ኣብ ዛዕባ ግጭት እስራኤልን ኢራንን ዝለዓሉ ሕቶታትን መልሶምን

ምንጪ ስእሊ, WANA/Reuters
ኢራንን እስራኤልን ዝጀመራኦ ነንሓድሕድ ምጥቅቓዕ ሕጂ'ውን ይቕጽላኦ ኣለዋ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ናብቲ ግጭት ክትጽንበር ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ተሓተተ "ክገብሮ ይኽእል እየ፡ ዘይክገብሮ ይኽእል እየ" ኢሉ።
ትራምፕ፡ ናብቲ ዓለም ዘዘራረብ ዘሎ ወግእ ኢራን-እስራኤል ብቐጥታ ኢዱ ከእቱ ድዩ ዋላስ ክቝጠብ ዝብል ብዙሓት ዝጽበይዎ'ዩ።
ክኢላታትን ልኡኻትን ቢቢሲ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዝፍጸም ዘሎ፣ ከምኡ'ውን እቲ ግጭት እንተተጋዲዱ እንታይ ክኸውን ይኽእል ንዝብሉን ተዛመድቲ ሕቶታትኩምን ይምልሱ።
እስራኤል ስለምንታይ እያ ሕጂ ንኢራን ትድብድብ ዘላ?
እስራኤል ኣብዚ ጕዳይ ኣማራጺ ከም ዘይብላ ብምግላጽ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ኢራን ህንጸት ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ተቀላጠፍ ከም ዝነበረት ትኣምን።
ንኒኩለሳዊ ፕሮግራም ኢራን ንምግታእ ዝዓለመ ዝርርብ ናብ ዝዀነ ቦታ ከም ዘይበጽሕን እዚ ናይ መወዳእታ መማረጺ ከም ዝነበረን ድማ ትገልጽ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ካብ ኢራን ዝመጽእ ስግኣት ከም ዝረኣዩ፡ ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር እንተ ኣጥሪያ ቅድሚ ሕጂ ንሃገረ እስራኤል ከተጥፍእ ስለዝተሓነየት ክትጥቀመሉ ምዃና ይምጕቱ።
"ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምህናጽ ተቓሪባ ነይራ፡" ዝብል ምጕት እቲ ዝተረፈ ዞባ ከምኡ'ውን ዓለምለኻዊ ትካል ኣቶሚካዊ ጸዓት ዝካፈሎ ኣረኣእያ ኣይኰነን።
እቲ ናይ መወዳእታ ካብ ስለያ ኣመሪካ ዝተረኸበ ሓበሬታ'ውን ኢራን ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ከተፍሪ ቀሪባ እያ ኣይብልን።
- ፍራንክ ጋርድነር፡ ወኪል ጸጥታ
ሲቪላት ኢራን ናበይ ክኸዱ ይኽእሉ?
ምክልኻል እስራኤል ንገለ ክፋላት ርእሰ ከተማ ቴህራን ገለ ዝምልከት መምርሒታት ኣውጺኡ'ኳ እንተነበረ፡ እዞም ከባቢታት ግን ኣዝዮም ጽዑቓትን ልዑል ህዝቢ ዘለዎምን እዮም።
ዓበይቲ መስመራት መካይን ካብ ቴህራን ናብቲ ውሑስ ኢሎም ዝቘጽርዎ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ገጸን ክሃድማ ኣብ ዝፍትናሉ እዋን፡ ዓበይቲ ጽቕጥቕጥ ትራፊክ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ርኢና ኣለና።
ኣብቶም ከባቢታት እውን ኣድማታት ተገይሮም እዮም።
እቲ ዒላማታት እስራኤል ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝዀነ፡ ዝዀነ ከባቢ ውሑስ ተባሂሉ ክውሰድ ኣይክእልን።
ኣብ ቴህራን መንግስቲ እታ ሃገር፡ ሰባት ክዕቆቡ ምእንቲ፡ መደበራት ባቡር 24 ሰዓታት ክፉታት ከም ዝዀና ኣፍሊጡ።
ቴህራን 10 ሚልዮን ህዝቢ ስለ ዘለዋ፡ ክንድኡ ዝኣክል ሰባት ምውጻእ ብሓቂ ዝከኣል ከም ዘይኰነ ምግማት ይክኣል።
- ናፊሰ ኮህናቫርድ፡ ወኪል ማእከላይ ምብራቕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣመሪካ ናብቲ ግጭት እንተኣትያ፡ ኢራን ዒላማታት ኣመሪካ ከተጥቅዕ ድያ?
ብርግጽ ሓደጋ ኣሎ፤ ንኣመሪካ ዘስዕቦ ሳዕቤን ድማ ብመጠኑ ርኡይ እዩ።
ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ከባቢ 19 ቦታታት ካብ 40 ክሳብ 50 ሽሕ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣለዉ።
ኣብ ቆጵሮስ ዝመደበሮም ኣባላት ኣመሪካ፡ ኣብ ባሕሬን ድማ መሳለጥያ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣሎ።
እዚ ኵሉ፡ ኣመሪካ ኣብቲ ግጭት ብኸመይ ክትሳተፍ ከም እትውስን ዝምርኰስ ክኸውን'ዩ።
- ማይኪ ኬይ፡ ኣዳላዊ ጸብጻብ ጸጥታ
ወከልቲ ኢራን ምስ እስራኤል ዝግበር ግጭት ክድግፉዎ ድዮም?
ከምኡ ኣይመስለንን - ድሕሪ ሕጂ ኣይከውንን።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ድሕሪ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ እስራኤል ነቲ ብዙሕ ኢራን ዝነበራ መስመር ምክልኻል ኣጕዲላቶ እያ።
ኣብ ቓዛ ንሓማስ ኣዳኺማቶ፣ ኣብ ሊባኖስ ዝርከብ ዕጥቂ ሕዝቦላህ ብዓቢኡ ኣጥፊኣቶ፣ ሶርያ ድማ ድሕሪ ሕጂ መሓዛ ኢራን ኣይኰነትን፤ ምኽንያቱ ባሻር ኣልኣሳድ -ብእስራኤል እኳ እንተዘይኰነ -ካብ ስልጣኑ ስለ ዝተኣልየ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሑቲ ኣብ የመን ብተዛማዲ ድሩት እዩ።
ስለዚ ብዙሕ ብጽቡቕ ዝተዋደዱ ኣይኰኑን።
- ፍራንክ ጋርድነር፡ ወኪል ጸጥታ
መራሒ ኢራን መን እዩ፤ ክንደይ ደገፍከ ኣለዎ?
ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ እዩ።
ሃይማኖታዊ ሰብ'ኳ እንተዀነ ካብ ፕረዚደንት ኢራን ኣዝዩ ዝበዝሐ ስልጣን ኣለዎ።
ዋና ኣዛዚ ዕጡቕ ሓይልታት ኰይኑ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ድርድር ሓዊሱ ውሳነታት ሃገር የሕልፍ።
ደገፍ ኵላ ኢራን ግን የብሉን - ህዝቡ ተኸፋፊሉ ኣሎ፣ እቲ ፍልልይ ድማ እናዓሞቐ ይኸይድ ኣሎ።
ኢራን ቅድሚ ክልተ ዓመት ጥራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ሰፊሕ ተቓውሞታት ርእያ እያ።
ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ተቓውሞታት ተሳቲፈን፡ መሰለንን ናጽነተንን ይጠልባ ነይረን።
እዚ ስርዓት'ዚ ግን ሕጂ'ውን ደገፍቲ ከም ዘለዉዎ ሸለል ክንብሎ ኣይንኽእልን - እንተላይ ኣብቲ ምስቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር ዕጡቕ ሓይልታት።
- ናፊሰ ኮህናቫርድ፡ ወኪል ማእከላይ ምብራቕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ስርዓት ኢራን እንተተኣልዩ እንታይ የጋጥም?
ንጹር መልሲ የለን።
ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት መንግስቲ ንምትካእ ብሓባር ክሰርሕ ዝኽእል ስሙር ተቓዋሚ ከም ዘየለ ርኢናዮ ኢና።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ኣለዉ።
ሬዛ ፓህላቪ ዝተባህለ ኣብ ስደት ዝርከብ ወዲ ንግስነት ኢራን ነበር (ካብ 1941 ክሳብ 1979 ዝነበረ ንግስነት ኢራን) ኣብ ውሽጥን ወጻእን ደገፍቲ ኣለዉዎ፤ ብልክዕ ግን ክንደይ ዝኣክል ደገፍ ከም ዘለዎ ምግላጽ ኣይክኣልን።
ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ተሓድሶ ዝደልዩ ሓዊሱ ተቓወምቲ እውን ኣለዉ።
ናብቲ ቅድሚ ኣስታት 40 ዓመት ዝተገልበጠ ንግስነት ኢራን ክምለሱ ግን ኣይደልዩን ዝዀኑ።
ስለዚ ሓደ መተካእታ ኣሎ ድዩ ዝብል ንጹር ኣይኰነን።
- ናፊሰ ኮህናቫርድ፡ ወኪል ማእከላይ ምብራቕ
ፌርዶ ኣበይ ኣሎ፤ እንታይከ እዩ?
ፌርዶ ካብ ቴህራን ንደቡብ ኣስታት 200 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኢራን ካብ ዘለዋ ክልተ ኣገደስቲ ምስጢራዊ መደበር ኒዩክሌር ሓደ እዩ።
እዚ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ብዝብል ድማ ኣብ እምባ ተሓቢኡ'ዩ ተሃኒጹ።
ከምኡ'ውን ብመሰረቱ ኢራን ንዝተሃብተመ ዕቝር ዩራንየም ንምምዕባል ክትጥቀመሎም ዝጸንሐት ወሰንቲ ትካላት ምህብታም ሓደ እዩ።
ፌርዶ ድሮ ብሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ተሃሪሙ ኣሎ።
ይዅን እምበር፡ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፍ ሚሳይላትን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ዓቕሚ ምክልኻል ኣየርን ዝተኸተለ ምንባሩ ይእመን።
- ማይኪ ኬይ፡ ኣዳላዊ ጸብጻብ ጸጥታ
ኢራን ኒዩክለሳዊ ቦምባ ከተፍሪ ቀሪባ ድያ?
ኢራን ኒዩክለሳዊ ቦምብ ንምህናጽ ትሰርሕ ነይራ ድያ ኣይትሰርሕን ብርግጽ ዝፈልጡ ሰባት፡ እቶም ኣዝዮም እሙናት ኒዩክለሳዊ ሳይንቲስት ኢራን፡ ሰበስልጣን ጸጥታን እቲ ላዕለዋይ መራሒ ባዕሉን ጥራይ እዮም።
ዝተረፈ ኵሉ ግምት እዩ።
እቲ ስግኣት ግን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ተቘጻጻሪ ትካል ኒዩክሌር ሕቡራት ሃገራት (IAEA)፡ ኢራን ድሕሪ ኣስታት 20 ዓመታት ንፈለማ እዋን ፕሮግራማት ኒዩክሌር ናይ ዘይምዝርጋሕ ግዴታኣ ከም እትጥሕስ ሓበሬታ ምስ ረኸበ እዩ ተላዒሉ።
ኢራን ኣስታት 400 ኪሎ ግራም ዝምዘን ክሳብ 60% ዝሃብተመ ዩራንየም ኣኪባ ኣላ።
እዚ ድማ ካብቲ ንሲቪላዊ ኒዩክለራዊ ዕላማታት ዘድሊ ደረጃ ኣዝዩ ዝዛየደ እዩ።
እቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኢራን ምሉእ ብምሉእ ክትተሓባበር ከም ዘይከኣለት፡ ናብ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዘዘንበለ ኒዩክለሳዊ ንብረት ከም ዘየለ ከተረጋግጽ ከም ዘይከኣለት ገሊጹ።
እዚ ማለት ግን፡ ኢራን ቦምባ ክትሃንጽ ትጐዪ ከም ዝነበረት ዝገልጽ ኣይኰነን።
ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን "ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኢራን ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንምርካብ ከም ዝቐረበት ስለያ ኣረጋጊጹ" ክብል ገሊጹ።
ግን ናይ መን ስለያ?
እዚ ካብ መሓዙት እስራኤል ዝተረኸበ ከም ዘይኰነ ግልጺ'ዩ።
ኣብ መጋቢት፡ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ቱልሲ ጋባርድ ንኮንግረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኢራን ተራእዩ ዘይፈልጥ ዕቝር ኣጽዋር ዝኸውን ዩራንየም እኳ እንተሃለዋ፡ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ትሃንጽ ኣይትመስልን" ኢላ።
ኢራን ብወገና፡ ኑክሌሳዊ መደባ ምሉእ ብምሉእ ሰላማዊ ምዃኑ ወትሩ ትገልጽ።
- ፍራንክ ጋርድነር፡ ወኪል ጸጥታ
እስራኤልከ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣለዋ ዶ?
ኣስታት 90 ኒዩክለሳዊ ሚሳይላት ኲናት ከም ዘለዋ ግምታት ኣሎ።
እቲ ሓቀኛ መልሲ ግን ኣይንፈልጥን ኢና።
ኒዩክለሳዊ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ኣየረጋገጸትን ወይ ኣይከሓደትን።
እስራኤል ኣካል ናይቲ ዝያዳ ሃገራት ነቲ ቦምባ ከይረኽባ ዝዓለመ ዓለማዊ ስምምዕ ዝነበረ ውዕል ዘይምምዕባል መደባት ኒዩክለር ኣይኰነትን።
ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ንኽህልወካ ሰለስተ ነገራት የድሊ፡ ቀዳማይ፡ ክሳብ 90% ዝሃብተመ ዩራንየም፡ ካልኣይ፡ ሚሳይላት ውግእ ናይ ምህናጽ ዓቕሚ፡ ሳልሳይ ድማ ነቲ ሚሳይላት ውግእ ናብ ዒላማ ንምብጻሕ ዝሕግዝ መገዲ።
ኣብ ዝዀነ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ረቛሒታት ብእስራኤል ዝተኣወጀ ግሁድ ሓበሬታ የለን።
- ማይኪ ኬይ፡ ኣዳላዊ ሓጻር ጸጥታ




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







