ወከልቲ ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ለንደን ንግዳዊ ዝርርብ የካይዱ ኣለዉ

መራኽብ ኣብ ወደብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካን ቻይናን ዘለወን ንግዳዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ክዘራረባ ጀሚረን። ኣብቲ ሰኑይ ኣብ ለንደን ዝፈለመ ልዝብ፡ ጸሓፊ ንግዲ ሃዋርድ ሉትኒክ ዝርከቦ ልኡኽ ዋሽንግተን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ሂ ሊፈንግ ዝምራሕ ጉጅለ በዢንግ ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ወከልቲ ቻይና ከም ዝራኸብ ብዓርቢ ኣፍሊጡ ነይሩ። በይጂን'ውን ብወገና፡ ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሄ ሊፈንግ ኣብቲ ዝርርብ ክሳተፍ ምዃኑ ኣረጋጊጻ ምንባራ ይዝከር።

እዚ ምልክታ ዝወጽአ፡ ትራምፕን መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንን ዝሓለፈ ሰሙን ብተሌፎን ድሕሪ ምዝርራቦም ኰይኑ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ "ኣዝዩ ጽቡቕ ወግዒ፡" ክብል ገሊጹዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ እዘን ኣብ ዓለም ዓቢይ ቍጠባ ዝውንና ክልተ ሃገራት፡ ሓድሕደን ኣብ ዝሸያየጣኦ ኣቝሑ ግብሪ ንምንካይ ግዝያዊ ዕርቂ ክግበር ተሰማሚዐን እኳ እንተ ነበራ፡ ካብ ሽዑ ጀሚረን ግን እታ ሓንቲ ነታ ካልእ ስምምዕ ከም ዝጠሓሰት ክካሰሳ ጸኒሐን።

ትራምፕ ብዓርቢ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ጸሓፊ ገንዘብ ኣመሪካ ስኮት ቤሰንት፡ ምኒስተር ንግዲ ሃዋርድ ሉትኒክን ወኪል ንግዲ ጄሚሰን ግሪርን ሎሚ ሰኑይ ኣብ ለንደን ምስ ሰበስልጣን ቻይና ክራኸቡ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

ብሰንበት ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ምክትል ቀዳማይ ምኒስተር ሄይ ካብ 8 ክሳዕ 13 ሰነ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝህሉን ኣኼባ "ቍጠባውን ንግዳውን መዳይ ቻይናን ኣመሪካን፡" ከም ዝካየድን ጠቒሱ።

እዚ ሓድሽ ዙርያ ዘተ፡ ትራምፕ ብሓሙስ ምስ ሺ ዝገበሮ ናይ ተሌፎን ዝርርብ ብቐንዱ ኣብ ንግዲ ዘተኰረ ምዃኑን "ንኽልተአን ሃገራት ናብ ኣዝዩ እወታዊ መደምደምታ ከም ዘምጽአን፡" ድሕሪ ምግላጹ'ዩ።

ብመሰረት መንግስታዊ ማዕከን ዜና ቻይና ሺንሁዋ፡ ሺ ንትራምፕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ "ኣብ ልዕሊ ቻይና ዝወሰደቶ ኣሉታዊ ስጕምትታት ክትስሕቦ ኣለዋ፡" ኢሉ።

እቲ ጻውዒት፡ ክልተኦም መራሕቲ ኣብ ለካቲት ንግዳዊ ኲናት ካብ ዝለዓል ንፈለማ እዋን ክዘራረቡ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ትራምፕ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብ ብርክት ዝበላ ሃገራት ናብ ሃገሩ ኣብ ዝኣቱ ንብረት ስፍሕ ዝበለ ቀረጽ ከም ዝስልዕ ኣብ ዝገለጸሉ እዋን፡ ቻይና ብኸቢድ ተሃስያ እያ። በይጂን'ውን ኣብ ልዕሊ ኣቝሑ ኣመሪካ ልዑል ቀረጽ ብምንባር ምላሽ ሂባ። በዚ ድማ ሓድሕደን ክተሃላለኻ ቀረጽ ክሳብ 145 ሚእታዊት በጺሑ።

ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ስዊዘርላንድ ብዝተኻየደ ዝርርብ፡ ትራምፕ "ፍጹም ዳግመ ምትዕርራይ" ዝበሎ ግዝያዊ ዕርቂ ስዒቡ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ቻይና ዝነበራ ቀረጽ ናብ 30 ሚእታዊት ክወርድ እንከሎ፡ በይጂን ድማ ኣብ ልዕሊ ኣቝሑ ኣመሪካ ዝነበራ ቀረጽ ናብ 10 ሚእታዊት ከም ዝቐነሰትን ኣብ ወሳኒ ሰደድ ማዕድናት ዝነበረ ዕንቅፋታት ከም ዝልዓልን ቃል ኣትያ።

እቲ ስምምዕ ንኽልተኦም ወገናት ኣብ ንግዳዊ ስምምዕ ንምብጻሕ ንኽጽዕሩ፡ ናይ 90 መዓልታት ናይ ግዜ ገደብ ሂቡዎም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ቻይና ሂ ሊፍለንግ

ምንጪ ስእሊ, Bloomberg/Getty

መግለጺ ስእሊ, ምክትል ቀዳማይ ሚስተር ቻይና ዝመርሖ ጉጅለ ልኡኽ በዢንግ ኣብ ዝርርብ ለንደን ይሳተፍ ኣሎ

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ግን እቲ ዝምድናታት ዝደኸመ ይመስል። ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ "[ቻይና] ምሳና ዝገበረቶ ስምምዕ ፍጹም ጥሒሳ፡" ክብል ድሕሪ ምግላጹ፡ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ድማ ቻይና፡ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ "ብኸቢድ ጥሒሳ፡" ኢላ።

ኣመሪካ፡ ቻይና ንኢንዱስትሪ መካይንን ኮምፒዩተርን ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣገደስቲ ማዕድናት መሬትን ማግነታትን ዳግማይ ምልኣኽ ከም ዘይትጅምር ከሲሳ።

ብቐዳም ምኒስትሪ ንግዲ ቻይና፡ ዋላ'ኳ ኣየኖት ሃገራት ከም ዝተሳተፋ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ዘይሃበ፡ ንገለ ፍቓድ ሰደድ ፍሉያት መዓድናት ከም ዘጽደቐ ገሊጹ።

እዚ ዳግም ከም ዝዘራረቡ ብዓርቢ ሓበሬታ ዝወጽአ ድማ ትራምፕ፡ ሺ ንግዲ ፍሉይ መዓድናት መሬት ዳግማይ ክጅምር ከም ዝተሰማምዐ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ብሰንበት ዳይረክተር ሃገራዊ ቍጠባዊ ቤት ምኽሪ ዋይት ሃውስ ኬቪን ሃሰት ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሰደድ ኣገደስቲ ማዕድናት ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝቐልጠፈ ይሰዱ ኣለዉ። እንተዀነ፡ ከምቲ ኣብ ጀነቫ ዝበሉዎ መጠን ቅልጡፍ ኣይኰነን ዘሎ፡" ኢሉ።