ኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ምጥቃዕ እንታይ ሓደጋ ይህልዎ?

ኢራን ኣብ ትሕቲ ባይታ ዩራንየም ዘፍሪ ናታናዝ ዝብሃል መደበር ኒክለስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images / Maxar Technologies.

መግለጺ ስእሊ, ኢራን ኣብ ትሕቲ ባይታ ዩራንየም ዘፍሪ ናታናዝ ዝብሃል መደበር ኒክለስ

ቀንዲ ዕላማ እስራኤል ንኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ንምዕናው'ዩ።

ኣብ ማእከል ኢራን ዝርከብ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዩራንየም ዘፍሪ ናታናዝ ዝብሃል መደበር ኒዩክለስ ኢራን ብደብደብ እስራኤል ዕንወት ከምዘጋጠመ ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ምቍጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ይገልጽ።

እቲ ካልእ ኢራን ኣብ ትሕቲ ባይታ ኰይና ኒዩክለር ተማዕብለሉ ኣላ ተባሂሉ ዝእመን ፎርዶ'ዩ።

እንተዀነ ፎርዶ ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ቦታታት ብከበድቲ ድርዕታት ዝተሃደመን ስለዝዀነ እስራኤል ዓጢቓቶ ዘላ ከበድቲ ብረት ነቲ ድርዒ ሰርሲሩ ዕንወት ከብጽሓሉ ኣይክእልን'ዩ።

ንፎርዶ ከጥቅዕ ዝኽእል ቦምባ ዘለዋ ኣመሪካ ጥራይ'ያ።

ንፎርዶ ምጥቃዕ ወይ ምዕናው ግን እንታይ ሓደጋ'ዩ ዝህልዎ?

ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ምቍጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ንኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ዝግበር መጥቓዕቲ "ኣዝዩ ዘሻቕል'ዩ" ይብል።

ብሰኑይ ዳይረክተር ጀነራል ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ምቍጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ራፋኤል ግሮሲ "[ኒዩክለሳዊ መደራት ኢራን እንተተሃሪሙ] ኣብ ህዝብን ከባብን ሳዕቤን ከኸትል ዝኽእል ጸርግታት ክፍኑ ተኽእሎታት" ከምዘሎ ኣጠንቂቑ።

እንግሊዛዊ ፕሮፌሰር ፓዲ ሬገን ብወገኑ "ዩራንየም ንምዕዳን ኣብ ዝኳዓተሉ፡ እቲ ዩራንየም ብኸልተ መልክዕ'ዩ ዝርከብ፤ እቲ 99.3 ዩራንየም-238'ዩ እቲ 0.7 ሚእታዊት ከኣ ዩራንየም-235'ዩ፡ እቲ ዩራንየም-235 ከኣ'ዩ ንኒዩክለር መስርሒ ዝጠቕም" ይብል።

ተባራዒ ጸዓት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምምዕባል ማለት ብሓጺሩ፡ ዩራንየም-235 ምኽዕባት ማለት'ዩ።

እዚ ነቲ ዩራንየም ናብ ጋዝ ብምቕያር ኣብ ሓደ ማሽን ኣትዩ ብኣዝዩ ብርቱዕ ፍጥነት ብኽቢ ከምዝዀልል ይግብር፡ ዩራንየም-238 ካብ ዩራንየምን-235 ስለዝኸብድ ከኣ ኣብቲ ክባዊ ፍጥነት ነናቶም ጪራ ይፈጥሩ፡ ብኸምዚ ከኣ ይፈላለዩ።

ኒዩክለሳዊ ጸዓት ንምምንጫው ካብ 3-5 ሚእታዊት ዩራንየም'ዩ ዘድሊ። ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ግን መጠን ዩራንየም-235 ኣስታት 90 ሚእታዊት ክበጽሕ ኣለዎ።

ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ምቍጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ኢራን ኣስታት 60 ሚእታዊት መጠን ዩራንየም ተማዕብል ከምዘላ'ዩ ዝኸስስ። እዚ ከኣ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንምምዕባል ከምዝተቓረበት ዘርኢ'ዩ።

ክኢላታት ናብቲ ዩራንየም ተኣኪብሉ ዘሎ ኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ዝግበር ደብዳብ ልክዕ ከምቲ ኣብ ፉኩሺማ ወይ ቸርኖቤል ዝተራኣየ ዕንወት ከኸትል ከምዘይክል'ዮም ዝሕብሩ።

ፕሮፌሰር ጂም ስሚዝ ካብ ዩኒቨርስቲ ፖርትማውዝ፡ "እቲ ኣዝኡ ዝተጻረየ ዩራንየም ካብቲ ዘይተጻረየ ሰለስተ ዕጽፊ ጸርጊ ራድዮኣክቲቭ ኣለዎ፤ እንተዀነ ክልቲኦም ጽዑቕ ኢልካ ክስመ ዝኽእል ጸርጊ ራድዮኣኽቲቭ የብሎምን። ስለዝዀነ ከኣ ከቢድ ዝብሃል ከባብያዊ ዕንወት ከውርዱ ኣይክእሉን'ዮም" ይብል።

እቲ ፕሮፌስር፡"እቲ ንሕና ቀንዲ ንሻቐለሉ ዘለና ጉዳይ እቲ ውጽኢት ናይ 'ፊዥን' እዩ፡ እዚ ዩራንየም ብመልክዕ ኣበላላዒ [ሪኣክተር] ወይ ብመልክዕ ቦምባ ኰይኑ ምስ ተፈለየ ዝፈጥሮ ጸርግታት ኣሎ። እዚ ሲዝየም፡ ስትሮንትየምን ኣዮዲንን'ዩ፡ እዚ ከኣ ንከባቢ ኣብ ምብካል ዓቢ ግደ'ዩ ዘለዎ" ይብል።

እንተዀነ ኣብ መደበራት ኒዩክለስ ኢራን ዝማዕበለ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ስለዘየሎ ነቲ ቦታ ምድብዳብ ዘስዕቦ ከባብያዊ ሓደጋ ከምዘየሎ እቲ ክኢላ ይሕብር።

እቲ ካልእ ኢራን ኣብ ትሕቲ ባይታ ኮይና ኒዩክለስ ተማዕብለሉ ኣላ ተባሂሉ ዝእመን ፎርዶ'ዩ።
መግለጺ ስእሊ, እቲ ካልእ ኢራን ኣብ ትሕቲ ባይታ ኮይና ኒዩክለስ ተማዕብለሉ ኣላ ተባሂሉ ዝእመን ፎርዶ'ዩ

ከባብያዊ ስግኣት

ኣብ መደበር ናታናዝ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ምቍጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት ኣብቲ ቦታ ጸርጊ 'ራድዮኣክቲቭ' ከምዝረኸበ ይሕብር። እንተዀነ እቲ ጸርጊ ኣዝዩ ውሑድ ስለዝዀነ ኣብቲ ከባቢ ዝዀነ ሳዕቤን ከምዘይነበሮ ይገልጽ።

ፕሮፌሰር ካለራ ኮርክሂል ካብ ዩኒቨርስቲ ብሪስቶም "ዩራንየም ጥራይ እንተዀይኑ እቲ ጨረር ነዊሕ ኣይጕዓዝን'ዩ" ትብል።

እንተዀነ ነቶም ናብቲ መደበር ኣዝዮም ቀረባ ኣብ ዝዀነ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ሰባት ግን ጥዕናዊ ጸገማት ከስዕበሎም ከምዝኽእል እታ ክኢላ ትሕብር።


ኢራን ኒዩክለስ ተፍርየሉ ኣላ ተባሂሉ ዝእመን ቦታታት

"ንመርዛምነቱ ኣብ ዝምልከት፡ ብመልክዕ ትንፋስ ዩራንየም ናብ ውሽጢ ኣካላትካ ምስ ዝኣቱ ሓደገኛ'ዩ። እቲ ምኽንያት ከኣ እቶም ንጥረ ነገራት ናይ ዩራንየም ኣብ ሳንቡእናን ከብድናን ንዝርከቡ ዋህዮታት ቀጸላታት ብምስራሕ ስለዝሽፍንዎም'ዩ፤ ምስ ግዜ ከኣ ክሳብ ሞት ዝበጽሕ ዕንወት ከስዕቡ ይኽእሉ" ትብል።

ብዘይካ እዚ ዩራንየም ምስ ጠሊ እንተተራኺቡ፡ ብመልክዕ ምራተ ኣዝዩ ብርቱዕ ኣሲድ ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ከምዘለዎ እዞም ክኢላታት የረድኡ።

እንተዀነ እዚ ኢራን ተማዕብሎ ዘላ ዩራንየም ካብቲ መደበር ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ከምዘየለ ከኣ ይገልጽ።

ኤጀንሲ ዓለምለኻዊ ምቍጽጻር ኣቶሚካዊ ጸዓት፡ ነቲ ክስዕብ ዝኽእል ሓደጋታት ንምርዳእ ብጻዕቒ ይሰርሑ ከምዘለው'ዮም ዝገልጹ።