ፓርቲ ኦሮሞ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኣብ ጉዳይ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ መንግስቲ ክኸስስ'የ ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, facebook/OFC
ፓርቲ ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ኣብዚ ወርሒ ዝተደንገገ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝጸደቐሉ መገዲ ሕጋዉነት ዝጎደሎ ብምዃኑ መንግስቲ ንምኽሳስ ተዳልየ'የ ኢሉ።
ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ፡ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዘዉጸኦ መግለጺ ቅዋም እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ከምዝቃወም ገሊጹ።
ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲ ኣይተ በቀለ ገርባ ንቢቢሲ ከምዝገለጹዎ ዝመርሕዎ ዉድብ እቲ ኣዋጅ ዘድልየሉ ነባራዊ ኩነታት ኣሎ ኢሉ ኣይኣምንን።
ካብዚ ሓሊፉ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ኣዋጅ ዘጽደቐሉ መገዲ ግቡእ ሕጋዉነት ዝጎደሎ'ዩ ኢሉ ከምዝኣምንን መንግስቲ ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ከምዝተዳለወን ተዛሪቦም።
"እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ዝጸደቐሉ መገዲ ሕገ መንግስቲ ዝጥሕስን ብሕጊ ዘሕትትን'ዩ። ንሕና እዛ ሃገር ብሕጊ ከምእትምራሕ ስለንኣምን ጠበቓ ቖጺርና እዚ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ክንወስዶ ኢና" ኢሎም ኣይተ በቀለ ገርባ።


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







