ኢሉድ ኪፕ ቾግ፡ ኣብ በርሊን ሓድሽ ክብረ-ወሰን ዓለም ኣመዝጊቡ

ኬንያዊ ኢሉድ ኪፕቾግ፡ ኣብ በርሊን ኣብ ዝተኻየደ ዉድድር ማራቶን፡ ናይ ክልተ ሰዓት፡ ሓደ ደቒቕን ሰላሳ ሴኮንድን ሓድሽ ክብረ ወሰን ኣጽሒፉ።
ወዲ 33 ዓመት ኪፕቾግ፡ ናይ ብሕቱ ሓንቲ ደቒቕን ዕስራ ሴኮንድን ብምምሕያሽ፡ ዴኒስ ኪሜቶ ኣብ በርሊን 2014 ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዉድድር ኣመዝጊቡዎ ካብ ዝጸንሖ ክልተ ሰዓት፡ ክልተ ደቒቕን ሓምሳን ሸዉዓተን ሴኮንድን ኣመሓይሹዎ።
"ሓጎሰይ ክገልጾ ቃላት'ዩዝሓጽረኒ።ናይ ዓለም ክብረወሰን ምዕታረይ ዚያዳ ኣሐጒሱኒ'ዩ" ኢሉ ኪፕቾግ።
ናይ ኣዋልድ ዉድድር ማራቶን'ዉን ኬንያዊት ግላድየስ ቸሮኖ ዝተዓወተት ኾይና፡ ብ2:18:11 ዉድድራ ዛዚማ።
ብኻልኣይ ደረጃ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ሩቲ ኣጋ 2፡18፡34 ሴኮንድ ብምእታዉ ካልአይቲ ኾይና እንትትዛዝም፡ ክትዕወት ትጽቢት ተገይሩላ ዝነበረት ኣትሌት ጥሩነሽ ዲባባ ብ2፡18፡55 ሴኮንድ ብምእታዉ ሳልሰይቲ ኾይና።
ኪፕ ቾግ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ለንደን ማራቶን ንሳልሳይ ግዘ ዝተዓወተ እንትኾን፡ ብነዊሕ ርሕቐት ድማ ቻምፒዮን እቲ ኦሎምፒክ'ዩ።
"ከቢድ ነይሩ" ዝበለ ኪፕ፡ "ናይ ባዕለይ ዉድድር'የ ጎይየ፤ ልምምድ ዘስርሑኒ ዝነበሩ፣ ምድላወይን ኣሰልጣንየይን ኣሚነዮም ነይረ። እዚ እምነተይ ድማ ክሳብ እታ ናይ መወዳእታ ኪሎ ሜትሮ ክጎይዪ ሓቦ ኾይኑኒ" ኢሉ።

![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







