ኣመሪካ፡ ዊልቨር ፓሎሚኖ ክትሓዝ ንዝተሓባበረኒ 5 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ክህብ’የ ኢላ

ኣመሪካ "ዊልቨር ፓሎሚኖ ክትሓዝ ንዝተሓባበረኒ 5 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ክህብ'የ" ኢላ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ ንመራሒ ‘ኢኤልኤን’ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ ኮሎምቢያ ክትሓዝ ንዝተሓባበረ 5 ሚልዮን ግንዖ ከም እትህብ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ማይክ ፖምፕዮ፡ ዕጡቕ ጉጅለ ኢኤልኤን መራሒኡ ዊልቨር ቪለጋስ ፓሎመኪኖን 'ሕሉፋት ኣሸበርቲ’ዮም' ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ማይክ ፖምፕዮ ኣብ ኮሎምብያ ምብጻሕ ምስ ኣካየደ ድሕሪ ክልተ መዓልታት እዩ ነዚ ሓበሬታ ሂቡ።

ዕጡቕ ጉጅል ኢኤልኤን ቅድሚ 50 ዓመታት ዝተመስረተ ኮይኑ ማርክሳዊ ስነ ሓሳብ እዩ ዝኽተል።

ኣሜሪካ እቲ ብወዲ 38 ዓመት ዊልቨር ቪልጋስ ፓሎሚኖ ዝምራሕ ጉጅለ ንልዕሊ 20 ዓመታት ካብ ኮሎምብያ ናብ ኣሜሪካ ዕጸ ፋርስ ብምእታው ካብ ዝረኽቦ ፋይናንሳዊ ኣታዊታት ዓቕሚ ከጎልብት ከም ዝጸንሐ እያ ትኸስስ።

ማይክ ፖምፕዮ ድማ፤ "ኣሜሪካ ንመንግስቲ ኮሎምብያ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ገበናዊ ንጥፈታት ንኽቆጻጸር ትሕግዝ ኣላ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ኮሎምብያን ኢቫን ዶኪን ማይክ ፖምፕዮን ብቀዳም ኣብ ዝተራኸብሉ፡ ኮሎምብያን ኣሜሪካን ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ክገብራ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጾም ነይሮም እዮም።

ቅድሚ ፕረዚደንት ኢቫን ዶኪን ኣብ ስልጣን ዝነበረ ጅዋን ማንኤል ሳንቶስ ኣብ ኮሎምብያ ዝነጥፉ ዝነበሩ ፋርክ ዝተብሃሉ ጸጋማይ ክንፊ ዕጡቓት ጉጅለታት ውዕል ሰላም ምፍራሙ እዝከር።

እቲ ምስ ዕጡቕ ጉጅለ ኢኤልኤን ተጀሚሩ ዝነበረ ዘተ ግን ፕረዚደንት ኢቫን ናብ ስልጣን ምስ መጽአ ደው ከም ዝብል እዩ ገይርዎ።

ዕጡቕ ጉጅለ ኢኤልኤን ኣብ ጥሪ 2019 ኣብ ርእሰ ከተማ ቦጎታ ነታጕ ዝጽዓነት መኪና ናብ ፖሊስ ዝስልጥንሉ መዓስከር ብምእታው 21 ሕጹያት ፖሊስ ምስ ቐተለ ግን እቲ ምስቲ ጉጅለ ክግበር ተወጢኑ ዝነበረ ዘተ ሙሉእ ንሙሉእ ንክቋረጽ ጠንቂ ኮይኑ።

መንግስቲ ኮሎምቢያ፡ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ዞባ ናሪኖ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ መቅተልቲ እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ይፍጽሞ ኣሎ እዩ ዝብል።

ዕጡቕ ጉጅለ ኢኤልኤን ብወገኑ ነቲ ብመንግስቲ ኮሎምቢያ ዝቐርበሉ ክሲ ከምዘይውዓሎ’ዩ እዩ ዝገልጽ።

Short presentational grey line

ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ዕጡቕ ጉጅለ ኢኤልኤን

  • በቲ ኣብ 1959 ኣብ ኲባ ዝተበገገሰ ሰውራ ዝተጸለዉ ኣስታት 2000 ዝኾኑ ዕጡቓት ኣብ ኮሎምብያ ምዕሩይ ምሕደራን መሬትን ምክፍፋል ሃብቲ ሃገርን የለን ብምባል ኣብ 1964 ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሮም
  • እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ብዙሕ መሬት ‘ዝገበቱ’፡ ሃገራውያን ትካላትን ትቦታት መስመር ነዳድን ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ፈጺሙ
  • እዚ ጉጅለ ፋይናንስያዊ ዓቕሙ ንምጉልባት ሰባት ከም ዝጨዊ፡ ንብረት ውልቀ ሰባት ከም ዝመንዝዐን ካብን ናብን ዕጸ ፋርስ ከም ዘዘዋውርን እዩ ዝንገር
  • ካብ ከተማታት ወጻኢ ዝበዝሐ ክፋል ገጠራት ናይ ኮሎምብያ ተቆጻጺሩ ዘሎ ጉጅለ እዩ።
  • እዚ ዕጡቕ ጉጅለ ብመንግስቲ ኮሎምብያ፡ ኣሜሪካን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣብ መዝገብ ግብረ ሽበራ እዩ ሰፊሩ ዘሎ።