ክልል ኦሮሚያ፡ 9ይ ዉድባዊ ጉባኤ ኦህዴዉ ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, OPDO OFFICAL_FB
ዲሞክራሲያዊ ግንባር ህዝቢ ኦሮሞ፡ 9ይ ዉድባዊ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ጅማ የካይድ ኣሎ።
እቲ ጉባኤ፡ እቲ ዉድብ ዘቕረቦ ረቒቕ ምልዋጥ ስያመ፣ ኣርማን መዝሙርን ዘትዩ ከጽድቕ ትጽቢት ይግበር።
ኣቦ መንበር እቲ ዉድብ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ እቲ ጉባኤ ብዘረባ ዝኸፈቱ እንትኾን፡ ተወከልቲ ኣሓት ዉድባት ኢህወደግ'ዉን ተረኺቦም ዘረባ ኣስሚዖም'ዮም።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ዉድባት፣ ንጡፋት ማሕበራዊ ሚዲያን (ኣክቲቪስት) ካልኦት ዕዱማትን ተረኺቦም።
ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ሓድነት ኢትዮጵያ ናይ ምህላዉ ሓላፍነት ኣለዎ ኢሎም።
"ሓድነትና ክጠናኸር ኣለዎ፡ ሓደ እንተኾይንና ኢና እንስዕር። ኦሮሚያ ኣብ ኢትዮጵያ ድርብ ሓላፍነት'ዩ ዘለዋ" ኢሎም።
ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥንኩር ስርዓት ክንፈጥርን ክንሃንጽን ይግባእ'ዉን ኢሎም።
ዕድመ ንዝተገበረሎም ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ዉድባት ድማ፡ ሓድነትን ሰላምን ህዝብን ንምብታዕ ምስ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ዝሰርሑ እንተድኣ ኮይኖም፡ ካብ ጸላኢ ፈሊና ኣይንርእዮምን።
ብሰላማዊ መገዲ ምርጫ ተወዳዲሮም እንተድኣ ስዒሮም ግና፡ ወንበርና ንምርካብ ድልዋት ኢና ዝብል መልእክቲ ኣሕሊፉ።
ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቶ ለማ መገርሳ፡ ህዝቢ ንክጋጮ ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ኣብታ ሃገር እንተሃለዉ'ኳ፡ ህዝቢ ኦሮሞ ነዚ ጥፍኣቶም ከምዘይኽእልን ከምዝቃወሞምን ብምግላጽ፡ "ባህሊ ህዝቢ ኦሮሞ ኣይኮነን" ኢሎም።
እቲ ዉድብ ዘካይዶ ኣኬባ፡ "ዝሓሸ ሓሳብ ንዝበለጸ ዓወት" ብዝብል ቴማ፡ ንተኸታተልቲ ሰለስተ መዓልታት ክጸንሕ'ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







