ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብስም 'ኣዝዝቲ ሰራዊት' ዝቐረበ ውሳነ ተግባራዊ ከይኸውን ወሲኑ

ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ብስም "ኣመራርሓ ሰራዊት" ጉባኤ ንዘካየደ ብደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ኣፍልጦ ብምሃብ ዝሓለፉ ውሳነታት ተፈጻምነት ከይህልዎም ወሲኑ።

ውሳነ እቶም "ኣመራርሓ ሰራዊት" ስርዓት ኣልቦነት ዘስፍን፡ ትግራይ መንግስቲ ኣልቦ ክትኸውን ዝገብር፡ ሰራዊት ዝብትንን ውዕሊ ፕሪቶርያ ዘፍርስን ከም ዝዀነ ዝሓበረ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ እዚ ውሳነ ብቝልጡፍ ክእረምን ናብ ታሕቲ ከይወርድን ከም ዝወሰኑ ገሊጹ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ እቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ጉዳይ ኣብያተ ምኽሪ ወረዳ፡ ከተማን ክፍለ ከተማን ዘሕለፍዎ ውሳነ'ውን ንመሓውራውን ትካላውን መስርሕ መንግስቲ ብምጽባእ፡ "መንግስቲ እግሪ ከይተክል፡ ድሌት ሓደ ጕጅለ ንምምላእ ዝሓለፈ፡" ብምዃኑ ተቐባልነት የብሉን ኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን`ዚ፡ ካብ 12 ጥሪ ክሳብ 14 ጥሪ 2017 (ግእዝ) ኣብ ኣኼባ ዝቐነዩ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኡዎ መግለጺ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተልእኾኡ ብግቡእ ኣይፈጸመን ብምባል፡ "ቍልፊ ስልጣን ዝነበሮም ኣመራርሓን ኣባላቱን፡ ካብ ተልእኾኡ ወጻኢ፡ ረብሓታት ህዝቢ ንጐድኒ ብምግዳፍ፡" ብኣንጻሩ፡ "ክሕደት ከም ዝፈጸመን መሳርሒ ረብሓ ሓይልታት ወጻኢ" ኰይኖምን ብምባል ከሲሶም ነይሮም።

እቶም ዝበዝሑ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ መበል 14 ጉባኤ ንዘካየደ ጕጅለ ህወሓት ኣፍልጦ ከም ዝህቡ ካብ ምንጻር ብተወሳኺ፡ ብመሰረት ውሳነ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ዝተኻየደ ጉባኤ፡ ምምዕርራይ መሪሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ክግበር እዮም ጸዊዖም። እንተዀነ፡ ብፍልልይ ኣረኣእያታት ብዙሓት ጀነራላት ነቲ ኣኼባ ረጊፆም ከም ዝወጽኡ ቢቢሲ ኣረጋጊጹ እዩ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነዚ "ግጉይ" ውሳነ ኣብ ልዕሊ ዝተቓወሙ ኣመራርሓ ሰራዊት ዝግበር ዝዀነ ዓይነት ውሳነ ተግባራዊ ከም ዘይኸውን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፍቓድን ኣፍልጦን ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ እንከይተዋህቦ ዝተኻየደ መበል 14 ጉባኤ ህወሓት ንዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣቦ መንበር ገይሩ ዝመረጸ ክከውን እንከሎ፡ ንሱ፡ "ፈራሚ ውዕል ፕሪቶሪያ ህወሓት እዩ፤ ልዕሊ 50 ሚእታዊት (50 +1) ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ'ውን ናይ ህወሓት'ዩ፤ ስለዚ ዝደለናዮ ሰብ ክንምድብ ንኽእል ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

እቶም ውግንንኦም ምስዚ ክንፊ ህወሓት እዚ ምዃኖም ዘነጸሩ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይ'ውን ነዚ ሓሳብ እዮም ኣንጸባሪቖም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብቲ ብቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዘይተዋህቦ ጉባኤ ህወሓት፡ ምክትል ኣቦመንበርን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይተ ጌታቸው ረዳን ዝርከቦም ልዕሊ 17 ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴን ካብቲ ጉባኤ ንርእሶም ከም ዘግለሉ ይዝከር።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሲኹ፡ ኵሉ መሓውር ጸጥታ ናብ ሓደ ማእከል ክጥርነፍ በቶም "ኣዘዝቲ ሰራዊት" ዝሓለፈ ውሳነ'ውን ዘይሕገ መንግስታውን ጸገም ትግራይ ዘጋድድን እዩ ብምባል ተቐባልነት ከም ዘይህልዎ ገሊጹ።

እቶም ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ዝቐነዩ ኣመራርሓ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዘውጽኡዎ ብዓል 13 ነጥቢ መግለጺ፡ ኵሎም ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ካቢኔ ሰክሬተርያት ሰላምን ጸጥታን ክኣትዉ ዝኣዘዙ ክዀኑ ከለዉ፡ "ካብዚ ወጻኢ ዝዀነ ዓይነት ዝተወደበ ዕጡቕን ፍቓድ ዘይብሉ ዕጥቅን፡ ከምኡ'ውን ነዚ መፈጸሚ ዝዀኑ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት ምኽፋት ክልኩል እዩ። ነዚ ጥሒሱ ንዝርከብ ዝዀነ ይዅን ኣካል ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባር ከም ንፍጽም ነረጋግጽ፡" ብምባል መጠንቀቕታ ኣሕሊፎም ነይሮም።

በቶም ኣዘዝቲ ዝሓለፉ ውሳነታት መሰረታዊ ስሕተታት ዘለዎም እዮም ዝበለ መግለጺ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ እዞም ውሳነታት ተፈጻምነት ከም ዘይህልዎም ኣፍሊጡ።

ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ህዝቢ በብከባቢኡ ንዘለዉ ምንቅስቓሳት ብጥቡቕ ክከታተል፣ ሰላም ክሕሉን ንውዕሊ ፕሪቶሪያ ጥሒሱ መሊሱ ናብ ኲናት ከእትው ዝኽእልን ዝዀነ ዓይነት ምንቅስቓስ ብትሪ ክቃወምን ይግባእ፡" ኢሉ።

ንመንግስቲ ፌደራል ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ ድማ፡ እቲ ኣብዚ ሰሙን ብስም ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝቐረበ መግለጺ ናይ ሰራዊት ትግራይ ኰነ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓሳብን ውሳነን ከም ዘይኰነ ኣነጺሩ።

"ሰራዊት ትግራይ፡ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝቢ ትግራይን ውዕሊ ፕሪቶሪያ ብዝሓሸ ብርኪ ብምፍጻም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ኰይኑ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ሓራ ክወጽእ፡ ተመዛበልትና ናብ መረበቶም ክምለሱ፡ ሕገ መንግስታዊ ግዝኣት ትግራይ ውሑስ ክኸውንን ተሓታትነት ክረጋገጽን እምበር፡ ንመስርሕ ሰላም ተሓሲሞም ናብ ኲናት ክኣትዉ ድልየት ከም ዘይብሎም ክፍለጥ ኣለዎ፡" ኢሉ።

እቲ ኣብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝተፈጥረ፡ ነቲ ገዛኢ ውድብ ኣብ ክልተ ጕጅለታት ዝገማምዐ ፍልልይን ቍርቍስ ስልጣንን፡ ናብቲ ሰራዊት ከይልሕም እሞ ካብ በሰለታት ኲናት ዘይሓወየት ትግራይ ናብ ሕድሕድ ጐንጺ ከይትኣቱ ስግኣት ብዙሓት ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።