ኣብ ሰሜን ቓዛ ሓንቲ ተሪፋ ዝነበረት ሆስፒታል ብትእዛዝ እሰራኤል ተዓጽያ

ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሕሙማትን ካብታ ሓንቲ ኣብ ሰሜን ቓዛ ተሪፋ ዝነበረት ሆስፒታል እናወጽኡ

ምንጪ ስእሊ, al-Awda staff

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሕሙማትን ካብታ ሓንቲ ኣብ ሰሜን ቓዛ ተሪፋ ዝነበረት ሆስፒታል እናወጽኡ

ኣብ ምምሕዳር ሰሜን ቓዛ ናይ መወዳእታ ኣገልግሎት ጥዕና ትህብ ዝነበረት ሆስፒታል፡ ሰራዊት እስራኤል ብቕልጡፍ ክዕጸ ድሕሪ ምእዛዙ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ምዃና ዳይረክተር እቲ ሕክምና ገሊጹ።

ዶክተር መሓመድ ሳልሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሕሙማት ድሕሪ ናይ "ክልተ ሰሙን ከበባ" ብሓሙስ ምሸት ካብታ ኣብ ጃባልያ እትርከብ ሆስፒታል ኣል-ዓውዳ ብሓይሊ ከምዝወጽኡ ብምግላጽ፡ ሕጂ "ኣብ ሰሜን ቓዛ ዝሰርሕ ትካል ጥዕና" ከምዘየለን ሓቢሩ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶታት ክሳብ ሕጂ መልሲ ኣይሃበን።

እዚ ድማ ተኹሲ ምቁራጽ ንምግባር ዝግበር ጻዕርታት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሓማስ ነቲ ብኣመሪካ ቀሪቡ ብእስራኤል ተቐባልነት ዝረኸበ እማመ ምቁራጽ ቶኲሲ "ብዕምቆት ይግምግሞ ኣለኹ" ይብል።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ እማም ክልቲኦም ክሰማምዕሉ "ቐሪቦም'ዮም" ዝብል እምነት ከምዘለዉ ንማዕከና ዜና ሓቢሩ።

ሓማስ ግን እቲ ውጥን ንቐንዲ ጠለባቱ ዘየማልእ ከምዝኾነን እስራኤል ነቲ ኵናት ደው ከተብሎ'ያ ዝብል እምነት ከምዘይብሉን'ዩ ኣፍሊጡ።

እቲ ስምምዕ ን60 መዓልታት ዝጸንሕ ምቁራጽ ተኹሲ ዘጠቓልል ምዃኑ'ውን ይንገር።

ሓማስ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን እቲ ስምምዕ 28 ጅሆ ዝተተሓዙ ብህይወት ዘለዉን ዝሞቱን ከረክብ፡ እቶም ዝተረፉ 30 ከኣ ቀዋሚ ተኹሲ ደው ምባል ምስተገብረ ነጻ ክፍንዎም'ዩ ሕቶ ቀሪብሉ ዘሎ።

እስራኤል ብወገና ልዕሊ 1000 ፍልስጤማውያን እሱራት ክትፈትሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ድማ ብመንገዲ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ናብ ቓዛ ክኣቱን ክትፈቕድ'ያ።

እቲ ጉጅለ፡ ንዅሎም ተሪፎም ዘለዉ ጅሆታት ናጻ ክፍኑዎም እንተዀይኑ፡ እስራኤል ነቲ ኵናት ምሉእ ብምሉእ ደው ብምባል ካብ ቓዛ ክትወጽእ'ዩ ዝጠልብ ዘሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እስራኤል ኣብቲ ግዝኣት ወተሃደራዊ ስርሒታት ትቅጽል ኣላ።

ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ብውሕዱ 72 ሰባት ብደብዳብ ከምዝተቐትሉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ትማሊ ዓርቢ ኣፍሊጡ።

ብሓሙስ ምሸት ሰራዊት እስራኤል፡ ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራዊ ንጥፈታት ከምዘሎ ብምሕባር፡ መጠነ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ገሊጹ። ንሆስፒታል ኣል-ኣውዳ ሓዊሱ ኩሉ ነባሪ እቲ ከባቢ ክወጽእ ከኣ ኣዚዙ።

ዶክተር መሓመድ ሳልሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ናይ ድምጺ መልእኽቲ "ካብቲ ሆስፒታል ምውጻእና ናይ ብሓቂ ሓዚንና ኢና፡ እንተኾነ ሓይልታት ጎበጣ እስራኤል ግን ካብቲ ቦታ እንተዘይወጺእና ኣትዮም ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኩሉ ክንቐትሎ ኢና ኢሎም ስለዘፈራርሑና ኣማረጺ ኣይነበረናን" ኢሉ።

ኣብ ልዕሊ ገዝኦም ደብዳብ ምስ ተኻየደ ዝሃድሙ ዘለዉ ፍሊስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ልዕሊ ገዝኦም ደብዳብ ምስ ተኻየደ ዝሃድሙ ዘለዉ ፍሊስጤማውያን

" ነቲ ሆስፒታል'ውን ምደብደብዎ፡ ንሕና ብዛዕባ ሕይወት ሕሙማትን ሰራሕተኛታትናን ኢና ንሓስብ ነይርና።"

ዶክተር መሓመድ ሳልሃ፡ እቲ ሆስፒታል ካብ ትማሊ ሓሙስ ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ ጀሚሩ "ብዙሕ ደብዳብ ቦንባታትን ታንክታታን" ከምዘጋጠሞ ገሊጹ።

ንዶክተር መሓመድ ሳልሃ ካብ ሓይልታት እስራኤል ከባቢ ሰዓት ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ ካብቲ ቦታ ክወጽኡ ጻውዒት በጺሕዎ፡ ኣብ መጀመርታ ድማ ክንክን ጥዕና ዘድልዮም ሕሙማት ስለ ዝነበሩ ኣብዮም።

ምስ 10 ሰራሕተኛታቱ ክጸንሕን ነቶም ካልኦት ከውጽኦምን ምዃኖም'ኳ ንሰራዊት እስራኤል እንተገለጽሎም፡ ወተሃደራዊ እስራኤል ግን ከምዝኣብይዎም ይዛረብ።

ድሕሪ ሸውዓት ሰዓታት ዝወሰደ ምጉት፡ ኣማራጺ ስለዘይነበሮም ሰዓት ሸሞንት ፈረቓን ናይ ለይቲ ካብቲ ሆስፒታል ጠቕሊሎም ከምዝወጽኡ ከኣ ይሕብር።

እቲ ከባቢ ሆስፒታል ብኸቢድ ዓንዩ መካይን ዘየእቱ ስለዝኾነ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ሕክምና ነቶም ሕሙማት ናብተን ኣንቡላንሳት ደው ኢለናሉ ዝነበራ ቦታ ንምብጻሕ ልዕሊ 300 ሜትሮ ተሸኪሞሞም ከምዝኸዱ ዶክተር መሓመድ ሳልሃ ይገልጽ።

ብሰራሕተኛታት ሆስፒታል ኣል-ዓውዳ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኩ ክልተ ቪድዮታት፡ ሰባት፡ ገሊኦም ኣብ ድሕሪት ስም እቲ ሆስፒታል ዝተጻሕፎ ክዳን ተኸዲኖም፡ ጸሓይ ኣብ እትዓርበሉ እዋን ናብ ምብራቕ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ናብ ዝነበራ ኣምቡላንስን እናተሰቐሉ የርኢ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቶም ሕሙማት ናብ ከተማ ቓዛ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሺፋ'ዮም ተሰጋጊሮም ዘለዉ።

ዶክተር መሓመድ ሳልሃ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ከተማ ቓዛ ብዝርከብ መባእታዊ ማእከል ጥዕና ኣቢሎም ኣገልግሎት ክህቡ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ካልእ መእለዩ ሕሙማት ኣብ መዕቆቢ ቦታ ክምስረት ከምዝኽእል ተስፍኡ ገሊጹ።

ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምዕጻው ሆስፒታል ኣል-ዓውዳ፡ ሰሜን ቓዛ ብዘይ ዝኾነ ሆስፒታል ክተርፍ ዘገድድ ከምዝኾነ ብምግላጽ "ሰለማውያን ሰባት፡ ሰራሕተኛታት ሆስፒታልን ሆስፒታላትን ክትንከፉ የብሎምን" ኢሉ።

ሆስፒታል ኣል-ዓውዳ ኣብ ውሽጢ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ ክወጽእ ዝተኣወጆ ከባቢ ዝርከብ'ኳ እንተኾነ፡ እንተኾነ ግን ገና ይሰርሕ ከምዝነበረ ዶክተር ቴድሮስ ኣቐዲሙ ገሊጹ ነይሩ።

ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብቲ ከባቢ ኣንጻር ዕላማታት ግብረ ሽበራ ይሰርሕ ከምዘሎ" እዩ ገሊጹ፡ ብዛዕባ እቲ ሆስፒታል ግን ዝበሎ ነገር ኣይነበረን።

ብሓሙስ ካብ 18 ትካላት ግብረ ሰናይ ዝወጸ መግለጺ፡ እቲ ሆስፒታል "ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ንራብዓይ ግዜኡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ከበባ ከምዝኣተወን ብውሑዱ 28 ግዜ ከምዝተደብደብን" ገሊጹ።

ክፍሊ ህጹጽ ረድኤት እቲ ሆስፒታል ተሃሪሙ ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ከምዝቖሰሉን፡ ቀንዲ ክፍሊ መክዘን'ውን ከምዝተደብደበ፤ ብሰንኩ ከኣ ኩሉ መድሃኒትን መሳርሕታትን ከምዝጠፍአ እተን ትካላት ግብረ ሰናይ ገሊጸን።

ትካል ሰብኣዊ ሓገዝ ሕቡራት ሃገራት ኦቻ፡ ብዘይካ ሆስፒታላት - ኣብ ቓዛ ካብ ዝነበረ 158 ማባእታዊ ክንክን ጥዕና ዝህባ ክሊኒካት እተን 61 ጥራይ ከፊላዊ ወይ ምሉእ ኣገልግሎት ይህባ ከምዘለዋ ኣፍሊጡ።

ኣብ መዓስከር ከሃን የኑስ ኣብ ኣፍደገ ትካል ግብረ ሰናይ ዝተኣከቡ ፍሊስጤማውያን

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ፡ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1,200 ሰባት ብምቕታል 251 ሰባት ጅሆ ሒዙ ድሕሪ ምኻዱ'ያ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ መጥቓዕቲ ጀሚራ።

ክሳዕ ሕጂ እስራኤል ክልተ ግዜ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ብምግባር፡ 148 ብህይወቶም ናጻ ከተውጽኦም እንከላ ሬሳ ናይ 49 ከኣ ተረኪባ።

እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ብውሕዱ 54,321 ፍሊስጤማውያን ከም ዝተቐተሉ ብሓመስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።

ብሓሙስ እስራኤል ኣብ ቃዛ ብዘካየደቶ ደብደብ ነፈርቲ ብውሕዱ 54 ሰባት ከም ዝተቐተሉን፡ ካብዚኦም እቶም 23 ኣብ ከባቢ ቡረጅ ኣብ ገዝኦም እንከለዉ ከም ዝተደብደቡን ሰብመዚ ሓማስ ገሊጾም።