ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ሕነ-ምፍዳይ ፈጺማ

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ዝወዓለ ሚሳኤላት ኢራን

ምንጪ ስእሊ, ABIR SULTAN/EPA-EFE/Shutterstock

ሓይልታት ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ "ዓሰርተታት ዒላማታት፡ ወተሃደራዊ ማእከላትን መዓስከራት ኣየርን" መጥቃዕቲ ከም ዘካየደ ገሊጹ።

ብመሰረት ዝተዋህበ መግለጺ፡ ኢራን ነቲ ስርሒት "ሓቀኛ ፕሮሚስ 3" ኢላ እያ ትገልጾ።

እቲ ብባሊስቲክ ሚሳይል ዝተሰነየ መጥቃዕቲ፡ ሕነ-ናይ ምፍዳይ ስጕምቲ እዩ።

እስራኤል ትማሊ ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዘካየደቶ ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ስፍራታት ዝዓነዉ ኰይኖም፡ ኣርባዕተ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ተመራመርትን ከም ዝቐተለት'ውን ጸብጻባት ይሕብሩ።

ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ ሕነ-ናይ-ምፍዳይ ስጕምቲ ስዒቡ፡ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ከም ዝሞቱ ትካል ህጹጽ ረድኤት እስራኤል (MDA) ኣፍሊጡ።

ኣብ ዕድመ ስሳታት እትርከብ ሰበይትን ሓደ ወዲ 45 ዝዕድሚኡ ሰብኣይን ከም ዝሞቱ እቲ ትካል ይሕብር።

ኣብ ዞባ ገማግም ባሕሪ እስራኤል ድማ ብሓፈሻ 21 ሰባት ከም ዝቘሰሉ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ብዓል ስልጣን ኣመሪካ ማኮይ ፒት፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወሰደቶ ስጕምቲ ሃገሩ ኣቐዲማ ክትፈልጥ ከም ዝተገብረት ሓቢሩ።

ፒት ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣመሪካ ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ኣቐዲማ ተሓቢራ'ኳ እንተ ነበረት፡ ኣብዚ መጥቃዕትታት ግን ወተሃደራዊ ኢድ የብላን፡" ኢሉ።

"ኣብቲ ዞባ፡ ቀንዲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕና፡ ምክልኻል ዜጋታት ኣባላትን ሓይልታትን ኣመሪካ'ዩ።"

ንሱ ወሲኹ፡ ኢራን ንዜጋታት፡ መደበራት ወይ መሰረተ-ልምዓት ኣመሪካ ዒላማ እንተ ገይራ፡ "ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘምጽኦ ሳዕቤን ኣዝዩ ከቢድ ክኸውን'ዩ፡" ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ኢራን ስምምዕ ክትገብር ከም ዘለዋ ከም እትኣምንን፡ "ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ" ድማ ክደልዩ ምዃኖምን ገሊጹ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ብወገኑ፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ኣብ እትህቦ ምላሽ ደው ክብል ዝቐርብ ጻውዒታት "ዘይምኽኑይ፡" እዩ ይብል።

ሰይድ ዓባስ ኣራግቺ ኣብ ተለግራም ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ደቪድ ላሚ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣራክቺ ንላሚ፡ እስራኤል ዝወሰደቶ ተግባር ንሃገራዊ ልኡላውነት ኢራን ዝጥሕስ ምዃኑን ኤውሮጳውያን ንመንግስቲ እስራኤል ዝገብሩዎ ደገፍ ከም ዝነቐፈን ገሊጹ።

ቻይናዊ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ፉ ኮንግ፡ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ኣብ ዝተኻየደ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ሃገሩ፡ እስራኤል "ልኡላውነትን ጸጥታን ኢራን ብምጥሓሳ፡" ከም እትዅንን ገሊጹ።

ቤጂንግ፡ ብዛዕባ እቲ ህሉው ኵነታት ኣብ ድርድር ንዩክለር ኢራን ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ እስራኤል ወተሃደራዊ ስጕምትታት ብቕልጡፍ ደው ከተብሎን ኣተሓሳሲባ።

ወኪል ቻይና ኣብ ው.ሕ.ሃ.

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓይሊ ኣየር እስራኤል ናብ ትማሊ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ ዘካየዶ መጠነ-ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሓያለ ወተሃደራውያን መራሕትን ተመራመርትን ከም ዝተቐትሉ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ማዕበላዊ ደብዳባት ናብ ትካላት ንዩክለርን ወተሃደራዊ ዒላማታትን ዘነጻጸረ ምዃኑ'ያ እስራኤል ገሊጻ ዘላ።

እቲ መጥቃዕቲ ንመዓልታት ክቕጽል ከም ዝኽእል'ውን ኣጠንቂቓ ዝንበረት ኰይና፡ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ከም ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል እታ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መጥቃዕቲ እስራኤል፡ "ኣዋጅ ኲናት'ዩ" ክትብል ዝዀነነት ኢራን ብወገና፡ ድሮ ሓያሎ ድሮናት ናብ እስራኤል ከም ዝሰደደት ጸብጻባት ሓቢሮም።

ዛጊት 70 ሰባት ብመጥቃዕቲ እስራኤል ከም ዝተቐትሉ ቴህራን ኣፍሊጣ።