ድሕሪ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ንፈለማ ግዜ ዝተቐልቀለ ኣያቶላህ ኻመኒ እንታይ በለ?

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ምቁራጽ ተዂሲ ድሕሪ ምእዋጁ ንፈለማ እዋን ዝተራእየ ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ንኣመሪካ "ከቢድ ጽፍዒት" ከምዝሃቡዋ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብታ ሃገር ወሳኒ ስልጣን ዘለዎ ኣያቶላህ፡ ኣመሪካ ንመደበራት ኑክሌር ኢራን ድሕሪ ምጥቃዓ ንፈለማ እዋን'ዩ ንህዝቢ መግለጺ ሂቡ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንኣድማዕነት መጥቃዕቲ ዋሽንግተን ከምዘጋነኖ፡ ዝምጉት እቲ ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ፡ በቲ ደብዳብ "ዝተጓናጸፎ ዓቢ ዓወት የለን" ክብል ተዛሪቡ።

ቅድሚ'ቲ ብቪድዮ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ'ውን፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ከምዝተዓወተት ይገልጽ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራን ጽዑቕ መጥቃዕቲ ኣየር ድሕሪ ምጅማራ፡ ቴህራን ማዕበላት ሚሳይል ብምውንጫፍ ግብረመልሲ ከምዝሃበት ይዝከር።

ኣብቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ "ኲናት 12 መዓልቲ" ክብል ዝሰመዮ ረጽሚ፡ ብወገን ኢራን ብውሕዱ 627 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣብ እስራኤል'ውን 28 ሰባት ከምዝሞቱ ጸብጻባት ይገልጹ።

ህዝቢ ኢራን "ሓደ ድምጺ" ክኸውን ከምዝኸኣለ ዝተዛረበ ኣያቶላህ ኻመኒ፡ ትራምፕ ኢዶም ክህቡ ምዝራቡ "ልዕሊ ዓቐን ኣፍ" እቲ ፕረዚደንት'ዩ ክብል'ውን ኣቆናጺቡ።

"ንከም ኢራን ዝበለት ዓባይ ሃገር፡ ኢድካ ምሃብ ዝብል ዘረባ'ውን ጸርፊ'ዩ" ይብል እቲ ኣያቶላህ።

"መጥቃዕቲ እንተድኣ ተፈጺሙ፡ ጸላእትን ወረርትን ዝኸፍልዎ ዋጋ ዓቢ ከምዝኸውን ርጉጽ'ዩ" ብምባል'ውን ኣጠንቂቑ።

እስራኤል፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካየደቶ ንፕሮግራም ምምዕባል ኑክሌር ኢራን ንምድምሳስን፡ ትካላት ሚሳይላት ኢራን ንምዕናውን ምዃኑ'ያ ትገልጽ።

ኢራን ብወገና፡ እቲ መደብ ሰላማዊ ኑክሌራዊ ጸዓት ንምምዕባል ዝዓለመ ምዃኑ'ኳ ክትምጉት እንተጸንሐት፡ ገሊኡ መደበራት ብምስጢር ዝተታሕዘ ምዃኑ ግን ናብ ወተሃደራዊ መዓላ ከየምርሕ ንእስራኤል ዓቢ ስግኣት ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ኣመሪካ ትርከበን ምዕራባውያን ሃገራት'ውን፡ ኢራን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ኑክሌራዊ ኣጽዋር ከተማዕብልን ክትውንን ከምዘየፍቅዳ ንጹር መርገጺ ከምዘለወን ይፍለጥ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ በተን ምዕቡላት ብራዳራት ክራኣያ ዘይክእላ ቢ-2 ዝተባህላ ደብደብቲ ነፈርቲ ኲናት ገይሩ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ንመደበራት ኑክሌር ኢራን ምሉእ ብምሉእ "ደምሲሱዎ" ክብል'ዩ ዝምጉት ዘሎ።

እንተኾነ ግን፡ እቲ ኤ-ኦ-ፒ (MOP) ብዝተባህለ ፍሉይ ኲዒታ ቦምባታት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ክሳብ ክንደይ ኣድማዒ ከምዝነበረ ኣካታዒ ኮይኑ ይርከብ። ብገምጋም ትካል ስለያ ወጻኢ ኣመሪካ (ሲ-ኣይ-ኤ) "ከቢድ ዕንወት" ከምዝወረዶ'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እስራኤል ብወገና፡ ዳግማይ ንክስስን ነዊሕ እዋን ከምዝወስደሉ ብምግላጽ፡ መጥቃዕታ ዕዉት ምንባሩ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ምዝራቡ ይዝከር።

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኣመሪካ ዝኾነ ኣቦመንበር ጠቕላሊ ስታፋት ጀነራል ዳን ኬን ሎሚ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ዝተደርበየ ቦምባታት ኣመሪካ ዒላማታቱ ብግቡእ ከምዝሃረመን ከምዝተፈንጀረን ካብ ምግላጽ ሓሊፉ ብዛዕባ ዘውረዶ ጉድኣት ብንጹር ኣይተዛረበን።

ብኣንጻሩ፡ እቲ ሓለቓኡ ዝኾነ ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት፡ እቲ መጥቃዕቲ "ታሪኻዊ ዕዉት መጥቃዕቲ" ክብል ብምግላጽ "ገዚፍ ጉድኣት" ኣውሪዱ ክብል ገሊጽዎ።

ብፍላይ እቲ ኣብ ልዕሊ ጎቦታት ፎርዶ ዝተደርበየ ኣብ ውሽጢ ሓደ ካልኢት ልዕሊ 300 ሜትሮ ዝውንጨፍ ሽዱሽተ ቦምባታት ነቲ ምስጢራዊ መደበር ተባሂሉ ዝተሰርሐ ምዃኑ'ዩ ጀነራል ኬን ዝገልጽ።

ሓደ ኣመሪካዊ ወተሃደራዊ መኮንን ንልዕሊ 15 ዓመታት ንፎርዶ ከጽንዕ ከምዝጸንሐ'ውን እቲ ጀነራል ይጠቅስ።

ኢራን ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣብ ቐጠር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ ዝፈጸመቶ ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ብዝምልከት፡ ኣቐዲሙ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ዝበዝሐ ኣብኡ ዝነበረ ሰራዊት ኣቐዲሙ ከምዝወጸን፡ 44 ወተሃደራት ጥራይ ንሓለዋ ከምዝተረፉን እቲ ጀነራል ገሊጹ።

ብኻልእ ወገን፡ እስራኤል ነቲ ብብልሽውና ተኸሲሱ ዘሎ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ ምሕረት ክትገብረሉ ዶናልድ ትራምፕ ጸዊዑ'ሎ።

ነታንያሁ፡ ብላዕ ምሃብ፡ ምጥፍፋእን ምጉዳል እምነትን ዝብሉ ክስታት ቀሪቦምሉ ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ትራምፕ ንእስራኤል ንምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘካየዶ መጥቃዕቲ ንነታንያሁ'ውን "ከድሕን" ከምዝኽእል'ዩ ኣሚቱ ዘሎ።