ትራምፕ ንኢራንን ህዝቢ ኣመሪካን 'ጠሊሙ' - ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ኢራን

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካ ንሰለስተ ንዩክለሳዊ ቦታታት - ኣብ ፎርዶ፡ ናታንዝን ኢስፋሃንን ከም ዝሃረመት ትገልጽ።

ፎርዶ ካብ ቴህራን ንደቡብ ኣብ ዝርከብ ኣኽራናት ተሓቢኡ ዝርከብ ኰይኑ፡ ካብቲ ንዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ዘራኽብ መትረብ ታንለር ዝዓሞቐ ትሕቲ መሬት ምዃኑ ይእመን።

ፎርዶ ኣብ ትሕቲ መሬት ብምህላዉ እስራኤል ብመንገዲ ዘለዋ ኣጽዋር ክትሃርሞ ኣጸጊሙዋ ጸኒሑ።

ኣመሪካ ግን በቲ "ባንከር ባስተር" ዝበሃል ሓያል ቦምባ ገይራ ክትሃርሞ ከም እትኽእል ክግለጽ ቀንዩ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ድማ ነቲ ኣብ ንዩክለሳዊ ቦታታት ሃገሩ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝምልከት ኣብ ኢስታንቡል ኰይኑ ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ትራምፕ ንኢራንን ንህዝቢ ኣመሪካን "ጠሊሙ" ኢሉ።

"ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ዓለምና ዝካየዱ ዘለዉ ኣመሪካ እትሳተፈሎም ልዑል ወጻኢታት ዝሓቱ ውግኣት ደው ከብል'ኳ እንተ ተመርጸ፡ ኢራን ንዲፕሎማሲ ዘለዋ ተወፋይነት ብዘይግቡእ ብምጥቃም ንኢራን ጥራሕ ዘይኰነ፡ ንሓደ ገበነኛ ኲናት ብምድጋፍ፡ ልኡኽ ናይቲ ህይወትን ሃብትን ዜጋታት ኣመሪካ ምምዝማዝ ዝለመደ ስርዓት እስራኤል ብምዃን ንዝመረጾ ህዝቢ ኣታሊሉ'ዩ፡" ኢሉ።

ሃገሩ ኣብቲ ዞባ ንዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካ ዒላማ ክትገብር ድያ ወይስ ወሽመጥ ሕርሙዝ ክትዓጽዎ ትሓስብ ኣላ ዝብል ሕቶ ቀሪቡ እዩ።

ሕርሙዝ (Strait of Hormuz) ኣብ መንጎ ወሽመጥ ዓረብን ወሽመጥ ዖማንን ዝርከብ መጻብቦ እዩ።

ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝርከብ ጸቢብ መስመር፡ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ መስመራት መራኽብ ዓለም እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ሕምሲት ክፋል ናይቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ዘይተጻረየ ነዳዲ በዚ ኣዝዩ ጸቢብ መስመር ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ስፍሓቱ 40 ኪሎ ሜተር ጥራሕ እዩ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ዓበይቲ ኣፍረይቲ ነዳድን ጋዝን - ከምኡ'ውን ዓማዊሎም ይጥቀምሉ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ ነዚ ኣመልኪቱ ርእይቶ'ኳ እንተ ዘይሃበ፡ "ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣለዉና፡" ግን ኢሉ።

ንሱ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እስራኤልን ኣመሪካን ነቲ ዲፕሎማስያዊ ኣማራጺ "ከፍርስኦ" ከም ዝወሰና ተዛሪቡ ነይሩ።

እቲ ምኒስተር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣመሪካ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፡ "እስራኤል ዲፕሎማሲ ከተፈርስ ወሲና፡" ክብል ኣብ ኤክስ ገሊጹ'ዩ።

እቲ ምኒስተር፡ ምስ ሰበስልጣን ኤውሮጳ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዘጋጠመ እኳ እንተ ገለጸ፡ "ኣመሪካ ነቲ ዲፕሎማሲ ከተፍርሶ ወሲና፡" ክብል'ዩ ጽሒፉ።

ገለርያ ፎርዶ ካብ 80 ሜትሮ ክሳብ 90 ሜትሮ ትሕቲ መሬት ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝግመት።

ስለዚ፡ እቲ ኣመሪካ ዘለዋ ቦምባ ክበጽሖ ከም ዝኽእል ውሕስነት የሎን።

መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላት ንዩክለር እንታይ ዓይነት ጕድኣት ወይ ክሳራታት ከም ዘውረደ ዛጊት ዝተነጸረ የሎን።

እስራኤል፡ ኢራን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምፍራይ ኣብ ጥርዚ በጺሓ እያ፣ እዚ ድማ ንህልውናይ ከቢድ ሓደጋ እዩ ብምባል ክትከስስ እንከላ፡ ኢራን ብወገና እስራኤል ልዑላውነታ ስለ ዝተጣሕሰ ንነብሳ ካብ ምክልኻል ድሕር ከም ዘይትብል ተጠንቅቕ።

ብሰንኪ'ዚ፡ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝካየድ ዘሎ ስግረዶባዊ ጐንጺ፡ ናብ ኣዕናዊ ንዩክራዊ ኲናት ከምርሕ ከም ዝኽእል ዓለም ኣብ ከቢድ ስክፍታ ኣትያ'ላ።

ኢራን ወትሩ ንዩክለሳዊ መደባ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ምዃኑን ንዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ዝዀነ ድልየት ከም ዘይብላን ትገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን ኣህጉራዊ ትካል ኣቶሚክ ጸዓት (IAEA)፡ ድሕሪ 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን፡ ኢራን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝነበራ ግዴታ ከም ዝጠሓሰት ኣዊጁ።

ሃገራት ዓረብ እንታይ ኢለን?

ኣመሪካ ኣብ ኢራን ንዝርከቡ ንዩክለሳዊ ቦታታት ድሕሪ ምድብዳባ፡ ሃገራት ዓረብ ቅልጡፍ መልሲ ክህባሉ ተዓዚብና ኢና።

ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ቴህራንን ንዝካየድ ንዩክለሳዊ ዝርርብ ትሽምግል ዝነበረት ዖማን፡ ኣብ ኢራን ኣብ ዝርከቡ ንዩክለሳዊ ቦታታት ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣመሪካ ብትሪ ኰኒና።

ሱልጣን ወሽመጥ ዓረብ፡ ኣመሪካ ብቐጥታ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ወጥሪ እስራኤልን ኢራንን "ቀጥታዊ መጥቃዕቲ ኣየር ምጅማራ ኣብ ዘስዕቦ ምዕባለ ዓሚቝ ስክፍታ ከም ዘለዎ፡" ብምግላጽ ነቲ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።

ምስ ኣመሪካ ጽኑዕ ጸጥታዊ ርክብ ዘለዋን ሓንቲ ካብተን ናይ ዞባዊ መሻርኽታ ዝዀነትን ስዑዲ ዓረብ፡ "ምግሃስ ልዑላውነት ኢራን ከም እትዅንን፡" ብምግላጽ፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ "ኣብዚ ኣዝዩ ተነቃፊ ኵነታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ንምርካብ ጻዕርታት ከሐይል፡" ጸዊዓ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር፡ እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ሓደገኛ ወጥሪ ብደረጃ ዞባውን ኣህጉራውን ኣዕናዊ ሳዕቤን ከም ዝህሉዎ ኣጠንቂቑ።

"ኣብዚ እዋን ኵሎም ወገናት ጥበብ ከርእዩን [መጥቃዕቲታት] ክገትኡን ተስፋ ከም ዝገብር፡" ገሊጹ።

ግብጺ፡ "እቲ ዞባ ናብ ዝያዳ ህውከትን ወጥሪን ዝኣትወሉ ሓደጋታት፡" ከም ዘሎ ኣጠንቂቓ።

ካብቲ ቅልውላው ንምውጻእ ዘድሊ፡ "ወተሃደራዊ ፍታሕ ዘይኰነስ ፖለቲካዊ ፍታሕን ዲፕሎማስያዊ ዘተን ጥራሕ'ዩ፡" ኢላ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ሊባኖስ ጆሴፍ ኣውን "ምድብዳብ ንዩክለሳዊ ትካላት ኢራን፡ ካብ ሓደ ዞባን ሃገርን ንላዕሊ ጸጥታን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ወጥሪ ከይውስኽ ዘሎ ስግኣት ከም ዘዕብዮ፡" ገሊጹ።