ካብ ወተሃደራዊ ምርኢት ትራምፕን ተቓውሞታቱን፡ እንታይ ትጽቢት ይግበር?

ታንክን ሓንቲ ስፖርት እትሰርሕ ጓለንስተይትን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መበል 250 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት ኣመሪካ፡ 14 ሰነ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኽብ ኢሉ ክጽምበል ምሽብሻባት ይግበር ኣሎ።

እቲ መደብ ምስ መበል 79 ዓመት ልደት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝተጋጠመ ኰይኑ፡ እቲ ምርኢት፡ "መወዳድርቲ ዘይብሉ - ፍሉይ" ከም ዝኸውን እቲ ፕረዚደንት ይገልጽ።

ሰራዊት ኣመሪካ ከም ዝገለጾ፡ እቲ ምርኢት ክሳብ 45 ሚልዮን ዶላር ክውድእ እዩ፤ ዩኒፎርም ዝለበሱ ልዕሊ 7,000 ወተሃደራት፡ ዓሰርተታት ታንክታትን ወተሃደራውያን መካይንን ክሳተፋ እየን።

ብተወሳኺ፡ ናይ ምረሻ ባንድን ምርኢት ርችትን ከጠቓልል እዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ንምምሕዳር ትራምፕ ንምቅዋም ኣብ ልዕሊ 1,500 ከተማታት ኣመሪካ 'ኖ ኪንግስ' (ኣይፋል ንግስነት/ንጉስ) ዝተሰየመ ተቓውሞታት ክካየድ እዩ።

ኣዳለውቲ ናይዚ መደብ፡ እቲ ዝግበር ሰልፍታት ኣንጻር እቲ 'ብልሹው' ዝብሉዎ መንግስቲ፡ 'ሃገራዊ መዓልቲ ተቓውሞ' ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ወተሃደራዊ ምርኢት መኣስ እዩ ክካየድ?

እቲ ወተሃደራዊ ምርኢት ንቐዳም 14 ሰነ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 18፡00 (23፡00 GMT) ክጅምርን ኣብ ከባቢ ናሽናል ሞል ክካየድን መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።

ትኬት ዘየድሊ እኳ እንተዀነ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ሰራዊት ኣመሪካ ምምዝባብ ግን ንኽትርእዮ ኣብ ዝምችእ ቦታ ክትከውን ከም ዘኽእል ይገልጽ።

እቲ ዓቢይ ምርኢትን ጽምብልን ካብ 25 ክሳብ 45 ሚልዮን ዶላር ከም ዝውድእ ወሃቢ-ቓል ሰራዊት ሓቢሩ። ሓደ ክፋል ናይቲ ባጀት፡ ንጐደናታት ዲሲ ንምጽጋን ክውዕል ትጽቢት ይግበር።

ትራምፕ፡ "ኣገረምቲ ታንክታትን መስተንክር በረራታት ኣብ ርእሰ-ከተማና ከንጐድጕዱ እዮም፡" ኢሉ።

ኣብ ኣመሪካ ንመወዳእታ ግዜ ወተሃደራዊ ሰልፊ ዝተኻየደሉ፡ ኣብ 1991 ኣብ እዋን ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ቡሽ ዓቢይ ኰይኑ፡ ኲናት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዘብቅዓሉ እዋን እዩ።

እቲ ምርኢት፡ ድሕሪ ምዝዛም ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝተኻየደ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ጽምብል እዩ ነይሩ። 200,000 ዝግመት ህዝቢ ድማ ናብ ጐደና ወጺኡ ተመልኪቱዎ።

ተቓውሞ፡ "ኖ ኪንግስ" (ኣይፋል ንግስነት) ኣበይ እዩ ክካየድ?

ኣብዚ ሰሙን፡ ኣንጻር ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ኢምረይሽን ኣብ ኒው ዮርክ ዝተኻየደ ተቓዎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣንጻር ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ፖሊሲ ኢምረይሽን ኣብ ኒው ዮርክ ዝተኻየደ ተቓዎም

ንምምሕዳር ትራምፕ ንምቅዋም ኣብ መላእ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ 1,500 ከተማታት ሰልፍታት ከካይድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

"ፕረዚደንት ትራምፕ ታንክታት ኣብ ጐደናን ንዕብለላኡ ዘርኢ ምርኢት ተለቪዥንን ኣብ ዕለተ ልደቱ ይደሊ፣ ሓይሊ ዘርኢ ትርኢት ይመስል። እንተዀነ፡ እቲ ሓቀኛ ሓይሊ ኣብ ዋሽንግተን ካብ ዝካየዱ መድረኻዊ ፍጻመታት ዝመጽእ ኣይኰነን - ኣብ መላእ ሃገር ካብ ዘለዉ ሰባት ዝመጽእ'ዩ፡" ይብል መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ጕጅለ።

እዚ ድማ ከም መቐጸልታ ናይቲ ትራምፕ ኣብ ሎስኣንጅለስ ካሎፎርንያ ዝተላዕለ ተቓውሞ ወተሃደራት ድሕሪ ምልኣኹ ዝሰዓበ ቍጥዐ እዩ።

እቲ ብድሕሪ እቲ ሰልፍታት ዘሎ ጕጅለ ምንቅስቓስ 50501፡ ካብ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣንጻር እቲ ምምሕዳር ተቓውሞታት የካይድ ኣሎ። 50501 ዝብል ስም ን50 ግዝኣታት፡ 50 ተቓውሞታት፡ ሓደ ምንቅስቓስ ዝገልጽ እዩ።

ኣብ ቺካጎ፣ ኒውዮርክ፣ ፊላደልፍያ፣ ሻርሎት፣ ኣትላንታ፣ ሂዩስተንን ፎኒክስን ሓዊሱ ዓበይቲ ሰልፍታት ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ካርታ ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ ተቓውሞታት ኣብ ኵለን 50 ግዝኣታት፡ ካብ ኣላስካ ክሳብ ፍሎሪዳ ከም ዝካየድ የርኢ። ኣብተን ቀንዲ ደጀናት ትራምፕ ዝዀና ቴክሳስን ፍሎሪዳን እውን ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ተቓውሞታት ክካየዱ ተወጢኑ ኣሎ።