ኮሎምብያ፡ ስለምንታይ እያ ነቶም ብፓብሎ ኢስኮባር ዝውነኑ ዝነበሩ ጉማረታት ተምክኖም ዘላ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮሎምብያ፡ ብዕሉል ነጋዲ ዕጸ-ፋርስ ዝውነኑ ዝነበሩ ጉማረታት፡ ሓድጊ ናይቲ ሕማቕ እዋን ብምባል የምክንዎም ከምዘለዉ ተገሊጹ።
ኣብ 1993 ብፖሊስ ዝተቐተለ ፓብሎ ኢስኮባር ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ብዙሓት እንስሳታት ናብ ኮሎምብያ ብምእታው ይውንኖም ምንባሩን ካብቶም ንሱ ናብ ኮሎምብያ ዘእተዎም እንስሳታት ኣንስተይትን ተባዕታይን ጉማረታት ከምዝርከብዎምን ይፍለጥ፡ ብልምዳዊ ኣጸዋውዓ ኸኣ 'ናይ ሓሺሽ ጉማረ' እናተባሃሉ'ዮም ዝጽውዑ።
እቶም ጉማረታት ኣብቲ እዋን ኣትሒዞም ሃሸንዳ ናፖሊስ ኣብ ዝብሃል ቦታ እናተዋለዱ ይነብሩ ኣለዉ።
መንግስቲ ኮሎምብያ፡ ካብቶም ልዕሊ 80 በጺሖም ዘለዉ ጉማረታት ነቶም 24 ዘምክን ከሚካል ወጊእዋም ኣሎ።
ክኢላታት ስነ ከባቢ ኮሎምብያ፡ እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ጉማረታት ድሕሪ እቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ እቶም ዝበዝሑ ጉጅለ ጉማረ ኮይኖም፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ዝነበሩ ዓሌታት እንስሳ ከባቲ ከባቢ ከምዘርሓቕዎም ብምግላጽ፡ ብዙሓት፡ እቶም ጉማረታት ክቅተሉ ወይ ክመኽኑ [ክቅጥቀጡ] ክጽውዑ ምጽነሖም ገሊጾም።
ኣብ 1993፡ ሰብ መዚ ኮሎምብያ ነቲ ኣብ ሃሸንዳ ናፖልስ ዝርከብ ምዕሩግ መንበሪ ፓብሎ ኢስኮባር ምስ ተቆጻጸርዎ፡ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ እንስሳታት ናብ መካነ እንስሳታት ፋሕ ከምዝብሉ ክግብር እንከሎ፡ እቶም ጉማረታት ግን ኣብኡ እዮም ተገዲፎም።
ተመራመሪት ስነ እንስሳ ናታሊ ካስቴለብላንኮ ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት "ብሓቂ ንጉማረታት ካብ ናብን ከተጓዓዕዞም ከቢድ'ዩ፡ ኣብቲ እዋን እቶም ሰብ መዚ ደይ ክሞቱ'ዮም ኢሎም እዮም ኣብቲ ቦታ ገዲፎሞም" ኢላ።
እንተኾነ እቶም ጉማረታት ቁጽሮም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክውስኽ ጸኒሑ።

ምንጪ ስእሊ, RAUL ARBOLEDA/Getty Images
ብመሰረት ካብ ክኢላታት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ እቶም ጉማረታት ኣብታ ሃገር ፍሉጥን ቀንድን ንዝኾነ ፈለግ ማግዳለና ክመልእዎ ጀሚሮም።
ክኢላታት ስነ ኣከባቢ ከምዝገልጽዎ፡ ህላወ ናይቶም ጉማረታት ንህወታዊ ብዙሕነት እቲ ከባቡ ብብዙሕ መዳያት ክጸልዎ ከምዝኽእል'ዮም ዝገልጹ።
ኢስኮባር፡ ኣብ 1980ታት ኣብ ሰሜንን ደቡብን ኣመሪካ ሓደ ካብ ዕሉላት ኣሰጋገርቲ ዕጸ ፋርስ ዝኾነ መደሊን ዝተብሃለ ጉጅለ ዝመስረተን ዝመርሕን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብጭውያ፡ ብምስግጋር ዕጸ ፋርስን ብቕትለትን ተኸሲሱ ክድለ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1993 ብፖሊስ ዝተቐተለ ሰብ እዩ።
ኣብ መጀመርታ 1990ታት ካብ ዓለም ዝሃብተመ ሰብ ተባሂሉ'ውን ይግለጽ ነይሩ'ዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







