ኣመሪካ ተዅሲ ንምቍራጽ ዘቕረበቶ እማመ፡ እስራኤል ተቐቢላቶ ሓማስ ነጺጉዎ


ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤልን ንኽልተ ወርሒ ተበጺሑ ዝነበረ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስ ኣብቀዐ፡ እስራኤል ኣብ መፋርቕ መጋቢት ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዳግማይ መጥቓዕቲ ብምጅማር ክሳብ ሕጂ ትቅጽሎ’ላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ሞንጎ ሓማስን እስራኤልን ንኽልተ ወርሒ ተበጺሑ ዝነበረ ተኵሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ምስ ኣብቅዐ፡ እስራኤል ኣብ መፋርቕ መጋቢት ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዳግማይ መጥቃዕቲ ብምጅማር ክሳዕ ሕጂ ትቕጽሎ ኣላ።

ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓማስ፡ እቲ ተዅሲ ደው ንምባልን ጅሆ ዝተተሓዙ ሰባት ናጻ ንምውጻእን ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ ከም ዘይቕበሉዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣመሪካ ብሓሙስ፡ እቲ ዘቕረበቶ እማመ ብእስራኤል ተቐባልነት ከም ዝረኸበን መልሲ ናይ ሓማስ ይጽበዩ ከም ዘለዉን'ያ ገሊጻ ነይራ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ንሰብመዚ እስራኤል ብምጥቃስ፡ ን60 መዓልታት ምቍራጽ ተዅሲ ብምግባር፡ ዓሰርተ ብህይወቶም ዘለዉ ጅሆ ዝተተሓዙ ሰባትን 18 ሬሳ ናይቶም ጅሆ ተታሒዞም እንከለዉ ዝሞቱን ኣብ ክልተ እብረ ክርከቡ፡ ንሶም ከኣ ተኣሲሮም ዘለዉ ፍሊስጤማውያን ክፈትሑ ምዃኖም ሓቢሮም።

ሰብ መዚ ሓማስ እቲ ብኣመሪካ ዝቐረበ እማመ፡ እቲ ኵናት ጠቕሊሉ ደው ክብል ዝብል መሰረታዊ ጠለባቶም ዘየማልእ ከም ዝዀነ'ዮም ዝገልጹ።

ሓማስ ንዝሃቦ መልሲ ኣመልኪቱ ብወገን መንግስቲ እስራኤል ክሳዕ ሕጂ ዝተዋህበ ርእይቶ የሎን።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ብሓሙስ ንስድራ ጅሆ ዝተታሓዙዎም ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንእማም ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ከም ዝተቐበሎን ናይ ሓማስ መልሲ ይጽበዩ ምህላዎምን'ዩ ሓቢሩ።

እስራኤል ብኣመሪካ፡ ቐጠርን ግብጽን ተኣሚሙ ንኽልተ ወርሒ ዝጸነሐ ምቍራጽ ተዅሲ መዓልቱ ምስ ኣብቅዐ፡ ካብ 18 መጋቢት ኣትሒዛ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሰብኣዊ ረድኤት ብምዕጋት፡ ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዳግማይ መጥቃዕቲ ካብ እትጅምር ልዕሊ ክልተ ወርሒ ኣቝጺራ ኣላ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ጸቕጢ ብምግባር፡ ነቶም ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትሒቲ ሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ 58 ናጻ ንምውጻእ'ያ ትጽዕር ዘላ፣ ካብኦም እቶም 20 ብህይወቶም ክህልዉ ከም ዝኽእሉ'ዩ ዝእመን።

እስራኤል፡ ብፍላይ ካብ 19 ግንቦት ኣብ ቓዛ ከተካይዶ ዝጀመረት መጠነ ሰፊሕ መጥቓዕቲ፡ ንምሉእ ቓዛ ንምሓዝ ዝዓለመ ከም ዝዀነን ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ብምግላጽ፡ ንጽባሒቱ፡ ናብ ቓዛ ገለ መሰረታዊ ነገራት ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ከም ዘፍቅድ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ 10 ሰሙን ጥራሕ ኣብ ቓዛ ኣስታት 4,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ።

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ እስራኤል ካብ መጋቢት ጀሚራ ብሰንኪ እተካይዶ ዘላ መጥቓዕቲ፡ ተወሰኽቲ 600,000 ሰባት ከም ዝተፈናቐሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ኣይፒሲ ዝተባህለ ትካል ዘወጽኦ ጸብጻብ ከኣ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ 500,000 ሰባት ናብ ቀታሊ ጥምየት ክቃልዑ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።

ወሃቢት-ቃል ዋይትሃውስ ካሮሊን ሊቨት ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ እቲ ብገለ ማዕከናት ዜና ሓማስን እስራኤል ተዅሲ ደው ንምባል ተሰማሚዖም ዝብል ወረ ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ከም ዘይኰነ ብምግላጽ፡ "ነቲ ዝሰደድናዮ እማመ ምቍራጽ ተዅሲ ብወገን እስራኤል ተቐባልነት ረኺቡ'ዩ፣ ዘተ ገና ይቕጽል ኣሎ። ተዅሲ ደው ብምባል ኵሎም እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናብ ገዛኦም ክምለሱ ከኣ ተስፋ ንገብር፡" ኢላ።

እንተዀነ፡ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓማስ እቲ ብፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ዝቐረበ እማመ፡ ምስቲ ኣቐዲሙ ምስ ወከልቲ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ክካይድ ዝጸንሐ ዘተ ዝጻረር ነጥብታት ከም ዘለዎ'ዩ ገሊጹ።

እቲ ሓላፊ ሓማስ፡ ካብ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ናብ ቀዋሚ ምቍራጽ ተዅሲ ዝሰጋገረሉ መስርሕን ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይ ገደብ ናብ ቓዛ ክኣቱን ጠለቦም ምዃኑ ብምግላጽ፡ ስምዕታኦም ናብቶም ኣዛተይቲ ኣካላት ብጽሑፍ ክሰዱ ምዃኖም ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢላ እስራኤላዊት ማዕከን ዜና 12፡ ቀደማይ ምኒስተር ቤንያሚን ነታንያሁ ንስድራ ጅሆ ዝተታሓዙ፡ "ንሕና ነቲ እማመ ተቐቢልናዮ ኣለና፡ ሓማስ ግን ገና መልሲ ኣይሃበን ዘሎ። ሓማስ ነቶም ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ክፍንዎም'ዩ ዝብል እምነት የብልናን። እቶም ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣብ ኢድና ክሳዕ ዝኣትዉ ከኣ ንሕና ካብ ቓዛ ኣይክትወጽእን ኢና፡" ምባሉ ኣቓሊሓ ነይራ።

ሓማስ ብወገኑ ንዅሎም ተሪፎም ዘለዉ ጅሆታት ናጻ ክፍኑዎም እንተዀይኑ፡ እስራኤል ነቲ ኵናት ምሉእ ብምሉእ ደው ብምባል ካብ ቓዛ ክትወጽእ'ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ፡ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1,200 ሰባት ብምቕታል 251 ሰባት ጅሆ ሒዙ ድሕሪ ምኻዱ'ያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቓዕቲ ጀሚራ።

ክሳዕ ሕጂ እስራኤል ክልተ ግዜ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ብምግባር፡ 148 ብህይወቶም ናጻ ከተውጽኦም እንከላ ሬሳ ናይ 49 ከኣ ተረኪባ።

እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ብውሕዱ 54,149 ፍሊስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ብሓመስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ትማሊ ሓመሱ እስራኤል ኣብ ቃዛ ብዘካየደቶ ደብደብ ነፈርቲ ብውሕዱ 54 ሰባት ከም ዝተቐተሉን፡ ካብዚኦም እቶም 23 ኣብ ከባቢ ቡረጅ ኣብ ገዝኦም እንከለዉ ከም ዝተደብደቡን ሰብመዚ ሓማስ ገሊጾም።

ሰራዊት እስራኤል ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲ ዓሰርተታት ዕለማታት 'ግብረሽበራውያን' ከም ዝወቐዐ'ዩ ዝገልጽ።