'ስደተኛታት ተገፊፎም' ዝብል ግጕይ ሓበሬታ ዘንቀሎ ናዕቢ ሎስ ኣንጅለስ

ናዕቢ ሎስ ኣንጀለስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኢሚግሬሽን ዝወሰዶ ዘሎ ስጕምቲ ተቓውሞታት ከልዕል እንከሎ፡ ጁዋንን ሓያሎ ኣዕሩኽቱን ኣብ ጥቓ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ መዐሸጊ መካይን ሓደ ድኳን ሃርድዌር ደው ኢሎም ነይሮም።

እዚ ኣንጻር ውጥን ምስጓግ ስደተኛታት ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞታት ንሳልሳይ መዓልቱ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርኒያ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ብፍላይ ላቲናውያን ብብዝሒ ኣብ ዝነብሩሉ ፓራማውንት ዝተባህለ ከባቢ ብቐዳም ዝጀመረ እዩ።

ከም ልሙድ፡ ጁዋንን መሓዙቱን ክተኣኻኸቡ እንከለው መብዛሕትኦም ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ዓደግቲ ወይ ኮንትራክተራት መዓልታዊ ስራሕ ዝደልዩ ስደተኛታት እዮም።

ከባቢ ፓራማውንት፡ ልዕሊ 82 ሚእታዊት ተረዛብቲ ቋንቋ ስጳኛ ዝነብርሉ'ዩ።

ኣብኡ፡ ትማሊ ሰንበት ክልተ ንኣሽቱ ፒክኣፕ መካይን፡ ካብቲ ጨንፈር ሆም ዲፖ ወጻኢ ኣብ ስርሓት ናሕሲ፡ ጽገና ወይ ቀለም ክሕግዙ ከም ዝኽእሉ የወዓውዓ ነይረን።

እዚ "ኣብዚ ዝሰርሑ ሸቃሎ ተገፊፎም ተኣሲሮም" ዝብል ወረ ምስ ተሰምዐ ማእከል ተቓውሞታት ኢሚግሬሽን ድሕሪ ምዃኑ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ'ዩ።

ብዙሓት ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝነብሩ ሰባት ኣብቲ ከባቢ መካይን ሓለዋ ኢሚግሬሽን ከም ዝረኣዩ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እዚ ድማ ቅጽበታዊ ፍርሕን ስንባደን ፈጢሩ።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ካብ መላእ ኣመሪካ ብዙሓት ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ስራሕ ክደልዩ ዝኸዱሉ ቦታ ሆም ​​ዲፖ ብዛዕባ ተፈጺሙ ዝተባህለ ግፋን ማእሰርትን መዓልታዊ ሸቃሎ ዝገልጹ ጸብጻባት ወጺኦም።

ኣብዛ ብብዝሒ ስጳኛውያን ዝነብሩላ ከተማ ድማ ተቓውሞታት ተላዒሉ። ኣእማንን ካልእን ብምድርባይ ከኣ ናብ ዓመጽ ተቐየረ።

ሰብመዚ ነቲ ዓመጽ ንምግታእ መንብዒ ትኪ፡ ጐማ ጥይትን ትኪ ቦምባን ተጠቒሞም።

እንተዀነ፡ እዚ ተቓውሞታት ግጕይ ሓበሬታ ዘንቀሎ'ዩ ነይሩ።

ኣብ ካልእ ቦታታት ናይቲ ከባቢ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ብሰበስልጣን ክእሰሩ እንከለዉ፡ እቲ ኣብቲ ድኳን ዘመተ ከም ዝተፈጸመ ዝገልጽ ወረ ግን ግጕይ ሓበሬታ ከም ዝነበረ ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ (DHS) ሓቢሩ።

ዲኤችኤስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ዋላ'ኳ ናይ ሓሶት ጸብጻባት እንተሃለወ፡ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ሆም ዲፖ ግን 'ዘመተ' ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ኣመሪካ ኣይነበረን፡" ኢሉ።

ጁዋን "እንታይ ከም ዘጋጠመ ብሓቂ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ኵሉ ሰብ ፈሪሑ፡" ይብል።

ኣብ ፓራማውንት ኣብ ዝተራእየ ናዕቢ፡ ዘጋጠመ ምቅጻል መኪናን ዝምታ ትካላት ንግዲን፡ ነቲ ሰበስልጣን ፈደራል ኣብ መላእ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ናዕቢ ነይሩ ንኽብሉ ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።

ብቐዳም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣኑ ተጠቒሙ ሃገራዊ ሓለዋ ክዋፈሩ ኣዚዙ።

ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም ግን ዶናልድ ትራምፕ ንሃገራዊ ሓለዋ ምውፋሩ፡ "ዘይሕጋውን ዘይሞራላውን" ተግባር ብምባል ነቲ ምምሕዳር ክኸስስ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ንሱ ምስ ኤምኤስኤንቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ "ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ተሌቪዥን እትርእይዎ ዘለኹም ኵነታት ፈጢሩ ኣሎ። ነቲ ኵነታት ኣጋዲድዎ'ዩ... ነዚ ሓዊ ነዳዲ የእትዩሉ ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ ተቓውሞ ብሰንበት ንሳልሳይ መዓልቲ ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን፡ ዕጡቓት ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ፡ ካብቲ ድኳን ሃርድዌር ኣብ ስግር ጽርግያ ዝርከብ ኣፍደገ ይሕልዉ ነይሮም።

ነቲ ከባቢ ዝዓጸዋ ድሩዓት ወተሃደራዊ መካይን ደው ኣቢሎም፡ ምስቶም ዝጻረፉን ባንዴራታትን ባነራትን ሜክሲኮ ዘወዛውዙ ዝነበሩ ሰልፈኛታት ተፋጢጦም።

ፕረዚደንት ትራምፕ ሃገራዊ ሓለዋ ናብ ሎስ ኣንጅለስ ኣዋፊሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ትራምፕ ሃገራዊ ሓለዋ ናብ ሎስ ኣንጅለስ ኣዋፊሩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ክፍሊ ድሕነት ኣመሪካ (ዲኤችኤስ) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሓለዋ ዝግበረሉ ዘሎ ቦታ ሓደ ካብ ኣብያተ ጽሕፈቶም ዝነብረሉን፡ ሰበስልጣን "ከም መዳለዊ ቦታ ዝጥቀሙሉ ዝነበሩን፡ ናዕበኛታት ድማ ዝፈለጡዎን'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

እቲ ትካል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ 118 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘእተዉን፡ ሓሙሽተ ድማ ኣባላት ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝነጥፍ ጕጅለ ከም ዝዀኑን ሓቢሩ።

ገለ ካብዞም ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ክስታት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ፡ መጥቃዕትን ዝምታን ዘጠቓለለ ገበናዊ ታሪኽ ከም ዝነበሮም እቲ ትካል ገሊጹ።

ብሰንበት ኣብ ሞሪስታውን ኒውጀርሲ ኣብ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ዋን ክድይብ ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፡ ትራምፕ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ "ዓመጽቲ ሰባት" ኣለዉ'ዮም ብምባል፡ ካብ ተሓታትነት ክሃድሙ ኣይክእሉን ክብል ንጋዜጠታት ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ ሎስ ኣንጅለስ፡ ብብዝሒ ስደተኛታት ብፍላይ ድማ ካብ ደቡብ ሜክሲኮ ዝመጽኡ ሰባት ይርከቡ።

እታ ከተማ፡ ንብዙሓት ዕቝባ ብምዃን ስለ እትምካሕ፡ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ፈደራል ኢሚግሬሽን ኣይትተሓባበርን።

ምምሕዳር ትራምፕ ግን ነቶም ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት እታ ከተማ ዒላማ ይገብር ከም ዘሎ ይንገር።

ኣብ ፓራማውንት ተቓውሞኣ ዘስምዐት ማርያ ጉተረዝ፡ "እዚ ደው ክብል ኣለዎ" ኢላ።

ኣብ ሜክሲኮ ከም ዝተወልደት እኳ እንተገለጸት፡ ንእሽቶ ቈልዓ ኰይና ከም ዝመጽአትን ልክዕ ከምቶም ካልኦት ስደተኛታት ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣባላት ስድራ ከም ዘለውዋን ትዛረብ።

"እዚ ሎስ ኣንጀለስ እዩ። ንዅላትና እዩ ዝትንክፈና፤ ኵሉ ሰብ ወይ ወረቐት ዘይብሉ ስድራቤት ኣለዎ ወይ ዘይብሉ ሰብ ይፈልጥ'ዩ።"