ደብዳብ ኣመሪካ ንኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ከምዘየዕነዎ ሰለያዊ መጽናዕቲ ገሊጹ

ኣመሪካ ኣብ ፎርዶ ድሕሪ ምድብዳባ ዝተወሰደ ናይ ሳተላይት ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Satellite image (c) 2025 Maxar Technologies via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣመሪካ ኣብ ፎርዶ ድሕሪ ምድብዳባ ዝተወሰደ ናይ ሳተላይት ስእሊ

እቲ ኣመሪካ ብቀዳ ም ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ ደብዳብ፡ ንዩክለሳዊ መደበራታ ከምዘየዕነዎን ምናልባት ንኣዋርሕ ጥራይ ንድሕሪት መሊስዎ ክኸውን ከምዝኽእልን ኣብ ፔንታጎን ብዛዕባ እቲ ደብዳብ ዝተገበረ ስለያዊ ዳህሳስ ገሊጹ።

እቲ ኢራን ከተማዕብሎ ዝጸንሐት ዩራንየም፡ በቲ ኣመሪካ ዝፈጸመቶ ደብዳብ ከምዘይዓነወ፡ ምስ ስለያን ምክልኻልን ኣመሪካ ቅርበት ዘለዎም ሰብ መዚ ንመላፍንቲ ቢቢሲ ዝኾነ ማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኣፍሊጦም።

ዋይት ሃውስ፡ ነቲ ሓበሬታ ካብ ታሕተዎት ስዑራት ኣባላት ማሕበረሰብ ስለያ ዝወጽአ'ዩ ብምባል "ውጹእ ሓሶት" ኢልዎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን እዚ ሓበሬታ እዚ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ንዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ምሉእ ንምሉእ ከምዝዓነወ ብምግላጽ፡ ሚድያታት "ነቲ ኣብ ታሪኽ ኣዝዩ ዕዉት ዝኾነ ወተሃደራዊ ደብዳብ ከቃልልኦ ይፍትና ኣለዋ" ኢሉ።

ኣመሪካ፡ ብቀዳም ኣብ ሰለስተ ኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን'ያ ደብዳብ ምክያዳ ይዝከር።

ኣብ ፎርዶ፡ ናትናዝን ኢስፋህን።

እንተኰነ ምስ ፔንታጎን ቅርበት ዘለዎም ወገናት፡ ደብዳብ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ትሕቲ ባይታ ዝተዶኰነ መደበር ኢራን ውሑድ ጽልዋ ጥራይ ብምፍጣር ከምዘይተንከፎ ይገልጹ ኣለዉ።

መእተዊ ናይተን ክልተ መደበት ብከቢድ ቀጸላ ተሃዲሙ ስለዝነበረ ገለ ክፋሉ ዕንወት ክወርዶ እንከሎ፡ እቲ ኣብ ዓᎁቕ ቦታ ዝተደኰነ ቀንዲ ክፋል ናይቲ መደበር ግን በቲ ደብዳብ ከምዘይተሃረመ ተገሊጹ።

ስሞም ክጥቀሱ ዘይደለዩ ኣካላት መንግስቲ ኣመሪካ ንማዕከን ዜና ሲቢኤስ ከም ዝሓበርዎ፡ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ዘብጽሓቶ ዕንወት ነቲ መደበር ምናልባት ንኣዋርሕ ጥራይ ንድሕሪት ክመልሶ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ኢራን ናብቲ ዝነበራ ኒዩክለሳዊ መደባት ንኽትምለስ፡ ኣብቲ ነቲ ወሪዱ ዘሎ ዕንወት ካብ መዓስ ጀሚራ ክትጽግኖ ክትጅምር'ያ ዝብል ነጥቢ ከምዝምርኰስ'ዮም እቶም ንሲቢኤስ ሓበሬታ ዝሃቡ ወገናት ዝገልጹ።

ብተወሳኺ ገለ ካብቲ ማዕቢሉ ዝነበረ ዩራንየም'ውን ኢራን ቅድሚ እቲ ደብዳብ ናብ ካልእ ቦታ ኣግዒዛቶ ከምዝጸንሓት እቶም ምንጪታት ንሲቢኤስ ሓቢሮም።

እታ ኢራን ኣብ ውሽጢ መሬት ኮይና ከተማዕብሎ ዝጸንሓት ዩራንየም፡ በታ ፍሉይ ዝኾነ ናብ መሬት ሰርሲሩ ዝኣቱ 14 ኩንታል ቦንባ ናይ ምሽካም ዓቕሚ ዘለዋ ፍልይቲ ነፋሪት ኣመሪካ ጥራይ ክድብደብ ከምዝኽእል'ዩ ብሰፊሑ ክግልጽ ጸኒሑ።

ኢራን እቲ ተማዕብሎ ዘላ ኒዩክለር ንሰላማዊ መዓላ ዝዓለም ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

መግለጺ ቪድዮ, ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ደብዳብ ኣመሪካ ንኒዩክለሳዊ መደበራት ኢራን ኣየዕነዎን ዝብል ዘረባ መልሲ እናሃበሉ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ደብዳብ ብቀዳም ምስ ተፈጸመ፡ ድሕሪ ሰዓታት፡ ኣቦ ወንበር ሓለቃ ስታፋት ኣመሪካ ጀነራል ዳን ከይን ንጋዜጣኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝወረደ ዕንወት ንምፍላጥ ግዜ ከምዝወስድ ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ ብምስዓብ "እተን ሰለስተ መደበራት ኣዝዩ ዓቢ ዕንወት'ዩ በጺሕወን" ኢሉ።

ብሳተላይት ዝተወሰደ ስእሊ፡ ኣብ ፎርዶ ኣብ ሽዱሽተ ቦታታት ሓደሽ እቲ ቦንባ ሰርሲሩ ዝኣተወሉ ጉድጓዳት የርኢ።

እንተኾነ፡ እቲ ስእሊ ኣብ ልዕሊ ፎርዶ ዝበጽሐ ዕንወት ኣየርእን'ዩ።

ምክትል ዳይረክተር ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢራን ሓሰን ዓበዲኒ፡ ኣመሪካ ደብዳብ ቅድሚ ምፍጻማ ኣብ ሰለስቲኡ መደበራት ዝነበረ ኩሉ ነገራት ኣቐዲሙ ናብ ካልእ ቦታ ከምዝግዓዘ ብምግላጽ "ኣቐዲሙ ግዒዙ ስለዝጸንሐ ኢራን ዓቢ ዕንወት ኣየጋጠማን" ኢሉ።

ብኻልእ መዳይ ሰብ መዚ ኣመሪካን እስራኤልን እቲ ደብዳብ ኣዝዩ ዕዉት ምንባሩ'ዮም ገሊጸሞ።

ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ "ኣብቲ ዝርኣናዮ ተሞርኲስና፡ እቲ ዝተፈጸመ ደብዳብ ንኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ናይ ምፍጣር ዓቕማ ደምሲስዎ'ዩ" ኢሉ።

ብምስዓብ "እቲ ቦምባታት ኣዕናዊ ኣይነበረን ዝብል ሰብ ንፕረዚደንትን ነቲ ዕዉት ተልእኾን ንምድኻም ጥራይ እዩ ዝጽዕር ዘሎ" ኢሉ።

ኣባል ኮንግረስ ኣሜሪካን ኣባል ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ዲሞክራትን ብራድ ሸርማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ደብደብ ዘብጽሖ ዕንወት ንጹር ኣብዘይኮነሉ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ዓወት ንምእዋጅ ዘይንጹር ቃላት ይጥቀም ምህላዊ ሓቢሩ።

"እቲ ምምሕዳር፡ ነቲ ኢራን ተማዕብሎ ኣላ ዝተብሃለ ዩራንየም፡ ወይ ኢቲ ትሽዓት ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከስርሕ ይኽእል'ዩ ዝተባሀለ ዘዋህለለቶ ዩራንየም የዕንይዎ ድዩ ኣይዕነዎን ኣይገለጸን" ኢሉ።

ሸርማን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ነቲ መደበራት ደምሲስናዮ ክብሉ ከለዉ፡ ነቲ ዩራንየም ንምፍላይ ዝሕግዝ ሴንትሪፉጅን ኣብ መጻኢ ዩራንየም ናይ ምፍጣር ዓቕሙኸ ደምሲሶሞ ድዮም ንዝብል ኣይገልጹን" ኢሉ።

"ኩሎም ምልክታት፡ እንኮላይ መግለጺ ምክትል ፕረዚደንት ቫንስ፡ እቲ ቀንዲ ዝረኸብናዮ ኣይመስለንን" ዝበለ ብራድ ሸርማን፡ ቅድሚ እቲ ናይ መጥቃዕቲ መዓልታት ናይ ጽዕነት መካይን ናብ ሓደ ካብቲ መሳለጥያታት ንብረት ተሸኪመን እናኸዳ ዘርኢ ምስልታት ኣመልኪቱ።

ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሞንጎ ክልትኤን ሃገራት ካብ 13 ሰነ ጀሚሩ ክካየድ ኣብ ዝጸንሐ ደብዳባት፡ እስራኤክ ንዩክለሳዊ መደባት ኢራን ኣብ ምብርዓንን ንኸበድቲ ብረታታት ኢራን ኣብ መድምሳስን ዕውትቲ ከምዝነረበት ሓቢሩ።

ኔታንያሁ ብቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ ናይ ቪድዮ መግለጺ "ክልተ ንህላዌና ስግኣት ዝነበረ ነገራት ኣወጊድና ኣለና። ምምዕባል ኒዩክለሳዊ ኣጽዋርን 20 ሽሕ ዝኸውን ባላስቲክ ሚሳኤልን" ኢሉ።

ኣል ሓዳት ዝተብሃለት ስዑድያዊ ማዕከን ዜና፡ ሽሞም ዘይገለጸቶም ሰብ መዚ እስራኤል ከም ምንጪ ብምውሳድ፡ እስራአል ዩራንየማት ኢራን በቲ ፍርስራስ ተጸቒጡ ኣሎ ኢላ ከምእትኣምን ኣቃሊሓ።

ኣመሪካ 18 ዝኾና ስለያዊ ማእከላት'የን ዘለዋኣ፡ ኣብቲ ዝነጥፋሉ ዓውድታታን ከባቢታትን ተሞርኵሰን ከኣ ሓደ ሓደ ግዜ ንሓድሕዱ ዝጋጮ ጸብጻባት የውጽኣ'የን።

ንኣብነት ስለያዊ ማዕከናት ኣመሪካ፡ ንመበቆል ኮቪድ ኣብ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓደ ዘሰማምዐን መደምደምታ ክበጽሓ ኣይክኣላን።

ኣብዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ ደብዳብ'ውን፡ ንመጠን ዝወረደ ዕንወት ኣብ ዝምልከት ዝተፈላለየ ጸብጻባት'የን ዘውጸኣ ዘለዋ።

ኢራን ንዩክለስ ተማዕብለሉ ዘላ ቦታታት ዘርኢ ካርታ
መግለጺ ስእሊ, ኢራን ንዩክለስ ተማዕብለሉ ዘላ ቦታታት ዘርኢ ካርታ