ጂሴፍ ኪፕሮኖ ኪፕቱም፡ ኬንያዊ ኣትሌት ኣብ ፍርቂ ማራቶን መደሊን ብመኪና ተገጭዩ

ጂሴፍ ኪፕሮኖ ኪፕቱም፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኬንያዊ ኣትሌት ጂሴፍ ኪፕሮኖ ኪፕቱም፡ ኣብ ኮሎምቢያ ኣብ ዝተኻየደ ዉድድር ማራቶን እናመርሐ ከሎ ብመኪና ተገጭዩ።

ወዲ 30 ዓመት ጂሴፍ ኪፕሮኖ ኪፕቱም፡ ዉድድሩ ክዛዝም ኣብ ዝቐረበሉ ሰዓት'ዩ መገዲ ብዝዓጸወት መኪና ዝተዓንቐፈ።

እቲ ኣትሌት፡ ኣብ ማእኸል መገዲ ግዝያዊ ረድኤት ሕክምና ተገይርሉ ናብ ሆስፒታል ዝተወሰደ ኾይኑ፡ ሕዚ ኣብ 'ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና' ይርከብ።

መነሓንሕቲ ጂሴፍ ኪፕሮኖ ኪፕቱም፡ ዳኒኤል ሙንዲ ሙተቲ ድማ ብ 1:03:45 ሴኮንድን እቲ ዉድድር ዛዚሙ።

ኣዳለዉቲ እቲ ዉድድር፡ "ጂሴፍ ኪፕሮኖ፡ ብወሃብቲ ህጹጽ ሓገዝ ሕክምና ማራቶን መደሊን መጺኡ'ዩ። ኣብ ዝተረጋግአን ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከብን ሰብ ሞያ ርእየሞ'ዮም። ካብ ሓደጋ ድሒኑ'ዩ" ኢሎም።

ጂሴፍ ኪፕሮኖ ኪፕቱም፡ ኣብ 2015 ኣብ ኮሎምቢያ ኣብ ዝተኻየደ ዉድድር ተዓዊቱ'ዩ።

ጆሴፍ ኪፕቱም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆሴፍ ኪፕቱም (ብማእኸል ኣብ ቕድሚት ዘሎ) ኣብ 2015 ኣብ መደሊን ዝነበረ ዉድድር ተዓዊቱ