ኣመሪካ፡ ብኸመይ ንመደበራት ንዩክለር ኢራን ሃሪማቶ?

ስርሒት መጥቃዕቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝገልጽ ካርታ

ላዕለዎት ሰበስልጣን ፔንታጎን ብዛዕባ'ቲ ኣመሪካ ኣብ ሰለስተ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን ዘካየደቶ ስርሒት ሓድሽ ዝርዝራት የቃልዑ ኣለዉ።

ኣቦ መንበር ሓባራዊ ኣዘዝቲ ስታፍ ጀነራል ዳን ኬይን፡ "ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ዝዓበየ ስርሒታዊ መጥቃዕቲ ቢ-2፡" ክብል ብምግላጽ፡ ኣብቶም ዒላማታቱ፡ "ኣዝዩ ከቢድ ዕንወትን ክሳራን፡" ከም ዘውረደ ገሊጹ።

እቲ ጀነራል ብሰንበት ንግሆ (ምዕራባዊ ግዜ) ኣብ ፔንታጎን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ ኣብ ፎርዶ፡ ናታንዝን እስፋሃንን ኣብ ልዕሊ ንዩክለሳዊ ቦታታት ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ "ኣዝዩ ምስጢራዊ ተልእኾ እዩ ነይሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ግዜን እንታይነትን ናይቲ ውጥን ዝፈልጡ ሒደት ሰባት ጥራይ ከም ዝነበሩ ሓቢሩ።

እቲ ስርሒት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ እዩ ጀሚሩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰን፡ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ማርኮ ሩብዮን ላዕለዎት ኣባላት ፔንታጎንን ኣብ ፍሉይ ክፍሊ ዋይትሃውስ ብምዃን ነቲ ስርሒት ይከታተልዎ ነበሩ።

ኬይን፡ እቲ 'ሚድናይት ሃመር' ዝተሰምየ ተልእኾ፡ ካብ መደበር ሓይሊ ኣየር ዋይትማን ሚዙሪ ናብ ኢራን ንምብራቕ ዝበራ ሸውዓተ ቢ-2 ስፕሪት ቦምባ ነፈርቲ ዘጠቓለለ ምንባሩ ገሊጹ።

እቲ ስርሒት ብጸልማት ከደኖ ነቲ ጽኑዕ ዕርዲ መማዕበሊ ንዩክለር ኢራን ንምውቃዕ እዩ።

ካልእ ጕጅለ ቢ-2 ከም መሀመሊ ንምድንጋር ኣብ ልዕሊ ፓስፊክ ንምዕራብ በሪረን። ኣብቲ ዕለት ድማ ማዕከናት ዜና ነፈርቲ ኲናት ኣመሪካ ናብቲ ኣብ ደሴታት ማርያና ዝርከብ መደበር ኣመሪካ ጓም ከም ዘምርሓ ጸብጺበን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ እተን ቀንዲ ፈጸምቲ ዕላማ ናይቲ ስርሒት ዝዀና ነፈርቲ ብኣንጻሩ ንምብራቕ 18 ሰዓታት ዝወሰደ በረራ ኣካየዳ።

እተን ካብ ድምጺ ብርሃን ብቕሩብ ትሒተን ዝበርራ ነፈርቲ ውግእ፡ ልዕሊ 18 ሜትሮ ዕምቈት ንዘለዎ ኮንክሪት ሰርሲሩ ክኣቱ ዝኽእል "ባንከር ባስተር" ዝተባህለ ቦምባ ሓቚፈን ብልዕሊ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ በረራ።

እዚ ድማ ነቲ ኣብ ትሕቲ-መሬት ኣብ ውሽጢ ማዕሙቕ እምባ ተሓቢኡ ዝርከብ ማእከል ንዩክለሳዊ መደብ ኢራን ተባሂሉ ዝግለጽ መደበር ፎርዶ ንምውቃዕ ዘድሊ ኣጽዋር እዩ። ኣመሪካ እታ እንኮ እዚ ዓይነት ኣጽዋር ዘለዋ ሃገር እያ።

ሓደ ጕዕዞ 18 ሰዓታት ዝወሰደ በረራ - ካብ ሚዙሪ ኣመሪካ ናብ ፎርዶ ኢራን
መግለጺ ስእሊ, ሓደ ጕዕዞ 18 ሰዓታት ዝወሰደ በረራ - ካብ ሚዙሪ ኣመሪካ ናብ ፎርዶ ኢራን

እተን ነፈርቲ ንኣትላንቲክን ማእከላይ ባሕርን ኣብ ዝሰግራሉ ዝነበራ እዋን፡ ኣብ ኣየር እንከለዋ መስርሕ ምምላእ ነዳዲ ፈጺመን።

ቀጺለን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ መሬት ምስ በጽሓ፡ ምስ ካልኦት ነፈርቲ ውግእን ወሃብቲ ደገፍ ነፈርትን ኣመሪካ ተራኺበን። በዚ ድማ ብጥንቃቐን ዝተወደበን መንገዲ ስርሒተን ከም ዝፈጸማ ጀነራል ኬይን ይገልጽ።

ዓለም ገና እንታይ ይካየድ ከም ዘሎ ትፈልጥ ኣይነበረትን። ኵለን ኣዕይንቲ ናብተን ንመሀመሊ ናብ ምዕራብ ዝበረራ ካልኦት ነፈርቲ የቋምታ ነበራ።

ከባቢ ሰዓት 5፡00 ድሕሪ-ቐትሪ እታ ነፋሪት ቅድሚ ናብ ክሊ ኣየር ኢራን ምእታዋ፡ ካብታ ሓንቲ ኣብ ባሕሪ ዓረብ ዓስኪራ ዝነበረት ሳብማሪን ኣመሪካ ልዕሊ ዕስራ ቶማሃውክ ክሩዝ ሚሳይላት ኣብ እስፋሃን ኣብ ዝርከብ ቦታ ደብዲባ።

እተን ቀንዲ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክበራ ከለዋ፡ ንመሀመሊ ድማ ካልኦት ናብ ፓስፊክ ውቅያኖስ በሪረን
መግለጺ ስእሊ, እተን ቀንዲ ናብ ኣትላንቲክ ውቅያኖስ ክበራ ከለዋ፡ ንመሀመሊ ድማ ካልኦት ናብ ፓስፊክ ውቅያኖስ በሪረን

እተን ነፈርቲ ናብ ዕላማአን እናቐረባ ምስ ከዳ፡ ኣመሪካውያን ንኢራናውያን ሰበስልጣን ንምድንጋር ብኻልኦት ነፈርቲ ገይሮም፡ "ሓያሎ ናይ ምህማልን ምትላልን ሜላታት፡" ኣካየዱ።

ካልኦት ነፈርቲ ውግእ ካብ ነፈርቲ ኰነ ካብ መሬት ዝትኰስ ሚሳይላት ኢራን ንምፍታሽ ኣቐዲመን ይበራ ነበራ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ መንገዲ እንከለዋ ናብ እተን መጥቃዕቲ ዘካይዳ ነፈርቲ ኣመሪካ ዘቕንዐ ዝተተኰሰ ከም ዘሎ ኣይንፈልጥን ኢና፡" ይብል ጀነራል ኬይን።

እተን ወተሃደራውያን ነፈርቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ምክትታል በረራታት ስለ ዘይርኣያ፡ እቲ ፔንታጎን ብዛዕባ'ቲ ፍጻመታት ዝሃቦ መግለጺ ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ብሳትላይት ዝለዓሉ ኣሳእል፡ እቶም ቦምባታት ክሳብ ክንደይ ዕንወት ከም ዘውረዱ ንምግንዛብ ዝሕግዙ እኳ እንተዀይኑ፡ ብልክዕ ዝተሃርምሉ ሰዓታት ግን ክነግረና ኣይክእልን።

ከባቢ ሰዓት 6፡40 ድሕሪ-ቐትሪ (ሰዓታት ምዕራብ) ወይ ኣብ ኢራን ሰዓት 2፡10 ቅድሚ-ቐትሪ፡ እታ መራሒት B-2 ኣብ ፎርዶ ክልተ ብGBU-57 Massive Ordnance Penetrators ወይ MOPs ዝፍለጥ "ባንከር-ባስተር" ቦምባታት ኣውዲቓ።

ኣብ ዝቐጸላ 25 ደቓይቕ ብድምር 14 MOPs ኣብ ልዕሊ ፎርዶን ናታንዝን ተደርብዩ። እቶም ኣብ እስፍሃን ዝተደርበዩ ቶማሃውክ ዝበሃሉ ሚሳይላት'ውን ዒላማኦም ከም ዝወቕዑ ይግለጽ።

ዒላማ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ዝዀነ መደበራት ንዩክለር ኢራን

እተን ነፈርቲ ስርሒት ፈጺመን ካብ ክሊ ኣየር ኢራን ክወጽኣ ከለዋ፡ ዝዀነ ተዅሲ ከም ዘይተተኰሰለን እቲ ጀነራል ይገልጽ።

"ነፈርቲ ውግእ ኢራን ኣይበረራን። እቲ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝትኵስ ስርዓታት ሚሳይላቶም ዝርኣየና ኣይመስልን። ኣብ ምሉእ እቲ ስርሒት ሃንደበትነት ዓቂብናዮ ኢና፡" ኢሉ።

"ኣብዚ ተልእኾ ልዕሊ 125 ነፈርቲ ኣመሪካ ተሳቲፈን" ዝበለ ኬይን፡ ቢ-2 ቦምባ ዝድርብያ ነፈርቲ፡ ነፈርቲ ውግእ፡ ነዳዲ ዝመልኣ ነፈርትን ናይ ምክትታል ነፈርትን ዘጠቓልላ ነይረን። ኣብቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 75 ብልክዕነት ተልእኾኡ ዝፍጽም ተመራሒ ኣጽዋር ከም ዝተጠቕሙ ጀነራል ኬይን ኣብሪሁ።

ኣብቲ ዘካየድዎ ፋልማይ ገምጋም፡ ዋላ'ኳ ምሉእ ገምጋም ግዜ ዝወስድ እንተዀነ፡ ሰለስቲኡ ቦታታት ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት ከም ዝወረዶ ይሕብር።

ኢራን ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጕምቲ ከይትወስድ ድማ ኣጠንቂቑ፤ ሓይልታቶም ካብ ኢራን ኰነ መሻርኽቶም ንዝፍኖ መጥቃዕቲ "ምላሽ ክህቡ ንቑሓትን ድሉዋትን፡" ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ጸሓፊ ምክልኻል ፒት ሄግሰት፡ ነቲ መጥቃዕቲ "ንምእማኑ ዘጸግምን ፍጹምን ዓወት፡" ክብል ገሊጹዎ።

"ቢ-2 ነፈርታትና ኣትየን ወጺአን ... ዓለም ፈጺማ ከይፈለጠት ድማ ተመሊሰን፡" ይብል። "ብኸምኡ መንገዲ ታሪኻዊ እዩ ነይሩ፡" ይውስኽ።

ዓወት ከም ዝተጓናጸፉ ኣዊጆም። እቲ ሓቀኛ መጠን ናይቲ ዕንወትን ሳዕቤናቱን ገና ኣይተለክዐን ዘሎ።

ኢራን፡ መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ'ኳ እንተ ኣረጋገጸት፡ መጠን ናይቲ ዕንወት ኣንኢሳ ገሊጻቶን ዝርዝር ናይቲ ፍጻመ ዝገልጽ መብርሂ ኣይሃበትን።

ንምሉእ መጥቃዕቲ ዘርኢ ካርታ