ቓዛ፡ እስራኤል ስለምንታይ ምምላስ ፍልስጤማውያን ደው ኣቢላቶ?

ምንጪ ስእሊ, EPA
እስራኤል ሓደ ኣውራ መገዲ ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ፍልስጤማውያን ተመዛበልቲ ናብ መንበሪኦም ከይምለሱ ተኸልኪሎም።
እዚ፡ ሓማስ ንውዕላት ምቍራጽ ተዅሲ ጥሒሱ ዝብል ክሲ እስራኤል ዝስዓበ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ትማሊ፡ ሓማስ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት እስራኤል ክፈትሕ እንከሎ፡ እስራኤል 200 ፍልስጤማውያን እሱራት ከም ዝፈትሐት ይዝከር።
እንተዀነ፡ መንግስቲ እስራኤል እስራኤላዊት ኣርቤል የሁድ ንምፍታሕ መደብ ክሳብ ዘይተገብረ፡ ነበርቲ ቓዛ ናብ ሰሜን ክጓዓዙ ከም ዘይፍቀደሎም ገሊጹ።
ሓማስ፡ እታ ውልቀሰብ ብህይወት ከም ዘላን ዝመጽእ ሰሙን ከም እትፍታሕን ይገልጽ።
ብመሰረት እቲ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ሓማስ ወተሃደራት ቅድሚ ምፍትሑ ንሰላማውያን ሰባት ክፈትሕ ነይርዎ።
ብቐዳም ኣጋምሸት፡ ሰባት ኣብ ማእከላይ ቓዛ ኣብ ዝርከብ መገዲ ኣልራሺድ ተኣኪቦም ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣብ ዝጽበይሉ ዝነበሩ እዋን፡ ተኹሲ ከም ዝተኸፍተሎም ይግለጽ።
ማዕከን ዜና ሮይተርስ ነቲ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕናን ማዕከናት ዜና ፍልስጤምን ብምጥቃስ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ካልኦት ድማ ከም ዝቘሰሉን ሓቢሩ።
ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣርባዕተ ተዅሲ ተሰሚዖም።
ቢቢሲ ቨሪፋይ፡እቲ ምስሊ ዝተቐድሓሉ ቦታ ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ብሰንኩ ንዝስዓበ ጕድኣት ዝምልከት ግን ብዘይሻራዊ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል: ኣብ ማእከላይ ቓዛ ዝርከቡ ወተሃደራት "ነቲ ሰራዊት ስግኣት ዝዀኑ ዓሰርተታት ጥርጡራት ዝሓቘፈ ሓያሎ ምትእኽኻብ ድሕሪ ምልላይ" ከም ዝተኰሱ ገሊጹ።
"ኵሉ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ተዅሲ ንምርሕሓቕ ዝዓለመ እምበር ጕድኣት ንምስዓብ ዝዓለመ ኣይነበረን። ነዚ ስዒቡ፡ ክሳብ እዚ ደረጃ እዚ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጥርጡራት ዝዀነ መጕዳእቲ ከም ዘጋጠመ ከም ዘይፍለጥ ነስምረሉ።"
ብቐዳም፡ መሓመድ ዕማድ ኣ'ዲን ሓደ ካብቶም ናብ መንበሪኦም ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ክምለሱ ዝጽበዩ ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት እዩ ነይሩ።
"ገዛይ ዓንዩ ክኸውን ከም ዝኽእል እፈልጥ እየ፤ ኣብ ልዕሊ ዑናታቱ ግን ዳስ ክተክል እየ። ክምለስ ጥራይ እየ ዝደሊ" ክብል ብቴሌፎን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ወሲኹ፡ "ናብ ስርሐይ ክመልስ ኣለኒ። ኣብ ቓዛ ቀምቃማይ እየ። ኣብ ሳሎነይ ዝወረደ ጕድኣት ከመይ ገይረ ክጽግኖን ስርሐይ ዳግማይ ክጅምርን ክሓስብ ጸኒሐ። ዕዳ ብዙሓት ሰባት ኣለኒ፤ ንደቀይ እታ ዝንኣሰት ነገር'ዉን ክዕድገሎም ኣይክእልን።
"እቲ ዝምነዮ እዚ ኣብ መንጐ ሓማስን እስራኤልን ዝነበረ ዘይምርድዳእ ክውዳእን ናብቲ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ገዛውትና ክንምለስን ክፍቀደልናን ጥራይ እዩ። ንእነፍቅሮም ሰባት ካብ ዘይንርኢ ንልዕሊ 15 ኣዋርሕ ኰይኑ፡" ኢሉ።
ኮሪደር ነትዛሪም፡ እስራኤል ካብ እትቈጻጸሮ መሬት ሸውዓተ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ጽርግያ ኰይኑ፡ ናብ ሰሜን ቓዛ ዝቘርጽ እዩ።
ሉብና ናሳር፡ ናብ ገዛኣ ተመሊሳ ምስቲ ን11 ኣዋርሕ ዘይረኣየቶ በዓል ቤታ ሱልጣን ክትራኸብ ተስፋ ብምግባር ድሕሪ ቀትሪ ምስ ሰለስተ ደቃ ብዓረብያ ኣድጊ እያ መጺኣ።
"ኣብዚ ክጸንሕ እየ፤ ብዝተኻእለ መጠን ናብቲ ናይ እስራኤል መፈተሺ ነቑጣ ተጸጊዐ ክጸንሕ'የ። ንኣዋርሕ ደቀይ ምስ ኣቦአን ንምርኻብ ክጽበያ'የን ጸኒሐን። ኣነ ካብቶም ቀዳሞት ናብ ቓዛ ክምለሱ ዝደልዩ ሰባት እየ፡" ኢላ።
መንጐኛታት ቐጠርን ግብጽን ኣማኢት ኣሽሓት ፍልስጤማውያን ናብ ሰሜን ክምለሱ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ምዕባለታት የርእዩ ኣለዉ።
ታንክታት እስራኤል ግን ክሳብ ሕጂ ነቲ ሰባት ብእግሮም ናብ ሰሜን ክኸዱሉ ዝነበሮም መገዲ ገማግም ባሕሪ ይዓጽዋኦ ኣለዋ።
እስራኤላዊት ኣርቤል የሁድ ብህይወት ምህላዋ ዘረጋግጽ መርትዖ ተሓቲቱ'ዩ፤ ሓማስ ድማ እዚ ንግብጺ ሂቡዋ'ዩ።
ብ7 ጥቅምቲ 2023 ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዛ ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት እስራኤል ከም ኣካል ናይቲ 200 ፍልስጤማውያን እሱራት እውን ነጻ ዝወጽኡሉ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ትማሊ ሰንበት ተፈቲሐን።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብዙሓት ቓዛውያን ንኽምለሱ ዘኽእሎም ዝዀነ ይኹን ስርሒት እንተሃልዩ ይጸበዩ ኣለው።
መብዛሕትኦም፡ ናብቲ ብኲናት ዝዓነወ ኣባይቶም'ዮም ክምለሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







