ብዛዕባ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ኣብ ቐጠር እንታይ ንፈልጥ?

ምንጪ ስእሊ, USAF
ኣብ ጥቓ ከተማ ደውሓ - ቐጠር ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣመሪካ - ኣል ዑደይድ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝካየድ ስርሒታት ኣየር ዋሽንግተን ቀንዲ መዋፈሪ ኰይኑ ዘገልግል ኰይኑ፡ ኣስታት 8,000 ወተሃደራት ኣመሪካ ዝዓስከሩሉ እዩ።
ምስልታት ሳትላይት፡ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ልዕሊ ትካላት ንዩክለር ኢራን መጥቃዕትታት ቅድሚ ምፍጻሙ፡ ንቕድመ ጥንቃቐ ተባሂሉ ሓያሎ ነፈርቲ ካብ ቀንዲ ቅጥራን እቲ መደበር ናብ ካልእ ቦታ ክንቀሳቐሳ ከም ዝተገበረ የርእዩ።
እቲ ቴህራን ኣብ ልዕሊ እቲ መደበር ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ወዝቢ ኣይነበረን። ኣመርካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ድሕሪ ዝፈጸመቶም መጥቃዕትታት፡ ከምዚ ዓይነት ግብረ መልሲ ከም ዝመጽእ ኣቐዲማ ዝፈለጠቶን ዝተዳለወትሉን'ዩ።
ኵሎም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርከቡ ሓይልታት ኣመርካ፡ ንኸምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ ኣብ ልዑል ድሉውነት እዮም ጸኒሖም።
እዚ መደበር፡ ኣብዚ እዋን ከም ዋና ቤት ጽሕፈትን መደበር ሎጂስትክን ስርሒታት ኣመርካ ኣብ ዒራቕ ኰይኑ የገልግል። ኣብ ዞባ ወሽመጥ ዓረብ ዝነውሐ መዓርፎ ነፈርቲ'ውን ዘጠቓለለ እዩ።
ሓይልታት ብሪጣንያ'ውን ነዚ ሓደሓደ እዋን ኣቡ ናኽላ መዕርፎ ነፈርቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ መደበር፡ ከም መዋፈሪ ይጥቀምሉ እዮም።
ቐጠር ካብ 2000 እያ፡ ንኣመሪካ ነቲ ወተሃደራዊ መደበር ክትጥቀም ፈቒዳትላ። ኣመሪካውያን ኣብ 2001 ነቲ መደበር ናይ ምምራሕ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዞም ድማ፡ ደውሓ ዋሽንግተንን፡ ህላወ ወተሃደራት ኣመሪካ ኣብ ኣል ዑደይድ ኣብ 2002 ወግዓዊ ከም ዝገበራኦ ትካል ስለያ ግረይ ዳይናሚክስ ይሕብር።
ኣብ 2004፡ ኣመርካ፡ ህላወ ሰራዊታ ኣብ ቐጠር ንተወሳኺ 10 ዓመታት ክናዋሕ ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሐት ማዕከናት ዜና ኣቃሊሐን ነይረን።
ግበረመልሲ ኣመሪካ?
ፕረዚደንት ትራምፕን ሰክረታሪ ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገርን ኣብ መከታተሊ ክፍሊ (Situation Room) ኰይኖም፡ ካብ ቐጠር ንዝመጽኡ ጸብጻባት ይከታተሉ ነይሮም።
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ኣብቲ ዞባ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ ኣብቲ መደበር ምብጻሕ ኣካይዱ ነይሩ እዩ።
ሻቡ ንኣባላት እቲ ኣብ ኣል ዑደይድ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣብ ዝገበሮ መደረ፡ "ከም ፕረዚደንት ቀዳምነት ዝህቦ ግጭታት ከብቅዑ ምኽኣል'ምበር ምጅማር ኣይኰነን። ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ ግን፡ ንኣመሪካ ወይ መሻርኽትና ንምክልኻል ሓይሊ ኣመሪካ ካብ ምጥቃም ንድሕሪት ኣይብልን፡" ኢሉ ነይሩ።
ኣመሪካ ብቐዳመ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ቴህራን ሕነ እንተ ፈድያ "ዝገደደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ" ከም ዝወርዳ እቲ ፕረዝደንት ኣጠንቒቑ ነይሩ።
ዋላ'ኳ ገለ ጸብጻባት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እቲ መደበር ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዘውረዶ ጕድኣት ከም ዘየሎ እንተ ኣመልከቱ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ግና ነዚ ግብረመልሲ ንምሃብ ዓቢይ ጸቕጢ ክስመዖ እዩ፤ ከምኡ'ውን ታህዲዱ (መጠንቀቕታኡ) ባዶ ዘረባ ከም ዘይኰነ ከርኢ እዩ።
ብኣመሪካ ዝተዓጥቀት ቐጠር
ምስ ቐጠር ጥቡቕ ርክብ ዘለዋ ኣመሪካ፡ ልዕሊ 26 ቢልዮን ዝግመት ወተሃደራዊ መሳርሒ፡ ኣጽዋራትን ኣገልግሎታትን ብፕሮግራም ወተሃደራዊ መሸጣ ንመንግስታት ወጻኢ (FMS) ሂባታ'ያ። እዚ ድማ ቐጠር ብስርዓተ ወተሃደራዊ መሸጣ፡ ኣብ ዓለም እታ ካልአይቲ ዝዓበየት መሻርኽቲ ኣመሪካ ይገብራ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝተፈፀመ እቲ ዝዓበየ ፕሮግራም ወተሃደራዊ መሸጣ ንመንግስታት ወጻኢ፡ ኣመሪካ፡ ጥሙር ስርዓተ ምክልኻል ኣየርን ሚሳይልን፡ ታክቲካዊ ባለስቲክ ሚሳይላት፡ ክሩዝ ሚሳይላትን ምዕቡላት ነፈርትን ንምዕጋት ዘኽእል ናይ ነዊሕ ርሕቀት ስርዓተ ሚሳይል 'ፓትሪዮት' ሓዊሱ፡ ማእከላይ ርሕቐት ዘለዎ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር፡ ኣቐዲሙ ስግኣታት ዝኸሽፍ ራዳር AN/FPS-132፣ ነፈርቲ ውግእ F-15QA ከምኡ'ውን AH-64E ሄሊኮፕተራትን ንቐጠር ኣዕጢቓታ እያ።
ነፍስወከፍ እዚ ፕሮግራም፡ ምህናጽ መሳለጥያታት፡ ቀረብ ተተኰስቲ፡ ሎጅስቲክን ሓገዝ ስልጠናን ዘጠቓለለ እዩ።
ኢራን ኣብቲ መደበር ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ዕዉት እዩ ትብል?
ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕንነት ኢራን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኢራን ኣብ ቐጠር ንዝርከብ መደበር ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ "ከም ዝሓምሸሸቶ" ብምሕባር፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ቐጠርን ህዝባን ሓደጋ ንምውራድ ዝዓለመ ከም ዘይኰነ ገሊጹ። ኢራን ምስ ቐጠር ዘለዋ፡ "ልባዊን ታሪኻውን ርክባት ንምቕጻል ድልውቲ ምዃና፡" ድማ ሓቢሩ።
እቲ ብሃገራዊ ፈነወ ዜና ኢራን ዝተዘርግሐ መግለጺ ላዕለዋይ ቤትምኽሪ ሃገራዊ ድሕንነት ኢራን፡ "ኢራን ዘወንጨፈቶም ሚሳይላት፡ ምስቶም ኣመሪካ ንሰለስተ መደብራት ንዩክለር ኢራን ንምድብዳብ ዝተጠቐመትሉም ቦምባታት፡ ማዕረ ብዝሒ ከም ዘለዎም፡" ገሊጹ።
ቐጠር ኵሎም ሚሳይላት ኢራን ከም ዝበርዓኑ ትገልጽ
ወሃቢቓል ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቐጠር ማጅድ ኣ'ናስር ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ "እዚ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን ክሊ ኣየርን ሃገረ ቐጠር፡ ዓለምለኸ ሕጊን ቻርተር ሕቡራት ሃገራትን ከም ዝተፈጸመ ቅሉዕ ጥሕሰት ኢና ንርእዮ፡" ብምባል፡ ነቲ ቴህራን ኣብ ልዕሊ መደበር ኣል ዑደይድ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኰኒኑ።
ስርዓተ ምክልኻል ቐጠር፡ ነቲ መጥቃዕቲ ብዕዉት መንገዲ ከም ዘተዓናቐፎን ንሚሳያላት ኢራን ከም ዝኸሸፎምን፡" ብምግላጽ፡ እቲ መደበር ኣቐዲሙ ከም ዝገዓዘ ገሊጹ።
እቲ ወሃቢቓል ወሲኹ፡ "ኣባላት ሓይልታት ቐጠር፡ መሓዙት ሓይልታትን ካልኦትን ሓዊሱ ድሕነት ናይቲ መደበር (ኣል ዑደይድ) ንምውሓስ ኵሉ ዘድሊ ስጕምትታት ተወሲዱ'ዩ። በቲ መጥቃዕቲ ዝዀነ ዘጋጠመ ዕንወት ይዅን ኣብ ልዕሊ ሰባት ዝወረደ ጕድኣት ከም ዘየሎ ነረጋግጽ፡" ኢሉ።
ቐጠር፡ "ምስ ባህርን መጠንን እዚ ሕንከት ኣልቦ መጥቃዕቲ ዝመጣጠን፡" ግብረመልሲ ናይ ምሃብ መሰላ ሕሉው ከም ዝዀነ'ዩ እቲ ወሃቢቓል ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







