ኮኬይን ኮሎምቢያ፡ ኣብ ሓደ ሄክታር ዝፈሪ ዝነበረ ሓሽሽ ወሲኹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኮሎምቢያ ኣብ 2017 ዘፍረየቶ ብዝሒ ሓሽሽ ኮኬይን ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘይፈልጥ ብዝሒ ከምዝነበሮ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ጸብጻብ ኣብ ኮሎምብያ፡ ፍርያት ሓሽሽ ኮኬይን ዓመታዊ ብ31 ሚእታዊት ዓብዩ።
ኣብዚ እዋን ካብ 171,000 ሄክታር ኣስታት 1400 ቶን ኮኬይን ይፈሪ ምህላዉ ብምሕባር፡ ኣብ ሰላም መላእ ዓለም ከምጽኦ ዝኽእል መዘዝ ብምስጋእ ስክፍትኡ ገሊጹ።
ሚኒስተር ፍትሒ ኮሎምቢያ ግሎርያ ማሪያ ቦሮሮ ሬስትሮፖ "ኣዝዩ ዘሻቕል" ክትብል ገሊጻቶ።
ጻብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብተወሳኺ ኣስታት 2.7 ቢልዮን ዶላር ዕዳጋ ውሽጢ ኮሎምቢያ ኣብ ምዕዳግን ምሻጥን ሓሽሽ ከምዝዉዕል የመልክት።
ኮሎምቢያ ኣንጻር ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ንዓመታት ዝተቃለሰት ኮይና፡ ካብ ኣመሪካ ንምግታእ ምስግጋር ሓሽሽ ዝውዕል ዓመታዊ 400 ሚልዮን ዶላር ከምዝወሃባ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ንቶም ምፍራይ ሓሽሽ ደው ዘብሉ መከሓሓሲ ዝኸውን ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ንክትቕበል ከምዝፈረመት ይሕበር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







