምዃኑ ኣረጋጊጻ እያ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ናታንያሁ ኣብቲ ሓማስ ዝደልዮ ለውጢ ንምዝርራብ ፍቓደኛ ትጽቢት ኣይግበረን።
ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ናብ ሃገሮም ክመልስ ጸቕጢ ዘጋጥሞ ዘሎ ኰይኑ፡ እዚ ንምግባር ድማ ግዝያዊ ምቁራጽ ተኹሲ ክቕበል ፍቓደኛ ምዃኑ ገሊጹ'ዩ።
ሓማስ እቲ ግዝያዊ ምቁራጽ ተዅሲ ነቲ ኲናት ዘብቅዕ መንገዲ ክኸውን ውሕስነት ክወሃቦ ቀንዲ ጠለብ እኳ እንተሃለዎ፡ መንግስቲ እስራኤል ግን ኣገዳሲ እንተዀይኑ ኣብ ዝዀነ እዋን ናብ ተጻብኦታት ናይ ምምላስ መሰሉ ክሕሉ'ዩ ዝጽዕር።
ናታንያሁ፡ ሓማስ "ኣጽዋሩ ምስ ኣንበረ፡ ደጊም ኣብ መንግስቲ ምስ ዘይህሉን መራሕቱ ድማ ካብ ምድረበዳ ቃዛ ምስ ተሰደዱን" እቲ ኲናት ከም ዘብቅዕ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







