ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ንኲናት ደው የብልዶ?

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ኣልጀርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንዝተኻየደ ኲናት ደው ምባል ኣብ ሰነ 2000 ዝተበጽሐ ግዝያዊ ምቍራጽ፡ ቀዋሚ ስምምዕ ሰላም ክኽተም መገዲ ጸሪጕ እዩ

ትራምፕ፡ እስራኤልን ኢራንን ነባሪ ሰላም ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝበሎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል ከምዝበጽሓ ሰኑይ ምሸት እዩ ኣፍሊጡ።

እዚ ስምምዕ ድሕሪ'ቲ ን12 መዓልታት ዝቐጸለ፡ መጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል፣ ግብረመልሳዊ መጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ኢራን፡ ከምኡ'ውን ብኣመሪካ ዝተኻየደ ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን ደብዳብን፡ ብኢራን ዝተዋህበ ምላሽ ኣብ ልዕሊ መደበራት ኣመሪካ ኣብ ቐጠር እዩ ተበጺሑ ዘሎ።

ኢራን፡ እስራኤል መጥቃዕቲታታ ደው እንተቢላቶ ተዅሲ ደው ከተብል ድልውቲ ምዃና ክትገልጽ እንከላ፡ መንግስቲ እስራኤል ድማ "ዕላማታት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብምዕዋት" ነቲ እማመ ከምዝቕበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ተዅሲ ደው ምባል ድሮ ኣብ ኣብ ሓደጋ ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ግን ብቝጥዐ እስራኤልን ኢራንን ጥሒሰንኦ ብምባል ገሲጹ ናብ ግብራውነቱ ከምዝመለሶ ገሊጹ'ሎ።

እቲ ስምምዕ እንተጸኒዑ ናብ ቀዋሚ ሰላም ክሰጋገር ተስፋ ይግበር።

እዚ ግን ከምቲ ኣብ ካልእ ግጭታት ዝተራእየ ዓቢይን ውሕሉልን ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪታት ክሓትት እዩ።

ተዅሲ ምቍራጽ እንታይ ማለት እዩ?

ብመሰረት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣምር ኣንጻር ናይቲ "ተዅሲ ክፈት" ዝብል ቃል "ተኹሲ ደው ኣብል" ዝብል ወተሃደራዊ ትእዛዝ ዝመጸ እንተዀነ፡ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎ ሓደ ትርጕም የብሉን።

ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ኣብ ዘተኦም ዝበጽሕዎ ዝዀነ ይዅን ትርጕም ክህልዎ ይኽእል እዩ።

እዚ ምስ "ዕርቂ"ን "ፍታሕን"ን ዝብሉ ቃላት'ውን ተተኪኡ ከገልግል ይስማዕ እዩ።

ይዅን እምበር፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መንጐ "ተዅሲ ምቍራጽ"ን "ምቍራጽ ተጻብኦታት"ን ዝብሉ ኣምራት ፍልልይ ከምዘሎ ይገልጽ።

ትራምፕ ቅድሚ ናብ ፕረዚደንታዊት ሄሊኮፕተር ማሪን ዋን ምድያቡ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጐ እስራኤልን ኢራንን ተዅሲ ደው ምባሉ ኣፍሊጡ'ኳ እንተሎ ነዊሕ ክጸንዕ ይኽእልዶ ይኸውን?

"ምቍራጽ ተጻብኦታት" ውግእ ደው ንምባል ዝብጻሕ ዘይወግዓዊ ስምምዕ ክኸውን ከምዝኽእል ይገልጽ።

"ተዅሲ ምቍራጽ" ዝያዳ ወግዓዊ ክኸውን ዝኽእል ኰይኑ ብስምምዕ ዝልለየሎም ዝርዝራት ኣለውዎ፤

  • ዕላማ ናይቲ ምቍራጽ ተኹሲ
  • ዝስዕብ ፖለቲካዊ መስርሕ
  • ግዜ ትግባረ
  • ዝሽፍኖ ጂኦግራፍያዊ ስፍሓት

እንታይ ዓይነት ወተሃደራዊ ንጥፈታት ከም ዝፍቀዱን ከምዘይፍቀዱን፤ ኣተገባብራ እቲ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ብኸመይ ምክትታል ከምዝግበረሉ ብጽሑፍ ክሰፍር ይኽእል እዩ።

እስራኤላውያን ተዅሲ ደው ክብል ይጠልቡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስራኤላውያን ተዅሲ ደው ክብል ይጠልቡ

ንኣብነት ኣብ ላይበርያ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ 1993 ግዝያዊ መንግስቲ ሃገራዊ ሓድነት ምስ ሃገራዊ ሓርበኛዊ ግንባር ላይበርያን ምስ ስሙር ምንቅስቓስ ሓርነት ላይበርያ ንዲሞክራሲን ስምምዕ ምስ ገበሩ ኣብ መወዳእታ በጺሑ።

ክልቲኦም ወገናት ምእታው ኣጽዋርን ተተኮስትን [ካብ ወጻኢ] ደው ከብሉ፡ ካብቲ ዝሓዝዎ ወተሃደራዊ ቦታታት ከይቅይሩ ወይ ከየጥቅዑ፣ ተወሳኺ ተጻብኦ ከየለዓዕሉን ነተጕትን መቃጸሊ መሳርሕታትን ከይጥቀሙ ኣብ ስምምዕ በጺሖም።

ምቍራጽ ተዅሲ ነባሪ ድዩ ወይስ ግዝያዊ?

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክልቲኡ ክኸውን ከም ዝኽእል እዩ ዝገልጽ።

ሓደ ሓደ ግዜ፡ ተጻረርቲ ወገናት፡ ግዝያዊ ወይ መባእታዊ ተዅሲ ምቍራጽ ክሰማምዑ ይኽእሉ።

እዚ ድማ ዓመጽ ንምንካይ ወይ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ክኸውን ይኽእል።

እስራኤልን ብሓማስ ዝምርሑ ዕጡቓት ጕጅለታት ፍልስጤምን፡ ካብ 24-30 ሕዳር 2023 ብዝበጽሕዎ ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ሓማስ 105 ጅሆ ፈቲሑ፣ ኣምሳያኡ እስራኤል 240 እሱራት ፈቲሓ።

ሰፊሕን ዓሚቝን ዘተ ንምግባር ክሕግዝን ብኡ ኣቢልካ ቀዋሚ ወይ ናይ መወዳእታ ምቍራጽ ተዅሲ ንኽብጻሕ መገዲ ንምጽራግን ተባሂሉ እውን መባእታዊ ምቍራጽ ተዅሲ ስምምዕ ክግበር ይኽእል እዩ።

ተዋጋእቲ ላይበርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1993 ኣብ መንጎ መንግስቲ ላይበርያን ተጋደልቲ ሃገራዊ ግንባር ላይበርያ ዝተበጽሐ ምቍራጽ ተዅሲ ኲናት ክዛዘም ኣኽኢሉ እዩ።

ካልእ ኣብነት ንኲናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998-2000 ስዒቡ ዝተገብረ ስምምዕ ክጥቀስ ይከኣል። እዘን ሃገራት ኣብ 2000 ነቲ ኲናት ደው ንምባል ግዝያዊ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ስዒቡ ድማ ቀዋሚ ስምምዕ ሰላም ከቲመን።

እዚ ማለት፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ መወዳእታ ናብ ቀዋሚ ወይ ምቍራጽ ተዅሲ ንምብጻሕ ዘኽእል ዘተ ንምግባር ዝሕግዝ፡ ኣብ ሰነ 2000፡ መባእታዊ ስምምዕ ፈሪመን፤ ኣብ ታሕሳስ ድማ ከም ኣካል ናይቲ ነቲ ውግእ ዘብቅዐ ውዕል ኣልጀርስ ቀዋሚ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ፈሪመን።

ብሓፈሻ፡ እቶም ከምዚኦም ዝበሉ ስምምዓት ብሰንኪ ተኸታታሊ ፍሹል ወይ ተኣፋፊ መባእታዊ ስምምዕ ውግእ ክቕጽል ይኽእል እዩ።

ንኣብነት ነቲ ኣብ ሊባኖስ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዕ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝሸምገሎ ተኸታታሊ ስምምዓት ምቍራጽ ተዅሲ - ማለት ኣብ 1978፡ 1981ን 1982ን ፈሺሉ፤ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ስምምዕ ውግእ ተላዒሉ እዩ። እቲ ኣብ 1975 ዝጀመረ ኲናት ኣብ 1990 እዩ ኣብቂዑ።

ኣብ ገለ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ሓደ ወይ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት፡ ኣብ ባይታ ዝሓዝዎ ቦታታት ንምሕያል ወይ ኵነታቶም ንምስትኽኻል [ግዜ ንምዕዳግ]፡ መባእታዊ ምቍራጽ ተኹሲ ክደልዩ ይኽእሉ።

መብዛሕትኡ ግዜ ቀዋሚ ምቍራጽ ተኹሲ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ንዝተገብረ ዕዉት ዘተ ሰላም ስዒቡ ዝመጽእ እዩ።

ምፍታሕ ዕጥቂ ወይ ምፍናው/ምጥያስ ዕጡቓት ዝጸንሑ ሓይልታት ዘጠቓልል ኰይኑ፡ እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ጸጥታዊ ሕቶታት ድሕሪ ምፍርራም ንነዊሕ ዓመታት ዝቕጽል ክኸውን ይኽእል።

ኣብ 1998 ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝተገብረ ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት፡ ክልቲኦም ግዝያዊ IRAን እሙናት ጉጅለታትን ዕጥቆም ክፈትሑ ይጠልብ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1998 ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝተገብረ ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት፡ ክልቲኦም ግዝያዊ IRAን እሙናት ጉጅለታትን ዕጥቆም ክፈትሑ ይጠልብ ነይሩ።

ንኣብነት፡ ኣብ 1998 ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዝተገብረ ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት፡ ኣይኣርኤን እሙናት ጕጅለታቱን ኣጽዋሮም "ካብ ተጠቃምነት ወጻኢ" ከቐምጡ ከምዝተሰማምዑ ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

እቲ ስምምዕ፡ ኣብቲ ዞባ ነባሪ ሰላምን ስኒትን ንምድንፋዕ ዝዓለመ፡ ዶብ ሰሜን ኣየርላንድን ሪፓብሊክ ኣየርላንድን ንካብ ቀረጽ ነጻ ንግዲ ክፉት ምግባር ዝኣመሰሉ ዓንቀጻት ዝሓዘ እዩ።

እንታይ ዓይነት ውሱን ምቍራጽ ተዅሲ ኣሎ?

ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ "ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ" እስራኤል ን240 ፍልስጤማውያን እሱራት ብምፍታሕ፡ 105 ጅሆ ተለቒቘም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ቓዛ ኣብ ዝተኻየደ "ሰብኣዊ ምቍራጽ ተዅሲ" እስራኤል ን240 ፍልስጤማውያን እሱራት ብምፍታሕ፡ 105 ጅሆ ተለቒቘም።

እስራኤልን ሓማስን ኣብ ሕዳር 2023 ግዝያዊ ስምምዕ "ሰብኣዊ ደውታ [ተዅሲ]" ገይሮም ኔሮም።

ሰብኣዊ ደውታ ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ዓመጽ ውግእ ንምንካይ ወይ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ዝትግበር እዩ።

ንኣብነት መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ እቲ ከባቢ ምእንቲ ረዲአት ምዕዳል ክኽእላ፡ ምስ ክልተ ዕጡቓት ጕጅለታት - ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳንን ምንቅስቓስ ፍትሕን ማዕርነትን - ነቲ ውግእ ን45 መዓልታት ደው ኣቢልዎ።

ኣብ 2004፡ ኢንዶነዥያ ብሱናሚ ምስ ተወቕዐት፡ መንግስቲ ኢንዶነዥያን ምንቅስቓስ ነጻ ኣቸን፡ ኣብቲ ዝዋግኡሉ ዝነበሩ ከባቢታት ሓገዝ ምእንቲ ክበጽሕ፡ ብሓባር ተዅሲ ደው ምባል ኣዊጆም።

ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ጥራይ ዝግበር ውግእ ደው ንምባል፡ ስምምዓት ክህሉ ዝኽእል ኰይኑ፡ እዚ ድማ ጂኦግራፊያዊ ምቍራጽ ተዅሲ ይበሃል።

ኣብ 2018 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ መንግስቲ የመንን ሑቲን ኣብ ከባቢ ወደብ ሑደይዳ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ደው ንምባል ንህዝቢ እቲ ከባቢ ንምሕላው ዝተገብረ ስምምዕ ሸምጊሉ።