የመናውያን ሑቲ መን እዮም፡ ብኸመይከ ኣብዚ ደረጃ በጺሖም?

ዕጡቓት ንፍልስጤማውያን ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዕጡቕ ጕጅለ ሑቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንሓንቲ ናይ ጽዕነት መርከብ ዘጥሓለ መጥቃዕቲ ብምክያዶም፡ ዓሰርተ ኣባላት እታ መርከብ ክድሕኑ እንከለዉ፡ ብውሕዱ ሰለስተ ሰባት ድማ ሞይቶም።

ካብ ሕዳር 2023 ጀሚሩ ንኣስታት 70 ንግዳውያን መራኽብ ብሚሳይላት፡ ድሮናትን ንኣሽቱ ጀላቡ ተጠቂሞምን መጥቃዕቲ ብምክያድ፡ ኣርባዕተ መራኽብ ኣጥሒሎም፡ ሓምሸይቲ መርከብ ሒዞም፡ ብውሕዱ 7 ኣባላት መራኽብ ድማ ቀቲሎም።

እዞም ብኢራን ከም ዝድገፉ ዝንገሮሎም ዕጡቓት፡ ኣካል ናይቲ ኣንጻር እስራኤል ዝካየድ "ኪዳን ተቓውሞ" ብምዃን፡ ምስቶም ኣብ ቓዛ ዝንቀሳቐሱ ሓማስን ኣብ ሊባኖስ ዝርከቡ ሕዝቦላህን ኰይኖም ቃልሶም የካይዱ።

እዚ ጕጅለ ምስ እስራኤል ርክብ ኣለወን ኢሉ ዝኣመነለን መራኽብ የጥቅዕ።

ሑቲ ዛጊት እንታይ መጥቃዕትታት ኣካይዶም?

ኣብ ሕዳር 2023፡ ሑቲ ነቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒት ሕነ ንፈዲ ኣለና ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ከካይዱ ጀሚሮም።

እዚ ድማ ኣብ መስከረም 2024 ዝተፈጸመ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዘጠቓልል ኰይኑ፡ መዓርፎ ነፈርቲ እስራኤል ቀንዲ ዒላማ ኰይኑ።

እስራኤል ንኣብዝሓ እቲ መጥቃዕቲ ብስርዓተ ምክልኻል ኣየራ ክትምክቶ ክኢላ። ይዅን'ምበር ሑቲ፡ ኣብ ሓምለ 2024 ብድሮን ንቴልኣቪቭ ብምውቃዑ ሓደ ሰብ ሞይቱ ካልኦት 10 ድማ ቈሲሎም።

ዕጡቓት ሑቲ ካብ ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ንዝርከባ መራኽብ'ውን ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም።

ብ19 ሕዳር ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንሓንቲ ንግዳዊት መርከብ ጨውዮም።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝርከባ ኣስታት 100 መራኽብ ብሚሳይል ወይ ቦምባ ዝጸዓና ሰብ ኣልቦ ጀላቡ ተጠቂመን መጥቃዕቲ ኣካይደን እየን።

ክልተ ካብተን ዝሃረሙወን መራኽብ ድሒረን ጥሒለን፣ ካልኦት ዓሰርተታት መራኽብ ድማ ተሃስየን ኣለዋ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መጋቢት 2024፡ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ባንዴራ ባርባዶስ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መርከብ ትሩ ኮንፊደንስ ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ሚሳይል፡ ሰለስተ ኣባላት እታ መርከብ ተቐቲሎም።

እቲ ጕጅለ፡ ብእስራኤል ዝውነና፡ ባንዴራ ዘለወን ወይ ይመሓደራ እየን ዝበለን፡ ወይ ድማ ናብ ወደባት እስራኤል ዘምርሓ ምዃነን ዝኣመነለን መራኽብ ዒላማ ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ። እንተዀነ፡ ሓያሎ ካብተን ዘጥቅዐን መራኽብ ምስ እስራኤል ዝዀነ ርክብ የብለንን።

ሑቲ ኣብ መስከረም 2024፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ "ዝተሓላለኸ መጥቃዕቲ" ኢሎም ዝገለጹዎ ኣብ ልዕሊ'ተን ኣብቲ ዞባ ዝርከባ መራኽቦም ፈንዮም። ኵሎም እቶም ሚሳይላት ዒላማኦም ከይወቕዑ በርዒኖም እዮም።

ከም ግብረ መልሲ ድማ ሓይልታት ኣመሪካ ኣብ የመን ኣብ ዝርከቡ ቦታታት ሑቲ መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዶም። እቲ ቦታታት፡ እቲ ጕጅለ መራኽብ ንምጥቃዕ ክጥቀመሉ ዝጸንሐ መኽዘን ኣጽዋር ዝጠቓለለ ምዃኑ ይገልጹ።

ኣብ ግንቦት፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ የመን ንሸውዓተ ሰሙናት ዘካየደቶ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ሑቲ ምስ ኣመሪካ ተዅሲ ደው ንምባል ኣብ ስምምዕ በጺሑ።

እንተዀነ፡ እቲ ስምምዕ ነታ ኣብ ልዕሊ ሑቲ ተደጋጋሚ ሕነ ናይ ምፍዳይ ዘካየደት እስራኤል ከይትጥቃዕ ዝኽልክል ኣይነበረን።

ኣብ ሓምለ 2025፡ ክልተ ተወሰኽቲ መራኽብ መጥቃዕቲ በጺሑወን፣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ክልተ መራኽብ ጥሒለን።

ክልተአን መራኽብ፡ ማጂክ ሲዝን ኤተርኒቲ ሲን፡ ባንዴራ ላይበርያ ዘንበልብላን ብግሪኽ ዝመሓደራን ናይ ጽዕነት መራኽብ ኰይነን፡ እቲ ጕጅለ ናብ እስራኤል የምርሓ ከም ዝነበራ ይዛረብ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማጂክ ሲስን ኤተርኒቲ ሲን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብምዅናን፡ እዚ መጥቃዕትታት፡ "ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ ንናጽነት ጕዕዞ ባሕሪ፡ ዞባዊ ቍጠባን ድሕነት ባሕርን ንዘስዕቡዎ ቀጻሊ ሓደጋታት ዘርኢ እዩ፡" ኢሉ።

ብሰንኪ መጥቃዕቲ ሑቲ ሓያሎ ኩባንያታት መራኽበን ንቐይሕ ባሕሪ ሓዲገን ካልእ ኣማራጺ ክጥቀማ ኣገዲዱወን ኣሎ።

ካብቶም ብደረጃ ዓለም ብመራኽብ ዝጓዓዙ ኣቑሑት፡ እቶም ኣስታት 15% ቀይሕ ባሕሪ ስለ ዝጥቀሙ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ንግዲ ጽልዋ ኣሕዲሩ ኣሎ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ሕዳር 2023 ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብእንግሊዝ እትውነንን ብጃፓን እትመሓደርን መርከብ ጨውዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ሕዳር 2023 ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብእንግሊዝ እትውነንን ብጃፓን እትመሓደርን መርከብ ጨውዮም

ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ብዛዕባ ዕጡቓት ሑቲ እንታይ ስጕምታት ይወስዳ ኣለዋ?

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት 12 ሃገራትን ኣብ ከባቢ የመን ንዝርከቡ መስመራት መራኽብ ንምሕላው፡ 'ፕሮስፐሪቲ ጋርድያን' ዝበሃል ስርሒት ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ጥሪ 2024 ኣትሒዘን ኣብ የመን ኣብ ዝርከብ መደበራት ሑቲ ዝተፈላለየ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ኣካይደን።

እስራኤል'ውን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ መደበራት ሑቲ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ፈጺማ።

እቲ ናይ ኣመሪካ መጥቃዕቲ ኣየር፡ ነዊሕ ርሕቀት ተጓዒዙ ብሰላሕታ ዝድብድብ ቦምባታት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ንዝርከቡ መሳለጥያታት ኣጽዋር ዒላማ ዝገበሩ እዮም።

ዕጡቓት ሑቲ መን እዮም፡ ዕላማኦምከ እንታይ እዩ?

ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብቶም ኣብ የመን ዝርከቡ፡ 'ዛይዲን' ዝበሃሉ ውሑዳት ተኸተልቲ ሺዓ ኣስላም እዮም።

እቲ ጕጅለ፡ ነቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ 'ዘስፋሕፍሐ ብልሽውና ንምምካት' ብዝብል ኣብ 1990ታት ተመስሪቱ።

ስም እቲ ምንቅስቓስ፡ ካብ መስራቲኡ ሑሴን ኣል ሑቲ ዝተወስደ ኰይኑ፡ እቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱ 'ኣንሳር ኣላህ' ወይ መሻርኽቲ ኣላህ ኢሉ ይጽውዕ።

ኣመሪካ እትመርሖ ወራር ዒራቕ ኣብ 2003 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ "ኣምላኽ ዓቢይ እዩ! ሞት ንኣመሪካ! ሞት ንእስራኤል! መርገም ንኣይሁድ! ዓወት ንእስልምና!" ዝብል ጭርሖ ኣልዒሎም።

ኣብ መጀመርታ 2000ታት ዕጡቓት ሑቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንነዊሕ እዋን ፕረዚደንት የመን ዝነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ተኸታታሊ ናዕቢ ኣካይዶም። እቲ ንሶም ዝንቀሳቐስሉ ዓዶም ሰሜናዊ የመን፡ ርእሰ-ምሕደራ ክህሉዎ ይጠልቡ ነይሮም።

ኣብ እዋን ጽድያ ዓረብ 2011፡ ፕረዚደንት ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ በቲ ዝተላዕለ ናዕቢ ተደሪኹ ስልጣኑ ንምክትሉ ዓብድራቡህ መንሱር ሃዲ ከረክብ ተገዲዱ።

ኣብ እዋን ምሕደራ ፕረዚደንት ሃዲ፡ ዕጡቓት ሑቲ ምስቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕን ክሳዕ ሕጂ ንዕኡ እሙናት ዝዀኑ ሓይልታት ጸጥታን ምሕዝነት ፈጢሮም። ብድሕሪ'ዚ ንሰሜናዊ ኣውራጃ ሳዓዳ ተቘጻጺሮም፡ ንርእሰ ከተማ የመን ሰንዓ ድማ ሒዞም።

ኣብ 2015 ሰፊሕ ክፋል ምዕራባዊ የመን ብምሓዝ፡ ነቲ ፕረዚደንት ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሃድም ኣገዲዶሞ።

ጐረቤት ሃገር ስዑዲ ዓረብ፡ ሑቲ ንመላእ የመን ሒዞም ሰለልቲ ናይታ መወዳድርታ ዝዀነት ኢራን ከይኰኑ ስግኣት ነይሩዋ።

ኣንጻሮም መጥቃዕቲ ንምክያድ ምስ ገለ ሃገራት ዓረብ ልፍንቲ ብምቋም፡ ንዓመታት ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ኣየርን ኣጋር ሰራዊትን እኳ እንተ ኣካየደት፡ ካብ ብዙሕ ዝሓዙዎ ቦታታት ከተልቅቖም ኣይከኣለትን።

ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ስዑዲ ዓረብ ምስ ሑቲ ናይ ሰላም ስምምዕ ክትገብር ትፍትን ኣላ። እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተኻየደ ዕርቂ ካብ ሚያዝያ 2022 ጀሚሩ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ።

እቲ ኲናት ልዕሊ 160,000 ሰባት ከም ዝቐተለን ልዕሊ 4 ሚልዮን ሰባት ከም ዘመዛበለን መጽናዕትታት ይሕብሩ።

ዕጡቓት ሑቲ ኣብዚ ቅንያት ንኽልተ መራኽብ ዘጥቅዕሉ ቦታ
መግለጺ ስእሊ, ዕጡቓት ሑቲ ኣብዚ ቅንያት ንኽልተ መራኽብ ዘጥቅዕሉ ቦታ

ንሑቲ መን ይድግፎም፡ ብኸመይከ ኣጽዋር ይረኽቡ?

ኣመሪካ፡ ንሑቲ ናይ መራኽብ ዒላማ ክገብሩ ዘኽኣለቶም ኢራን ምዃና እኳ እንተ ገለጸት፡ ኢራን ግን ኢድ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።

ስዑዲ ዓረብን ኣመሪካን፡ ኢራን ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ የመን ንእገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ፡ ኣጽዋር - ድሮናት፡ ክሩዝን ባሊስቲክ ሚሳይላትን - ናብ ሑቲ ከም ዘእተወት ይገልጻ።

ከምዚኦም ዝበሉ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ'ውን መሻርኽታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም ዝተጠቕሙ ትገልጽ።

ኢራን ንሑቲ ኣጽዋር ከም ዘየቕረበት ብምግላጽ፡ ብመዳይ ፖለቲካ ጥራሕ ከም እትድግፎም ትዛረብ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ክኢላ ማእከላይ ምብራቕ ዶክተር ኤልሳቤጥ ኬንዳል፡ "ሑቲ ብዘይ ናይ ኢራን ኣጽዋር፡ ስልጠናን ስለያን ኣብዚ ደረጃ ክበጽሑ ኣይምኸኣሉን ነይሮም፡" ትብል።

ይዅን'ምበር፡ "ኢራን ኣብ ልዕሊ ሑቲ ቀጥታዊ ትእዛዝን ቍጽጽርን ከም ዘለዋ ንጹር ኣይኰነን፡" ትውስኽ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኢንስቲትዩት ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ መጽናዕቲ ኢጣልያ፡ ኢራን ንሑቲ ኣብ የመን ድሮናት ንምስራሕ ዘኽእል ፋብሪካታት ንምህናጽ ሓጊዛቶም።

ሑቲ ካብ እስላማዊ ጕጅለ ሕዝቦላህ እውን ወተሃደራዊ ምኽርን ደገፍን ከም ዝረክብ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ኣብ ዌስት ፖይንት ምሊታሪ ኣካዳሚ ዝርከብ ማእከል ምቅላስ ግብረሽበራ ይሕብር።

ኣብ ሰነ 2025 እስራኤል ኣብ ኢራን ኣብ ዝርከቡ ንዩክለሳውን ወተሃደራውን ቦታታት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምክያዳ፡ ድሕሪ'ዚ ኢራን ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ኣካዪዳ።

እቲ ን12 መዓልታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ንንዩክለሳዊ ዓቕሚ ኢራን ብዓቢዩ ኣዳኺሙ ክኸውን ይኽእል እዩ።

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኢራንን ሕዝቦላህን እትፍጽሞ መጥቃዕቲ፡ ንሑቲ ዝህብኦ ሓገዝ ክሳብ ክንደይ ክጸሉዎ ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።

ኣብ ሓምለ 2025 እውን ሰራዊት እስራኤል ከም ግብረመልሲ ናይቲ ዝተኻየደሎም መጥቃዕቲታት፡ ሑቲ ኣብ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት የመን መጥቃዕቲ ኣየር ኣካይዱ።

ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል እስራኤል ካትዝ፡ እቶም ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት ሑቲ፡ "ንተግባራቶም ከቢድ ዋጋ ክኸፍሉ ምዃኖም፡" ኣጠንቂቑ።

"ዕጫ የመን ምስ ዕጫ ቴህራን ሓደ'ዩ። ንእስራኤል ክጐድእ ዝፍትን ሰብ ክጕዳእ'ዩ፣ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ኢዱ ዘልዓል ድማ ኢዱ ክቝረጽ'ዩ፡" ክብል ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ ተሓንዩ።

ኣብ 2022 ናብ ርእሰ ከተማ ኢማራት ዓረብ ኣቡዳቢ ካብ የመን ዝተወንጨፈ ድሮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2022 ናብ ርእሰ ከተማ ኢማራት ዓረብ ኣቡዳቢ ካብ የመን ዝተወንጨፈ ድሮን

ሑቲ ንኽንደይ ክፋል የመን ይቈጻጸር?

ሑቲ ንሰንዓን ገማግም ቀይሕ ባሕርን ሓዊሱ ሰሜናዊ ምዕራብ የመንን ይቈጻጸር።

ኣብዝሓ ህዝቢ የመን ኣብዞም ከባቢታት ዝነብር ኰይኑ፡ ሑቲ ድማ መንግስቲ ከም ዝገብሮ ግብሪ ይእክብን ገንዘብ የሕትምን።

እቲ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዘለዎ መንግስቲ የመን፡ ኣብ ደቡባዊ ወደብ ዓደን ዝመደበሩ እዩ።

እቲ መንግስቲ ሸሞንተ ኣባላት ብዝሓቘፈ ፕረዚደንታዊ ቤትምኽሪ ዝምራሕ ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ካብ ፕረዚደንት ሃዲ ስልጣን ዝተረከበ እዩ።

ሑቲ ዝቈጻጸሩዎ ዘርኢ ካርታ