ቓዛ፡ ትራምፕ ዘይተውሓጠሉ ሓድሽ ውጥን እስራኤል

ቀተሃደራዊ ወፍሪ እስራኤል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ካቢነ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ዝገብሮ ዘሎ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምስፋሕ ዝሓንጸጾ ውጥን ምጽዳቝ፡ ዝተፈላለየ ግብረመልሲ ዝወሃቦ ዘሎ ኰይኑ፡ መራሒ እታ ቀንዲ ደጋፊት እስራኤል ኰይና ዝጸንሐት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን ብሓፈሻኡ በቲ ኵነታትን ኣካይዳን ሕጕስ ከምዘይኰነ የመላኽት ኣሎ።

እዚ ንቓዛ ምሉእ ብምሉእ ንምቍጽጻር ዘጠቓልል ምዃኑ ዝተገልጸ ውጥን፡ ኣብታ ወሽመጥ ዳግማይ ነቲ ዘይሓወየ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ከ'ዕሙቕ ምዃኑ ስግኣትን ቍጥዐን ፈጢሩ'ሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ነታንያሁ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ንሓማስ ምሉእ ብምሉእ ንምጥፋእን ዝተረፉ ጅሆታቱ ንምድሓንን "ወፍሪ ሓይሊ" ክካየድ ከምዝወሰነን፡ 2.1 ሚልዮን ህዝቢ ቓዛ ድማ ንድሕነቱ ካብቲ ከባቢ ከልግሶ ምዃኑ ገሊጹ።

ንሱ፡ ክንደይ ዝኣክል ግዝኣት ብወተሃደራት ከም ዝውሰድ ኣይገለጸን፤ እንተዀነ "ኣትዩ ዝወጽእ ኣይኰነን" ክብል ኣስሚሩሉ።

እቲ ካቢነ ሚኒስተራት ብተወሳኺ ብናይ ብሕቲ ኩባንያታት ኣቢሉ ሓገዝ ንምቕራብ ዝዓለመ ውጥን'ውን ብምጽዳቕ፡ እዚ ድማ ነቲ ሕቡራት ሃገራት ከቢድ ሕጽረት መግቢ ኣስዒቡ ዝበሎ ናይ ክልተ ወርሒ እገዳ ዘብቅዕ ክኸውን እዩ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላት ረድኤትን እዚ እማመ መትከላት ሰብኣዊ መሳላት ዝጥሕስ ከምዝኸውንን ከምዘይተሓባበሩን ገሊጾም።

ሓደ በዓል ስልጣን ሓማስ፡ ነቲ እስራኤል ትደፍአሉ ዘላ "ጸቕጥን ጸለመን" ዝበሎ ውጥን ከምዝነጸጐ ገሊጹ።

ዓለም እንታይ ኢላ?

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ እስራኤል ዝሓሰበቶ መደብ ምስ ተሓተተ፡ ፍልስጤማውያን ኣብቲ ዘለዉዎ ረድኤት ንኽረኽቡ ንምሕጋዝ ዝኣተዎ መብጽዓ ደጊሞም።

ብኻልእ ወገን ዓባይ ብሪጣንያ "ወተሃደራዊ ስርሒታት እስራኤል ኣብ ቓዛ ንምስፋሕ ከምዘይትድግፍ" ገሊጻ።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣቐዲሙ "ንህዝቢ ፍልስጤም ተወሳኺ ጉድኣትን ስቓይን" ከምዘሻቕሎ ብምግላጽ ልጓም ክግበሮ ኣተሓሳሲቡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ጸጥታ እስራኤል ትማሊ ሰንበት ምሸት ተራኺቡ ብዛዕባ እቲ ብ18 መጋቢት ንኽልተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ተዅሲ ደው ምባል ዳግማይ ዝጀመረ መጥቃዕቲ ቓዛ ተዘራሪቡ።

ትማሊ ንግሆ ንማዕከናት ዜና መብርሂ ዝሃበ እስራኤላዊ በዓል ስልጣን፡ ሚኒስተራት ነቲ ብሓላፊ ስታፍ ሰራዊት እስራኤል ሌተናል ጀነራል ኢያል ዛሚር ዝቐረበ ውጥን፡ "ንሓማስ ኣብ ቓዛ ኣቃቢጽካ ነቲ ዝገዓዘ ህዝቢ ምምላስ" ብምሉእ ድምጺ ከምዘጽደቑ ገሊጹ።

ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ተወሳኺ ከባቢታት ቓዛ ምቍጽጻርን፡ እቲ ብእስራኤል ተታሒዙ ዝጸንሐ "ነጻ ዞባ" ምስፋሕን ከምዘጠቓልል ጸብጺበን።

እስራኤል ምስ ሓማስ ኣብ ዝግበር ዘተ ሓድሽ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ተወሳኺ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝግመት።

እቲ ውጥን ዓለምለኻዊ ድጋፍ ዝረኸበ ኣይመስልን፤ ትራምፕ ከይተረፈ ተቓውሞ ዝመስል የስምዕ ኣሎ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ጸጥታ እስራኤል፡ ድሒሩ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጐ 13ን 16ን ግንቦት ናብቲ ዞባ በጺሑ ክሳብ ዝምለስ፡ እቲ ውጥን ኣብ ግብሪ ከምዘይውዕልን፣ ሓማስ ሓድሽ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ደው ምባልን ምፍታሕ ጅሆታትን ንምፍራም፡ ሰፊሕ ዕድል ከምዝህቦን ተዛሪቡ።

ትራምፕ ኣብዚ መደብ መገሻኡ፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ቐጠርን ክበጽሕ እዩ።

ንቓዛ ጠቕሊልካ ምሓዝ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ሓድሽ ውጥን፡ እስራኤል ንግዝኣት ወሽመጥ ቓዛ ጠቕሊላ ንምሓዝ ምውሳና ዘርኢ እዩ።

እስራኤል ኣብ 1967 ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ እያ፡ ምስ ምዕራባዊ ገማግም ንቓዛ ተቘጻጺራ ነይራ።

ኣብ 2005፡ ሰራዊታን ሰፋሮን ካብ ቓዛ ኣውጺኣ'ኳ እንተነበረት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን ናይ ሓባር ዶብ፡ ክሊ ኣየርን ገማግም ባሕርን ቓዛ ስለዝተቘጻጸረት ክሳብ ሕጂ ከም ብእስራኤል ዝተጐብጠት ግዝኣት ይቘጽራ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሰፊሕ ወፍሪ፡ መጥቃዕቲ ኣየርን ካልእ ወተሃደራዊ ስርሒታትን ኣብ ዝቕጽለሉ እዋን፡ ንመብዛሕትኦም ኣብ ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ዘመዛብል ከምዝኸውን ገሊጹ።

እንተዀነ ነቐፍቲ ፡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ነቶም ዝተረፉ 59 ጅሆታት - ካብኣቶም 24 ብህይወት ከምዘለዉ እዩ ዝእመን - ንምምላስ ከምዘይከኣለ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ምስ ሓማስ ስምምዕ ክገብር ኣተሓሳሲቦም።

ንኣዝማድ ጅሆ ዝተትሓዙን ዝጠፍኡ ስድራቤታትን ዝውክል ጕጅለ፡ እቲ ውጥን መንግስቲ "ካብ ህይወት እቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት፡ ግዝኣታት ምቍጽጻር ይመርጽ ከምዘሎ"፡ እዚ ድማ "ኣንጻር ድሌት ልዕሊ 70 ሚእታዊ ህዝቢ እስራኤል" ምዃኑን ገሊጹ።

በዓል ስልጣን ሓማስ ማሕሙድ ማርዳዊ፡ እቲ ጕጅለ "ምሉእ ብምሉእ ተዅሲ ደው ምባል፡ ምሉእ ብምሉእ ካብ ቓዛ ምውጻእ፡ ዳግመ ህንጸት ምድረበዳ ቓዛ ምርግጋጽን፡ ከምኡ'ውን ኵሎም እሱራት ካብ ክልቲኡ ወገን ምፍታሕ" ሓዊሱ ኵለመዳያዊ ስምምዕ ክግበር ከምዝጠልብ ደጊሙ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝርከቡ ፍልስጤማውያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ዳግማይ ብሓይሊ ናብ ደቡብ ክመዛበሉ ብትሪ ይቃወሙ ከምዘለዉን፡ ሓያሎ ኣብ ዑና ኣባይቶም ክሞቱ ከምዝመርጹን ገሊጾም።

"ኣብ ጥቅምቲ 2023 ምስ ደቀይን ደቂ ደቀይን፡ ብድምር ኣስታት 60 ሰባት ካብቲ ቦታ ተመዛቢለ ነይረ" ይብል ወዲ 76 ዓመት ነባሪ ከተማ ቓዛ ኣሕመድ ሸሃታ።

"ኣብቲ እስራኤል ኣብ ደቡብ 'ውሑስ ዞባ' እዩ ዝበለቶ፡ ዘይጽወር ኵነታት ኣሕሊፍና ኢና። ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ዋላ'ውን እስራኤል ኣብ ልዕሌና ቦምባታት እንተዝነበት፡ ኣይንወጽእን ኢና።"

ወዲ 48 ዓመት ኣቦ ሓሙሽተ ቈልዑ ኦሳማ ቶውፊቕ ብወገኑ፡ "ፈኸራ እስራኤል ኣየፍርሓናን'ዩ። ኣብ ቓዛ ኢና ንጸንሕ " ኢሉ።

ኣብ ቓዛ ሰፊሕ ጥምየት ተራእዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሕቡራት ሃገራት እንታይ ይብል?

ብሰንበት፡ ትካላት ሕቡራት ሃገራት ዘጠቓለለ ጕጅለ ሰብኣዊ ረድኤት (HCT)፡ ሰበስልጣን እስራኤል "ነቲ ዝጸንሐ ስምምዕ ዝተገብረሉ፡ ስርዓተ ምክፍፋል ሓገዝ ንምዕጻው" ይጽዕሩ ከምዘለዉ ገሊጹ።

እቲ ውጥን፡ ውሑድ ተንቀሳቐስቲን መብዛሕትኦም ተቓላዕቲ ሰባትን ሓዊሱ ሰፊሕ ክፋል ቓዛ ብዘይ ቀረብ ክቕጽል ዝገብር ምዃኑ፡ ኤችሲቲ ኣጠንቂቑ።

"መሰረታዊ ሰብኣዊ መትከላት ዝጻረር እዩ፤ ከም ኣካል ወተሃደራዊ ስትራተጂ - ብህይወት ደቂ ሰባት ብምጥላዕ፡ ከም ሜላ ጸቕጢ፡ ንምጥቃም ዝዓለመ ይመስል" ኢሉ።

"ሓደገኛ'ዩ፡ ሲቪላት ናብ ወተሃደራዊ ዞባታት ምድርባይ ንህይወት ሰራሕተኛታት ረድኤት ሓዊሱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ግዱድ ምዝንባል ዝያዳ ዘዕሙቕ እዩ።"

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡እቲ ህዝቢ ዳግማይ ሓደጋ ጥምየትን ሕጽረት መግቢን የጋጥሞ ኣሎ።

እቲ እገዳ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቓዛ ዘሎ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ዘድልዮም ኣገደስቲ መድሃኒታት፡ ክታበታትን ናውቲ ሕክምናን'ውን ክቋረጽ ገይሩ'ሎ።

ሕቡራት ሃገራት፡ እስራኤል ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ንህዝቢ ቓዛ ቀረብ ከተረጋግጽ ግዴታ ከምዘለዋ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ዳርጋ ኵሎም ተመዛቢሎም እዮም። እስራኤል ኣህጉራዊ ሕጊ ትኽተል ከምዘላን ሓገዝ ከምዘይሰኣነን ትገልጽ።

ብ7 ጥቅምቲ 2023 ስግረ-ዶባዊ መጥቃዕቲ ሓማስ ስዒቡ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 251 ድማ ጅሆ ተታሒዞም።

ብድሕሪኡ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ንሓማስ ንምጥፋእ ኣብ ቓዛ ወተሃደራዊ ወፍሪ ኣካይዱ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ብውሕዱ 52,567 ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ሓቢሩ።