ኢራን፡ ብዛዕባ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ ኣዘዝትን ተመራመርትን እንታይ ንፈልጥ?

ብመጥቃዕቲ እስራኤል ዝተቐትሉ ሰለስተ ኣዘዝቲ

ምንጪ ስእሊ, TASNIM

ሓይሊ ኣየር እስራኤል ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየዶ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሓያለ ወተሃደራውያን መራሕቲን ተመራመርትን ተቐቲሎም።

እቲ ማዕበላዊ ደብዳባት ናብ ትካላት ኑክሌርን ወተሃደራዊ ዒላማታትን ዘነጻጸረ ምዃኑ'ያ እስራኤል ገሊጻ ዘላ። እቲ መጥቃዕቲ ንመዓልታት ክቕጽል ከምዝኽእል'ውን ኣጠንቂቓ'ላ።

መጥቃዕቲ እስራኤል "ኣዋጅ ኲናት'ዩ" ክትብል ዝኾነነት ኢራን፡ ሕነኣ ከምእትፈዲ ድሕሪ ምግላጻ፡ ድሮ ኣስታት 100 ድሮናት ናብ እስራኤል ከምዝሰደደት ጸብጻባት ሓቢሮም።

ዛጊት 70 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትሉ ጣህራን ኣፍሊጣ።

ካብዚኣቶም ቀንዲ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲን ተመራመርትን ምዃኖም'ውን ይግለጽ ኣሎ።

ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ኢራን

ቀንዲ ስሙ መሓመድ ሑሴን ኣፍሻርዲ ምዃኑ ዝንገረሉ ጀነራል ባገሪ

ምንጪ ስእሊ, TASNIM

መግለጺ ስእሊ, ቀንዲ ስሙ መሓመድ ሑሴን ኣፍሻርዲ ምዃኑ ዝንገረሉ ጀነራል ባገሪ

እቲ ዝለዓለ ኣዛዚ ሓይልታት ኢራን ሜ/ጀነራል መሓመድ ባገሪ ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከምዝተቐትለ ኣያቶላህ ካመነይ ኣረጋጊጹ።

ኢራን ክልተ ነናቱ ክንፍታት ዘለዎ ዝተፈላለየ ሰራዊት ከምዘለዋ ይፍለጥ። እቲ ሓደ እስላማዊ ሰውራ ኣብ 1979 ድሕሪ ምውልዑ ነቲ ንግስነት ዘፍረሰ ሰውራ ንምሕላው ዝቖመ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ድማ ካብቲ ንግስነታዊ መንግስቲ ዝተወርሰ ምዱብ ሰራዊት እዩ።

እቲ ቀንዲ ስሙ መሓመድ ሑሴን ኣፍሻርዲ ምዃኑ ዝንገረሉ ጀነራል ባገሪ ድማ ንክልቲኡ ሓይልታት ኣጣሚሩ ዝመርሕ ዝነበረ'ዩ።

እቲ ካብቶም ውሑዳት ናይ ሜጀር ጀነራል መዓርግ ዝተዋህቦም ባገሪ፡ ሓለቓ ስታፍ 'ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን' ዝነበረ'ዩ። ሓላፊ ክፍሊ ስለያ ሓይልታት ኢራን ኮይኑ'ውን ኣገልጊሉ'ዩ።

ኣብ 2016 ከኣ ኣዛዚ ኩሎም ሓይልታት እታ ሃገር ንክኸውን ብኣያቶላህ ካመነይ ተመዚዙ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ድማ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት እስላማዊ ሰውራን ሓይልታት ምክልኻል ኢራንን ብምዃን ኣገልጊሉ ምንባሩ'ውን ይፍለጥ።

ምክትል ኣዛዚ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝነበረ ሓዉ፡ ሓሳን ባገሪ፡ ኣብ እዋን ኲናት ኢራን-ዒራቕን ኣብ 1982 ከምዝተቐትለ ይንገር።

ኣዛዚ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ

ጀነራል ሑሴን ሳላሚ

ምንጪ ስእሊ, TASNIM

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ሑሴን ሳላሚ

ሓለቓ ስታፍ ናይቲ 'ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቀንዲ ሕመረት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ኣሎ።

ሜ/ጀነራል ሑሴን ሳላሚ ኣብ 2019 ኣዛዚ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን (IRGC) ኮይኑ ዝተመዘዘ'ዩ።

እቲ ፍሉይ ኣሃዱታት ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ካመነይ ብቐጥታ ዝመርሖ ኮይኑ ናይ ባዕሉ ሓይሊታት ኣየር፡ ባሕርን ምድርን፡ ከምኡ'ውን ጸረ-ሚሳይላትን ዘለዎ'ዩ።

ኣብ ፈለማ ናይቲ ካብ 1980-1988 ዝተኻየደ ኲናት ኢራንን-ዒራቕን ናብቲ ኣሃዱታት ዝተጸምበረ ጀነራል ሳላሚ፡ ን10 ዓመታት ምክትል ሓለቓ ስታፍ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ስርሒታት ናይቶም ሓይልታት ኮይኑ ኣገልጊሉ ነይሩ።

ኣቐዲሙ'ውን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ኣብ 1958 ኣብ ከተማ ጎልፓየጋን (ኣውራጃ ኣስፋሃን) ዝተወለደ ሑሴን ሳላሚ፡ ኣብ 1979 እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝነተጐሉ እዋን ናብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂን ሳይንስን ኢራን ብምኻድ ብመካኒካል ኢንጂኒሪንግ ተመሪቑ።

እቲ ኣዛዚ ኣንጻር ኣመሪካን እስራኤልን ብዘስምዖ ተሪር ነቐፌታ'ዩ ዝፍለጥ።

ኣዛዚ 'ካታም ኣል-ኣንቢያ'

ጎላሚ ራሺድ

ምንጪ ስእሊ, TASNIM

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ጎላም ዓሊ ራሺድ

ሜ/ጀነራል ጎላም ዓሊ ራሺድ፡ ሓደ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ዝነበረ'ዩ።

ኣብ ሰረተ-እምነት (ዶክትሪን) ሃገራዊ ምክልኻል ኢራን ዓቢ ጽልዋ ከምዝነበሮ ዝንገረሉ ጀነራል ራሺድ፡ ክኢላ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ምንባሩ'ውን ይግለጽ።

ኣብ 2016 ሓላፊ ማእከላይ ወተሃደራዊ እዚ እታ ሃገር ዝኾነ መዓስከር ካታም ኣል-ኣንቢያ ምዃኑ'ውን ንዘለዎ ተመክሮን ክእለትን ዘመልክት'ዩ ነይሩ።

እቲ ሳሕቲ ክዛረብ ዝስማዕ ጀነራል፡ ሓይልታት እታ ሃገር ንስግኣታት ኣመሪካን እስራኤልን ንምግታእ ድልውነቶም ከረጋግጹ የጠንቅቕ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ

ጀነራል ኣሚር ዓሊ ሓጂዛደህ

ምንጪ ስእሊ, WANA/Reuters

መግለጺ ስእሊ, ጀነራል ኣሚር ዓሊ ሓጂዛደህ

ሓይልታት እስራኤልን ማዕከናት ዜና ኢራንን ከምዝሓበርዎ፡ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ'ውን ኣብቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሉ ኣሎ።

ብ/ጀነራል ኣሚር ዓሊ ሓጂዛደህ ኣብ 2009 ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ናይቲ ፍሉይ እስላማዊ ኣሃዱታት ኮይኑ ብኣያቶላህ ተመዚዙ።

ኣብ ምምዕባል ሚሳይላት ኢድ ዝነበሮ ጀነራል ሓጂዛደህ፡ ኣብ 2006 ኣዛዚ ጸረ-ሚሳይላት እቶም ሓይልታት ምንባሩ'ውን ይግለጽ።

ኣብ ጥሪ 2020፡ ሓንቲ 176 ሰባት ኣሳፊራ ዝነበረት ነፋሪት መንገዲ ኣየር ዩክረይን ብሚሳይላት ኢራን ተሃሪማ ድሕሪ ምውዳቓ፡ ምሉእ ሓላፍነት ብምውሳድ መቕጻዕቱ ክቕበል ድልዉ ምንባሩ ተዛሪቡ ነይሩ።

ኣብ 2019 ሓንቲ ናይ ኣመሪካ ሰብኣልቦ ነፋሪት ስለያ ኣብ ወሽመጥ ሖርሙዝ ብኢራን ተሃሪማ ድሕሪ ምውዳቓ'ውን ዋሽንግተን እገዳ እንቢራትሉ ነይራ'ያ።

ተመራመርቲን ክኢላታትን ኑክሌር

ብዘይካ'ቶም ላዕለዎት ወተሃደራውያን ኣዘዝቲ፡ ሓያለ ተመራመርቲ ኢራን'ውን በቲ ናይ ሎሚ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ከምዘለዉ ይግለጽ ኣሎ።

ኢራን ከምዝበለቶ፡ ብውሕዱ 6 ሊቃውንቲ ኑክሌር ከምዝተቐትሉ ተረጋጊጹ።

ሓደ ካብኦም ሓላፊ ትካል ኣቶማዊ ጸዓት ኢራን ዝነበረ ፈረይዱን ዓባሲ እዩ።

እቲ ካልኣይ ድማ ፡ፕረዚደንት ናይቲ ኣብ ጣህራን ዝርከብ እስላማዊ ዩኒቨርሲቲ ኣዛድ ዝነበረ መሓመድ መህዲ ተህራንቺ ምዃኑ ተፈሊጡ።

ብዘይካ'ዚ፡ ዓብዶልሓደድ ሚኖጀሀር፡ ኣሕመድ ሬዛ ዞልፋጋሪን ኣሚርሑሴን ፈኪን ዝተባህሉ መምህራን ናይ ካልእ ኣብ ርእሰከተማ ጣህራን ዝርከብ ዩቨኒርሲቲ ሻደድ በሀሸቲ ግዳያት ናይቲ መጥቃዕቲ ኮይኖም ኣለዉ።

ሓደ ሞታለቢዛደህ ብዝብል ስም ዝተጠቕሰ ሻድሻዮም'ውን ተቐቲሉ ኣሎ።