ፕረዚደንት ኮሎምብያ ክኸውን ተስፋ ዝነበሮ ሓጹይ ኣብ ጎስጓስ ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ

ሚጉየል ኡሪበ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣኼባ ናይ ሰኔት ዝተሳኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚጉየል ኡሪበ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣኼባ ናይ ሰኔት ዝተሳኣሎ

ፕረዚደንት ኮሎምብያ ክኸውን ዓቢ ተስፋ ተነቢርዎ ዝጸንሐ ሕጹይ ተወዳዳሪ ኣብ እዋን ጎስጓስ ብዝተተኮሶ ጥይት ክልተ ግዜ ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዝርከብ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኮሎምብያ ቦጎታ ጎስጓስ እናኣካየደ እንከሎ ክልተ ጥይት ኣብ ርእሱ ሓንቲ ኣብ ብርኩ ዝተሃረመ ሚጉየል ኡሪበ ብብዙሓት ፕረዚደንት ኮይኑ ክምረጽ ተስፋ ተነቢርዎ ጸኒሑ'ዩ።

ወዲ 39 ዓመት ሚጉየል ኡሪበ፡ ብቀዳም ጎስጓስ እናኣካየደ እንከሎ'ዩ ብዝተተኮሶ ጥይት ተሃሪሙ።

ፖሊስ ንወዲ 15 ዓመት ጥርጡር ኣብቲ ቦታ ሓደጋ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውዎ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ብዓልቲ ቤቱ ማርያ ክላውድዮ ታራዛና ኩሎም ዜጋታት እታ ሃገር ብህይወት ክተርፍ ክጽልይሉ ተማሕጺና።

"ሚጉየል ኡሪበ ብህይወት ንክቅጽል ኣብ ቅልስ'ዩ ዘሎ፡ ኣምላኽ ንየእዳው እቶም ዝሕክምዎ ዘለዉ ዶኳትር ባሪኹ ብህይወት ንኸስርሮ ንጸልይሉ" ኢላ።

እታ ንሱ ዝመርሓ ሴንትሮ ዲሞክራቲክ ፓርቲ ዝተሰመየት ሰልፊ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሚጉየል ኡሪበ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ እቲ መጥቃዕቲ "ንህይወት ፖሊቲካዊ መራሒ፡ ንዲሞክራስን ነጻነትን ኮሎምብያ" ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ ከምዝኾነ ገሊጻ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ፖሊስን መሰኻኽርን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሓደጋ እንከለዉ ዘርኢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ፖሊስን መሰኻኽርን ኣብ ቦታ ፍጻመ ሓደጋ እንከለዉ ዘርኢ

ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሐ ናይ ቴሌፎን ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሚጉየል ኡሪበ እናተዛረብ እንከሎ ብጥይት ኣብ ርእሱ ዝተሃርመሉ ህሞትን እቶም ተኣኪሞም ዝነበሩ ሰባት ሰንቢዶም እናሃደሙን ዘርኢ'ዩ።

እቶም ቀዲሞም ናብቲ ቦታ ብምምጻእ ቀዳማይ ረድኤት ዝገበርሉ ኣባላት ሕክምና፡ ሚጉየል ኡሪበ ርእሰ ብክልተ ጥይት ኣብ ብርኡ ከኣ ብሓንቲ ጥይት ከምዝተሃረመ ንማዕከን ዜና ኤኤፍፒ ሓቢሮም።

ሚጉየል ኡሪበ ካብቲ ቦታ ብሄሊኮፕተር ብቅጽበት ናብ ሆስፒታል ሳንተ ፈ ከምዝተወሰደን ደገፍቱ ኣብ ኣፍደገ እቲ ሆስፒታል ኮይኖም ሕርቃኖም ክገልጹን ክጽልዩሉን ከምዘምሰዩ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ፕረዚደንት ኮሎምብያ ት ጉስታቮ ፔትሮ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብምዅናን "ኣብ ልዕሊኤ [ሚጉየል ኡሪበ] ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ'ውን ዝተፈጸመ ዓምጽ" ገይሩ ከምዝወስዶ ገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ማርኮ ሩቢዮ'ውን ነቲ መጥቃዕቲ "ኣብ ልዕሊ ዲሞክራሲ ዝተፈጸመ ቀጥታዊ ሓደጋ" ብምባል ኮኒንዎ።

ሚጉየል ኡሪበ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ሕጹይ ኮይኑ ክወዳደር ምዃኑ ምስ ኣፍለጠ ካብ ብዙሓት ኮሎምብያውያን ዓቢ ደገፍ ክረክብ ክኢሉ'ዩ።

ንሱ ካብ ሓንቲ ኣብ ኮሎምብያ ብፖሎቲካ ፍልጥቲ ዝኾነት ስድራ ዝተወለደ ኮይኑ፡ ኣቡኡ ሓደ ካብ መስረትቲ ሊበራለዊ ሰልፊ ኮይኑ ኣቦ ወንበር ማሕበር ሰራሕተኛታት ኮሎምብያን ፍሉጥ ነጋዳይን'ዩ ነይሩ።

ኣዲኡ ዲያና ተርባይ'ውን ውርይቲ ኮሎምብያዊት ጋዜጠኛ'ያ።

ኣዲኡ ኣብ 1991 ብፓውሎ ኢስኮባር ዝመርሑ ጉጅለ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ጅሆ ምስ ሓዝዋ፡ ንዓኣ ሓራ ንምውጻ ኣብ ዝተገበር ስርሒት'ያ ተቐቲላ።