ጅሆ ተታሒዘን ዝጸንሓ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ተፈቲሐን

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብሓማስ ከም ጅሆ ተታሒዘን ዝጸንሓ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ደቀንስትዮ፡ ሎሚ ድሕሪ-ቐትሪ ከም ዝተፈትሓ ተፈሊጡ።
እዘን ጅሆ ዝተታሕዛ ደቀንስትዮ ተለቒቐን ንቐይሕ-መስቀል ክርከባ እንከለዋ፡ ኣብ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ፍሊስጤም ብረት ዝዓጠቑ ሓዊሱ ሓያሎ ሰባት ዓጒጐም ክዕጅብወን ተራእዮም።
ሓማስ ኣቐዲሙ፡ ብመሰረት ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ቓዛ፡ ሎሚ ቀዳም እዩ ናይ ዝፈትሐን ኣርባዕተ እስራኤላውያን ጅሆታት ኣስማት ወግዓዊ ገይሩ።እስራኤላውያን ወተሃደራት፡ ካሪና ኣሪየቭ፡ ዳንኤላ ጊልቦኣ፡ ናኣማ ለቪን ሊሪ ኣልባግን ከም ዝፍትሓ ኣፍሊጡ ጸኒሑ።
እዘን ደቀንስትዮ ብመንገዲ ቀይሕ-መስቀል ናብ ሰራዊት እስራኤል ተረኪበን።
ወሃቢ ቃል ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ብዓረብኛ ኣቪቻይ ዓድራይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ብዅሉ መዳዩ ዋዕሮታት እየን፡" ክብል ንእለቱ ጽሒፉ። "ኣብ ማእከል ጕጅለ ኣሸበርቲ ብትብዓት ደው ኢለን፣ ብሓበን ርእሰን ኣቕኒዐን እየን፡" ብምባል ድማ ወዲሱወን።
እስራኤል ከም ኣምሳያኡ 200 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕ ምዃና ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቶም 70 ካብዚኦም ድማ ክጥረዙ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ መንጎ ሓማስን እስራኤልን ዝተኸተመ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተግባራዊ ካብ ዝኸውን ንደሓር፡ ምልውዋጥ ጅሆታትን እሱራትን ክካየድ፡ እዚ ናይ ሎሚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።
ኣብ ቀዳማይ ዙር፡ ሰለስተ እስራኤላውያን ጅሆታትን 90 ፍልስጤማውያን እሱራትን ልውውጥ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ።
ወተሃደራት እስራኤል እውን ካብ ወሰንቲ ቦታታት ቓዛ ክስሕቡ መደብ ተታሒዙሎም ኣሎ። እዚ ድማ ሓያሎ ፍልስጤማውያን ተመዛበልቲ ናብ ሰሜናዊ ቓዛ ክምለሱ ከኽእሎም እዩ።
እዚ ተዅሲ ደው ምባል፡ ነቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስዒቡ ዝተወልዐ ኵናት ቓዛ-እስራኤል ገቲኡዎ ኣሎ። በቲ መጥቃዕቲ፡ 1,200 ሰባት ከም ዝተቐተሉን 251 ጅሆ ከም ዝተትሓዙን ይግለጽ።
ልዕሊ 47 ሽሕ ፍልስጤማውያን - ዝበዝሑ ብርጌሳውያን - ድማ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ተቐቲሎም እዮም።
ኣብ ዝርዝር ኣስማት እዘን ሎሚ መዓልቲ ዝፍትሓ ጅሆታት፡ ስም ብርጌስ እስራኤላዊት ኣርበል የሁድ ክህሉ ትጽቢት ነይሩ።
ስም የሁድ ንምንታይ ኣብቲ ዝርዝር ከም ዘይኣተወ ንጹር እኳ እንተ ዘይኰነ፡ መራኸቢ ብዙሓን እስራኤል ግና ኣርበል የሁድ ብፍልስጤማዊ እስላማዊ ጅሃድ ተታሒዛ ከም ዘላ ጸብጺበን።
ሓማስ ኣስማት ናይቶም ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ሰሙናት ዝፈትሖም 26 ጅሆታት ከፍልጥ ትጽቢት ይግበር።
እዚ ዝርዝር ነታ ክልተ ደቅን ወለዶምን ዝሓዘት ስድራ ቢባስ ዘጠቓልል እዩ። ኣባል ናይዛ ስድራን ብዕድመ ዝነኣሰን ክፊር ጅሆ ክተሓዝ እንከሎ፡ ወዲ 10 ወርሒ ናጽላ እዩ ነይሩ። እዚ ሓበሬታ ኣስማት ጥራሕ ድዩ ከጠቓልል ወይስ ቍጽሪ ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ጅሆታት ከጠቓልል ዝብል ግና ንጹር ኣይኰነን።
እዘን ሎሚ ዝተፈትሓ ጅሆታት፡ ኣብ ፈላማይ ዙር ናጻ ምስ ዝወጽኡ እንክነጻጸር ኣብ ዝኸበደ ምድብ ዝርከባ እየን። እዚ ምድብ ዝርዝር ናይ ዝቐተሉን ገለ ንልዕሊ 15 ዓመት ዝተፈረዱን ሰባት ዘጠቓልል ክኸውን እዩ። እስራኤል ኣብቲ ናይ ሸውዓተ ጥቅምቲ መጥቃዕቲታት ንዝተሳተፈ ዝዀነ ኣካል ከም ዘይትፈትሕ ኣፍሊጣ እያ።
ኣሪየቭ፡ ጊሎባ፡ ለቪን ኣልባግን፡ ብሓማስ ኣብ ዝተወረረ ወታሃደራዊ መዓስከር ናሃል ኦዝ እየን ተታሒዘን። ኣብ ሓደ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ ኣብ መንጎ ጕጅለ ደቀንስትዮ ኣእዳወን ንድሕሪት ተኣሲረን፡ ጨወይተን ዋላ'ኳ እንተ ኣላገጹለን ሓገዝ ክረኽባ እናተማሕጸና ተራእየን እየን። እዘን ወተሃደራት ኣካል እቲ ንዶብ እስራኤል-ቓዛ ጽኑዕ ምክትታል ይገብር ዝነበረ ኣሃዱ እየን ነይረን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







