ሃገራት ዓረብ ንቓዛ ዳግማይ ንምህናጽ እንታይ ወጢነን ኣለዋ?

ዕንወት ወሽመጥ ቓዛ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ግብጽን ብዙሓት ሃገራት ዓረብን ንቓዛ ዳግማይ ንምህናጽ ሃቐነታት የርእያ ኣለዋ፡ እዚ ከኣ ፍሊስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ካብቲ ቦታ ከይተፈናቐሉ ኣብ ቦትኦም ንኽጸንሑ'ዩ፤ እንተዀነ እቲ ቦታ ካብ ሓማስ ነጻ ክኸውን ከኣ ይደልያ'የን።

እዚ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ንፍሊስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ናብ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ካልኦት ሃገራት ኣዕራብን ኣግዒዙ ነቲ ቦታ ናይ ምቁጽጻር መደብ ከምዘለዎ ምስ ገለጸ፡ ከም ግብረ መልሲ ዝተወሰደ ስጉምቲ'ዩ።

ሮይተርስ፡ ቓዛ ዳግማይ ንምህናፅ ኣርባዕተ ንድፍታት ተዳልዩ ከምዘሎ'ዩ ገሊጹ።

እቲ ቀንዲ ግን ብግብጺ ዝቐረበ እማመ ኰይኑ፡ ንመብዛሕትአን ሃገራት ኣዕራብ ዝውክልን፡ ነቲ ናይ ትራምፕ ሓሳብ ንምትካእ ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ክውሰድ ዝኽእልን ምዃኑ ይጥቀስ።

ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ግብጺ ነቲ ናይ መወዳእታ ንድፊ ኣብ ምጽፋፍ ትርከብ።

ኣብ ቀዳማይ ገጽ ነቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ፍርስራስ ምጽራይ ኰይኑ፡ ዳግማይ ምህናጽ ቓዛ ክሳብ ዝካየድ ፍሊስጤማውያን ነበርቲ ቓዛ ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ኣማራጺናት ምንዳይ ዝብል'ውን ይርከቦ።

እንተኰነ ህላወ ሓማስን ካልኦት እስላማውያን ሕሉፋትን ካብቲ ቦታ ብኸመይ ክውገድ ይኽእሉ ይዝተየሉ ኣሎ።

ግብጺ፡ እቲ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ምስ ምምሕዳር ኣመሪካ እናተሓባበሩ ከምዘካይድዎ'ያ ትገልጽ።

ካልእ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ'ውን ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣውሮጳን'ውን ኣብቲ ስራሕ ዓቢ ግደ ክህልወን ምዃኑ ይጠቅስ።

ግብጺ ኣብዚ ዛዕባ እዚ ምስ ዮርዳኖስ፣ ስዑድ ዓረብን ካልኦት ሃገራት ዓረብን ንምዝታይ ን21 ለካቲት ኣብ ርያድ ኣኼባ ጸዊዓ ኣላ፡ ኣብኢ ኣኼባ ሰብ መዚ ፍሊስጤም'ውን ክሳተፉ ከምዝኽእሉ ግምታት ኣሎ።

ኣብ 27 ለካቲት'ውን ኣብ ግብጺ ህጹጽ ኣኼባ ሃገራት ዓረብ ስለዘሎ፡ ዛዕባ ቓዛ ቀንዲ ኣጀንዳ እቲ ኣኼባ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

ነበርቲ ካብ ጥሪ ጀሚሮም ናብ ሰሜን ቓዛ ክምለሱ ጀሚሮም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ነበርቲ ካብ ጥሪ ጀሚሮም ናብ ሰሜን ቓዛ ክምለሱ ጀሚሮም

ህዝቢ ከይወጽአ እቲ ዳግመ ህንጸት ከመይ'ዩ ተግባራዊ ክኸውን?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቢቢሲ ካብ ግብጺ ዝረኸቦ ምንጭታት፡ ሃገራት ዓረብ ንዳግመ ህንጸት ቓዛ ኣብ ዝምልከት ምስ ሃገራት ኣውሮጳ ንምዝታይ መደብ ሓንጺጸን ኣለዋ።

ግብጺ ቀንዲ ኣቶኵሮኣ ኣብ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ መደብ ንወሽመጥ ቓዛ ኣብ ሰለስተ ብምክፍፋል ማይን ኤለትሪክን ዘለዎ ልዕሊ 20 ዓበይቲ መጽለሊ ዓስከራት ብምድላው ክትግበር ከምዝኽእል'ያ ትኣምን።

ብመሰረት እቲ መደብ ዓሰርተታ ኣሽሓት ቴንዳታት ተዳልዮም እቲ ፍርስራስ ንኽእለ ጥራይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል'ዩ ግምት ተዋሂብዎ ዘሎ፡ እንተኰነ እዚ ኣብዚ እዋን ክትግበር እስራኤል ኣይፈቐደትን ዘላ።

እዚ ንኽትግበር ከኣ ናብ ቓዛ ነዳድን ናውቲ ህንጻን ኣቐዲሙ ክኣቱ ኣለዎ።

ግብጺ፡ እቲ ዳግመ ህንጻት ቓዛ ብሃገራት ዓረብን ብዓለምለኻውያን ለገስትን ክትግብር ከምዝኽእልን፡ ኣስታት 50 ዝኾና ኣብ ህንጻ ጽቡቕ ተመክሮ ዘለወን ዓለምለኻውያን ትካላት ከኣ ኣብ 18 ኣዋርሕ ነቲ ተሓሲቡ ዘሎ ህንጻታት ክውድአኦ ከምዝኽእላ ግምታ ኣቐሚጣ ኣላ።

እቲ ምእላይ ፍርስራስ ምስ ተወደአ፡ ካብ ቓዛ ናብ ዶብ ግብጺ ገለርያታት ንኸይህነጽ ዝኽልክል ሓጹራት ክግበረሉ ምዃኑ'ውን ግብጺ ኣፍሊጣ ኣላ።

ፕረዚደንት ማሕበር መሃንድሳት ግብጺ ዶክተር ታረክ ኣል ናባራዊ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ሓፈሻዊ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ንኽውዳእ፡ እቲ ክግበር ዝኽእል ምድግጋፍ ኣብ ግምት ብምእታው ካብ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።

እንተዀነ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ነታንያሁ ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጹ፡ እቲ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ ኣብ ተኣፋፊ ደረጃ በጺሑ ስለዘሎ ዝዀነ ኣብ ቓዛ ዝግበር ዳግመ ህንጸት ከምዘይቕበሎ ገሊጹ።

ግብጺ ተንቀሳቓሲ ገዛታት ናብ ቓዛ ብሓያለ መካይን ጽዒና ሰዲዳ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty

መግለጺ ስእሊ, ግብጺ ተንቀሳቓሲ ገዛታት ናብ ቓዛ ብሓያለ መካይን ጽዒና ሰዲዳ'ያ

ቃዛን መጻኢ ሓማስን

ምስ ዳግመ ህንጸት ቓዛ ተተሓሒዙ እቲ ቀንዲ መሕልካ ኰይኑ ዘሎ፡ መጻኢ ሓማስን ካልኦት ኣብ ቓዛ ዘለዉ ዕጡቓትን ምዃኑ ቢቢሲ ካብ ግብጺ ዝረኸቦ ሓበሬታ የረድእ።

ግብጺ፡ ዶብ ፍሊስጤም ናብቲ ቅድሚ ኵናት ሽዱሽተ መዓልታት ብዝብል ዝፍለጥ ምስ ተመለሰን ሃገረ ፍሊስጤም ምስ ተመስረተተን እቶም ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ዕጡቓት ጉጅለታት ብረቶም ክፈትሑ ዝብል'ዩ።

ምብራቕ ዮርሳሌም ርእሰ ከተማ ክትከውንን ኣብ ሞንጎ ከኣ ንእስራኤል ካብ ስግኣት ዘወግድ ነጻ ዞባ ክእወጅ ዝብል ይርከቦ።

ቓዛ ብዘይ ጽልዋ ሓማስ ብኮሚተ ፍሊስጤም ክትመሓደር ዝብል'ውን ኣብቲ ግብጺ ሓንጺጻቶ ዘላ መደብ ሰፊሩ ኣሎ፡ ሃገራት ዓረብ ከኣ እቲ ኮሚተ እግሪ ክሳብ ዝተክል ምሉእ ደገፍ ክገብራሉ'የን።

ሓማስ፡ ቓዛ ብኮሚተ ፍሊስጤም ክመሓደር ከምዝደሊ'ኳ እንተተሰማመዐ፡ ንቓዛ ዘመሓድሩ ኮሚተ ግን ናይ ምምራጽ መሰል ክህልዎ ከም ቅድመ ኵነት ኣቐሚጡ ኣሎ፤

ብዘይካ እዚ ሓማስ፡ ዝኰነ ካልእ ኣጋር ሰራዊት ብዘይ ኣፍልጥኡ ናብ ወሽመጥ ቓዛ ክኣቱ ከምዘይብሉ ደንጊጉ ኣሎ።

ሃገራት ዓረብ፡ ፍልስጤም ናብ ገዛእ ርእሳ ሰራዊት ንኽህልዋ ምስ ሕብረት ኣውሮጳ ብምዃን ክሕግዛኣ ምኳነን'ውን እቲ ካብ ግብጺ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣብ ሓማስ ዘጋጠመ ዕንወት ዘርኢ ካርታ

እቲ ናይ ትራምፕ መደብከ?

ዶናልድ ትራምፕ ፍሊስጤማውያን ካብ ቓዛ ናብ ካልእ ክግዕዙ ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ'ዩ።

እዚ ከኣ ንቓዛ ናብ ሓደ ማእከል ቱሪዝም ብምቕያር ንረብሓ ፍሊስጤማውያን ከምዝውዕል'ዩ ትራምፕ ዝመባጻዕ።

ትራምፕ ብተወሳኺ፡ ግብጽን ዮርዳኖስን ነቶም ካብ ቓዛ ዝወጽኡ ፍሊስጤማውያን ምቕባል እንተኣብየን ክውሃበን ዝጸንሐ ረድኤት ደው ከብሎ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።

ገለ ተንተንቲ፡ መደብ ትራምፕ፡ ንሃገራት ዓረብ ጸቕጢ ብምፍጣር ንሓማስ ንክኣልየኦ ንምግዳደድ ምዃኑ ግምቶም ይህቡ፡ ከም ቐጠር ዝኣመሰላ ሃገራት ዓረብ ንሓማስ ካብ ምድጋፍ ደው ንኸብላ ዝዓለም ከምዝኰነ'ውን ገለ ተንተንቲ ይማጎቱ።

ትራምፕን ንጉስ ዮርዳኖስ ዓብዱላህ ካልኣይ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ተራኸቡ፡ ውሃቢት ቃል ፕረዚደንት ትራምፕ ካሮሊን ለቪት፡ ንጉስ ዮርዳኖስ፡ ፍሊስጤማውያን ቓዛ ክሳብ ትህነጸ ኣብ ቓዛ ክጸንሑ ምርጭኡ ከምዝኾነ ኣትሪሩ ከምዝተዛረቦ ገሊጻ።

ትራምፕ ግን ኣብታ ፍሊስጤማውያን ካብ ቓዛ ክወጽኡ ኣለዎም ትብል ቃሉ'ዩ ጸኒዑ ዘሎ።

ትራምፕ ናይ መወዳእታ ክሰማመዐሉ ዝኽእል ነጥቢ፡ ፍሊስጤማውያን ኣብ ቓዛ ይጽንሑ፡ ሓማስ ግን ጠቕሊሉ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ነጥቢ'ዩ ክኸውን ዝኽእል።