ዶረቲ በትለር ጊልያም፡ 'ኣነ ከዳሚት ኣይኰንኩን ሪፖርተር እየ'

ዶረቲ በትለር ጊልያም

ምንጪ ስእሊ, HARRY NALTCHAYAN, WASHINGTON POST

ዶረቲ በትለር ጊልያም፡ ኣብቲ ጸሊም ሕብረተሰብ ብዓሌታዊ ኣድልዎ ዝግለሉ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ሓንቲ ዓባይ ጋዜጣ ኣመሪካ ክትዓዪ ዝጀመረት ፈላመይቲ ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ጋዜጠኛ'ያ።

ሓደ እዋን፡ ኣብ ናይ መበል 100 ዓመት ልደት ዋሽንግተን ፖስት ፓርቲይ ክትሳተፍ ምስ መጽአት እቲ ሓላዊ ማዕጾ "መእተዊ ከደምቲ ብድሕሪት እዩ " ክብል በቲ ቀንዲ ኣፍደገ ክትኣቱ ከም ዘይትኽእል ሓበራ።

"ኣነ ከዳሚት ኣይኰንኩን፡ ሪፖርተር ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት እየ" ክትብል መለሰትሉ።

ዶረቲ ኣብ ጋዜጣ ዋሺንግተን ፖስት ከም ሪፖርተር ዝተቖጽረት ፈላሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ እያ።

ብ1961 እያ ኣብታ ጋዜጣ ስራሕ ጀሚራ። ኣብ ዝሰዓበ ሰለስተ ዓመት ከኣ ኣሰናዳኢትን ኣዳላዊ ዓምዲን ኰይና ብምዕያይ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ኣመሪካን መራኸቢ ብዙሃንን ዓቢ ለውጥታት ክኽሰት ርእያ።

ዶረቲ ተመሃሪት ቀዳማይ ዓመት ኮሌጅ እንከላ እያ ሃንደበት ናብ ጋዜጠኝነት ኣትያ።

ኣብታ ሉዊስቪል ደፍራንደር እትበሃል ሰሙናዊት ጋዜጣ ከም ጸሓፊት [ሰክረታሪ] ኰይና እናሰርሐት፡ ሓደ መዓልቲ እቲ ኣሰናዳኢ ስለ ዝተጸለኦ ቦትኡ ንኽትትክእ ይሓታ።

ዋላ ሓደ ተመኵሮ እኳ እንተዘይነበራ ብዛዕባ እታ ሽዑ ንእሽቶ ዝነበረት ከተማ ኬንታኪ ደረጃ መነባብሮ ማእከላይ ዝደረጃኦም ጸለምቲ ጸብጻብ ከተቕርብ ተላእከት ።

"እታ ፍጻሜ ዓይኒ ዝኸፈተትለይ ኣጋጣሚ እያ ነይራ። ጋዜጠኝነት ብግቡእ እንተተማሂረዮ ከም ሞያ ክስረሓሉን ምስቲ ካልእ ዓለም ከላልየኒ ከም ዝኽእልን ተረዲኡኒ" ትብል።

ኮሌጅ ድሕሪ ምውዳኣ ኣብ ከም ጀትን ኢቦኒን ዝኣመሰላ ፍሉጣት ናይ ጸለምቲ መጽሔታት ሰርሐት።

እቲ ቀንዲ ድሌታ ግን ኣብ መዓልታዊ ዜና ምስራሕ ነበረ።

ዕድል ገይራ ከኣ ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ናይ ጋዜጠኝነት ትምህርቲ ንኽትመሃር ቦታ ረኸበት።

ኣብቲ ትምህርቲ እቲ እንኮ ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ተማሃሪት ነበረት።

ትምህርታ ምስ ወደአት ከኣ ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሚኣ ኣብ ዋሽንግተን ፖስት ስራሕ ተዋህባ ።

ዶረቲ በትለር ጊልያም: ብ1958 ኣብ ቺካጎ ኣብ መጽሔት ጀት እናሰርሐት

ምንጪ ስእሊ, DOROTHY BUTLER GILLIAM

መግለጺ ስእሊ, ዶረቲ በትለር ጊልያም: ብ1958 ኣብ ቺካጎ ኣብ መጽሔት ጀት እናሰርሐት

ኣብ ዋሺንግቶን ፖስተ ናይ መጀመርታ ጸላም ኣፍሪቃዊት ኣመሪካዊት ጓለንስተይቲ ጋዜጠኛ ኬንካ ምስራሕ ንዶረቲ ኣዚዩ በዳሂ ነይሩ።

ስርሓ ከተሳልጥ ታክሲ ክትወስድ ምስ እትደሊ ሰብ ታክሲ ጠጠው ኣየብሉላን ነይሮም።

ኣብቲ ታክስታት ሰብ ዝጽዕናሉ ቦታ ደው ኢላ ኢዳ ተወዛውዝ እሞ እቶም ሰብ ታክሲ ደው ንኽብሉ ቀስ ኢሎም ምስ ቀረቡዋን ነቲ ጸሊም ቡናዊ ገጻ ምስ ረኣዩን ገዲፎሙዋ ይኸዱ።

መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት ሪፖርተር ናይ ዋሺንግተን ፖስት ክትከውን ትኽእል እያ ኢሎም ስለ ዘይኣምኑ ኣብቲ ዜና ኣብ ዝወሃበሉ ቦታ እውን ዓሌታዊ ኣረኣእያታት የጋጥማ ነይሩ።

"ኣብ ጋዜጣ ዋሺንግቲን ፖስት እናሰራሕኩ ኣረኣእያኦም ዘይቀየሩ ኣሰናዳእቲ ነይሮም። ሓደ ካብኣቶም ከኣ፡ 'ናይ ጸሊም ቅትለት ኣይንሽፍንን ኢና፣ ሞት ጸሊም ሕሱር እዩ' ምስ በለ ተጠሊዐ ከእውን ክሃድምን ደለኹ" ትብል ዶረቲ።

እንተኾነ ኣብቲ ቦታ ክትሰርሕ እንተኾይና ንነብሳ ከተርግኣን ነቲ ከምቲ ዓይነት ኣመለኻኽታ ቀስ ኢላ ክትገጥሞን ከም ዘለዋ ተረደአት።

ናብ ስራሓ እናኸደት ሃንደበታዊ ስምባደ ከጋጥማ እንከሎ ነቶም ኣብ መጽሔት ጀት መሳርሕታ ዝነበሩ ጸለምቲ ጋዜጠኛታት ሓገዝ ትሓትት ነበረት።

እቲ ክርስትያናዊ እምነታ በቶም ጸዓዱ መሳርሕታ ንዘጋጥማ ምጕናይ ንምጽዋር ከም ዝሓገዛ ትገልጽ።

እቶም ጸዓዱ መሳርሕታ፡ "ኣብ ስራሕ ሰላም ዶረቲ ይብሉንን ሓሓሊፎም እውን የዛርቡንን ክነሶም ኣብ ግዳም ግን ከምዛ ዘይፈልጡኒ እዮም ረጊጾሙኒ ዝኸዱ። እቲ ተግባር ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ንሓደ ጸሊም መሳርሕቶም ኣብ ቅድሚ ካልኦት ጸዓዱ ከም ዝፈልጥዎ ክእመኑሉ ዘይምድላይ እዩ" ትብል።

ይኹን እምበር፡ ዶረቲ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣሰናዳእቲ ዘጋጠማ ዝኾነ ይኹን ብድሆታት ክትጠርዕን ክትዛረበሉን ኣይትደልን ነበረት።

ዝኾነ እተቕርቦ ጥርዓን ጸለምቲ ጋዜጠኛታት ንኸይቈጽሩ ዓቢ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል የተሓሳስባ ነበረ።

ኣብ 1960 ኣብ ኣመሪካ፡ ንዶረቲ ከም ጸላም ሰበይቲ መጠን ምሳሕ ክትረክብ እኳ ኣጸጋሚ እዩ ዝነበረ ።

ዶረቲ ኣብቲ ጸለምትን ጸዓዱን ብሕብሪ ቆርበቶም ርኡይ ዓሌታዊ ፍልልይ ዝረኣየሉ ከባቢ እያ ዓብያ።

ጸለምቲ ከድምጹ ዕድል ኣይነበሮምን።

ትምህርታዊ ኰነ ናይ ስራሕ ዕድላቶም ድሩት እዩ ነይሩ። መሰረታዊ ሰብኣዊ ክብረት እውን ክሕደጉ ይኽእሉ ነይሮም እዮም ።

ዶረቲ በትለር ጊልያም፡ ኣብ 1954 ሉዊስቪል ምስ ዝበሃል ናይ ጠበቓ ትካል እናሰርሐት ምስ ተመረቕቲ ምዕራብ ፖይንት

ምንጪ ስእሊ, DOROTHY BUTLER GILLIAM

መግለጺ ስእሊ, ዶረቲ በትለር ጊልያም፡ ኣብ 1954 ሉዊስቪል ምስ ዝበሃል ናይ ጠበቓ ትካል እናሰርሐት ምስ ተመረቕቲ ምዕራብ ፖይንት

እንተኾነ ዋላ እውን ኣብ ዋሽንግተን እተን ኣብያተ መግቢ ከይተረፈ ንጸለምቲ የግልላ እየን።

እተን ናብ ቤት ጽሕፈት ዋሽንግተን ፖስት ቀረባ ዝኾና ኣብያተ መግቢ ንኣፍሪቃውያን ኣሜሪካውያን ኣገልግሎት ኣይህቡን ነይሮም።

ስለ ዝኾነ ዶረቲ ቁሩብ ርሕቕ ናብ ዝበለ ቦታ ብእግራ ተጓዒዛ ምስሓ ትበልዕ ነበረት።

ዛንታታት ጸለምቲ ብኻልእ መገዲ ናይ ምንጋር ኽእለት ከም ዘለዋ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ነይራ።

እቲ ኣብ ቀንዲ ማዕከናት ዜና ዝንበብ ኣሉታዊ ስእሊ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ብቐንዱ ድምጺ ጸለምቲ ስለ ዘይሰምዑ እዩ ።

"ነቲ ብዛዕባ ጸለምቲ ዝገልጽ ኣሉታዊ ወረ ጥራይ ሪፖርት ክገብር ድላይ ኣይነበረንን፣ ምሉእነት ናይ ጸሊም ህይወት ክሽፍን እየ ዝደሊ ነይረ" ከኣ ትብል።

ዶረቲ ዓበይቲ ፍጻሜታት ሲቪላዊ መሰላት ሸፊና እያ።

እቲ ብ1962 ዩኒቨርሲቲ ሚሲሲሲፒ ንሓደ ጀምስ መርዲት ዝተባህለ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ኣመሪካዊ መንእሰይ ናይ ትምህርቲ ዕድል ምስሃበ ዝተፈጥረ ናዕብን ዕግርግርን ሰኒዳቶ እያ።

ዶረቲ፡ ድሕሪ እቲ ዕግርግር ንማሕበረሰብ ጸለምቲ ኣዘራሪባ ዛንታ ክትጽሕፍ ዕዮ ተዋህባ።

እቶም ጸለምቲ መንእሰያት ልክዕ ከምቲ ናይ ተባዕ ጀምስ መርዲት ናይ ትምህርቲ ዕድል ክረኽቡ ከምዝደልዩ መጻኢ ተስፋኦም ነገሩዋ።

ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ዩኒቨርሲትን ዝያዳ ውህደት ክህሉን ናይ ጸዓዱ ልዕልና ክለዝብን ተስፋ ናይ ዝነበሮም ተባዓትን ትስፉዋትን ሰብኡትን ኣንስትን ዛንታ ጸሓፈት።

ነቶም ብጸዓዱ ጋዜጠኛታት ዝተጻሕፉ ዛንታታት ከተንብብ እንከላ፡ ጸለምቲ ከም ፈራሓትን ነብሰ ምትእምማን ዘይብሎምን ገይሮም ይርእይዎ ነይሮም።

"ኣነ ግን ከምኡ ኣይኰንኩን ረኺበዮም" ትብል።

ኣብ ሚሲሲፒ ንስራሕ ምስ ከደት ኣብቲ ናይ ጸዓዱ ሆቴላት ኽትሓድር ስለ ዘይተፈቕደላ ኣብቲ ናይ ጸለምቲ ሬሳታት ዝጸንሓሉ ቦታ ምስ ምውታት ሓዲራ።

"ነቲ ዝደልዮ ዛንታ ንኽረክብ ምስ ምዉታት እየ ዝድቅስ ነይረ። ስራሕካ ንከተስልጥ ከምኡ ኢኻ ክትገብር ዘሎካ" ትብል ።

ዶረቲ ሳልሳይ ቖልዓ ምስ ወለደት ኣብ መፋርቕ 1960 ካብ ዋሽንግተን ፖስት ወጸት።

ፈለማ ፍርቂ ካብ ግዜኣ ጥራሕ ንኽትስረሕ ደፋፊኦማ። ዳሕራይ ግን ንቝሩብ ግዜ፡ ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ መዓልቲ ክትሰርሕ ተፈቕደላ።

ብ1972 ግን ኣብቲ እትፈትዎ ናይ ስታይል (ኣከዳድና) ዓምዲ ከም ተሓጋጋዚት ኣሰናዳኢት ተቖጽረት።

"ብዛዕባ ናይ ጸለምቲ ባህሊ ብዝያዳ ክንዛረብ ብምኽኣልና ናይ ብሓቂ ዘሐጕስ ነይሩ፤ ምኽንያቱ ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ጸዓዱ ብዘይካ እቲ ምስ ገረድቶም ወይ ዓሻኽሮም ዝዛረቡዎ ካልእ ዝፈልጡዎ ኣይነበሮምን። እቲ ቀንዲ ነጥቢ ከኣ፡ ነቲ ናይ ጸለምቲ ባህሊ ምፍላጥን ምዝርጋሕን እዩ ነይሩ" ትብል።

ኣብቲ እዋን እቲ ዶረቲ፡ ብዛዕባ ጸሊም ተመክሮ ክጽሕፉ ዝኽእሉ ጋዜጠኛታት ክትቆጽር ኪኢላ እያ።

ድሕሪኡ ብ1979 ኣዳላዊት ዓምዲ ኰነት'ሞ ኣብ ትምህርቲ፣ ፖለቲካን ዓሌትን ብምትኳር ን19 ዓመታት ስረሐት።

ብ2003 ከኣ ጡረታ ወጽአት።

ዶረቲ በትለር ጊልያም

ምንጪ ስእሊ, DOROTHY BUTLER GILLIAM

ኣብቲ ናይ 50 ዓመት ናይ ጋዜጠኝነት ሞያኣ ዶረቲ ኩሉ ሳዕ መሪሕ ናይ ብዙሕነት እያ ነይራ።

ዶረቲ ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ብላክ ጆርናላትን ንሳ ዝመስረተቶን ኣባል ቦርድ ኮይና ዝመርሓቶን ንኣሽሓት ሰባት ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዓውደ ጋዜጠኛታት ዘምሃረን ዘሰልጠነን ቤት ትምህርቲ መሪሕ እያ።

" ንሓደ ዛንታ ብዓይኒ ሓደ ጕጅለ ሰባት ጥራይ ትጽሕፎ እንተኼንካ ዝተማልአ ሓቀኛ ዛንታ ክትነግሮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ንዓለም ብዝተፈላለየ ዓይኒ ዝርእይዋ ሰባት እንተዘይሃልዮም ዝተማልአ ስእሊ ኣይህልወካን እዩ" ትብል።

ዶሮቲ በትለር ጊልያም፡ ደራሲት ትሮልማዘርን፡ ንመራኸቢ ብዙሃን ኣመሪካ መልክዕ ኣመሪካ ንክህልዎ ዝጸዓረት ፈላሚት ጆርናል ተቓላሲት እያ።

ብ1968 ናይ ብሪጣንያ ቲቪ ነታ ናይ መጀመርታ ጸላም ጓለንስተይቲ ጋዜጠኛ ምስ ቖጸረ፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ተሪር ተቓውሞ ስለ ዝገብሩ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ስርሓ ተሰጎት።

ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ግን፡ ኣብ ብሪጣንያ ሽልማት ጆርናል ንኽብራ ተሰይሙ ኣሎ።

ባርባራ ብሌክ ሃና ንድሕሪት ምልስ ኢላ ነቲ ዘጋጠማ ክትርእዮ እንከላ እታ ሃገር ኣብ ልዕሌኣ ዝገበሮ ነገር ከመይ ኮን ይስምዓ ይኸውን?