ሽፍትነት ባሕሪ ሶማልያ፡ ቢቢሲ ረኺቡ ዘዘራረቦም ሓደስቲ ሸፋቱ እንታይ ይብሉ?

ገጹ ዝተሸፈነ ኣባል ሸፋቱ ባሕሪ
    • Author, ሳሕኑን ኣሕመድ
    • Role, ቢቢሲ ኒውስ
    • Reporting from, አይል

ክልተ ገፆም ንምሕባእ ኣብ ርእሶም ዓብይ ሻርፕ ዝተኸደኑ ሶማልያውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ንምንታይ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብሚልዮናት ዶላር ዝቑጸር በጃ ንምርካብ ዕጡቓት ሸፋቱ ንምዃን ከም ዝወሰኑ ክነግሩኒ ብሰላሕታ ከባቢኦም እናተዓዘቡ ብጥንቃቐ ናብቲ ክፍሊ ኣተዉ።

ነቲ ቃለ-መሕትት እናተሻቐሉ ኰፍ ኣብ ዝበልሉ፡ ሓደ ካብኣቶም፡ "ክትቐድሕ ትኽእል ኢኻ-ተቐቢልና ኣለና" ኢሉኒ።

ኣብታ ንእሽተይ ወደባዊት ከተማ አይል ነዚ ቃለ-መሕትት ንምክያድ ኣዋርሕ እዩ ወሲዱ።

እዚ ባህሪ ምስቶም ኣብ ገማግም ውቅያኖስ ህንዲ ኣብ መንጎ ደረቕ እምባታት ኣራጢጡ ዝነበረ ሰሓብን ጥንታውን ወደብ ዝነበሩ ሸፋቱ ባሕሪ ዝነበሮም ጅግንነት ተፃራሪ እዩ።

ኩሉ ግዘ ከም ስትራቴጂካዊ ቦታ'ዩ ዝውሰድ። ብምኽንያት ኣቀማምጥኡ ጥራሕ ዘይኮነስ ምንጪ ፅሩይ ማይ'ውን ስለ ዘለዎ። ሽፍትነት እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ካብ መፈለምታ ክሳብ መፋርቕ 2000 ድማ ሸፋቱ ባሕሪ መደበሮም ገይረሞ።

"ሓሩንታ ቡርካዳ"- ርእሰከተማ ሸፋቱ ባሕሪ ተባሂላ ክትፍለጥ ጀመረት። ካብዚ ብምብጋስ ድማ እዞም ሸፋቱ ካብ ዝተፈላለየ ክፋላት ዓለም ንብረት ዘጓዕዛ መራኽብን ንገለ ነዳዲ ዝፀዓና መራኽብን እንከይተረፈ ዒላማ ብምግባር፡ ኩባንያታት መራኽብ ኣንፈቶም ክቕይሩ ኣገዲዶም።

ሰብመዚ እቲ ዞባ ዓቕሚ (ፅልዋ) ኣይነበሮምን፤ ከባብያዊ ፖሊስ'ውን እንተኾኑ ናብታ ከተማ ንምእታው ኣዝዮም ፈሪሖም ነይሮም።

ሸፋቱ ዝጨወይወን መራኽብ ኣብ መልሕቕ ባሕሪ ብምእታው፡ ኣብታ ከተማን ዞባን ዝርከቡ ትካላት ንግዲ ድማ ብክፍሊታት በጃ ኣትረፍቲ ይኾኑ ነይሮም።

ባንኪ ዓለም፡ ካብ 2005 ክሳብ 2012 ኣብ ዘሎ እዋን ጉጅለታት ሸፋቱ ካብ 339 ክሳብ 413 ሚልየን ዳላር ከም ዝረኽቡ ይግምት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዓለምለኸ ሓይሊ ባሕሪ ንባሕርታት ሶማልያ ምሕላው ኣብ ዝጀመርሉ ግና ፅሑፍቶ እዞም ሸፋቱ ተቐይሩ፤ ኣብዚ እዋን ሓይሊ ፖሊስ ባሕሪ ፑንትላንድ ኣብ አይል መደብር ኣለዎ።

እዞም ሸፋቱ ብሙስሊም ዓበይቲ ዓዲ ክኹነኑ ዝኸኣሉ ዝቕባበ ዋጋ፣ መዐወንታት፣ ኣልኮልን ዕሉልነትን ኣተኣታትዮም ብምንባሮም ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ነበርቲ እታ ከተማ ነዚ ሓለዋ ዓለማዊ ሓይሊ ባሕሪ ኮነ ሓይሊ ባሕሪ ፑንትላንድ ብሓጐስ እዮም ተቐቢሎሞ።

ይኹን'ምበር፡ እቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ወፃኢ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ደገ ገፈፍቲ ዓሳ ጃላቡ ዝተፈጠረ ነዊሕ ዝፀንሐ ሕርቃን ከባብያውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ኣብታ ህላውኣ ኣብ ባሕሪ ዝተደረኸት ብገፈፍቲ ዓሳ ዝተመልአት ከተማ ጠቕሊሉ ኣይጠፍአን።

ክሳብ እዛ መዓልቲ፡ ንመነባብርኦም ብምምንጣል ነዘን ጃላቡ ይኸስስወን።

ኣቐዲሙ ገፋፊ ዓሳ ዝነበረ እሞ ሕዚ ናብ ሽፍታ ዝተዋፈረ ፋራሕ፡ "መራኽብ መፅየን ንኹሉ መሳርሒታትናን ንብረትናን ወሲደንኦ" ይብል። ኣብቲ ዝተጎልበቦ ሰማያዊ ሻርፕ ኰይኑ ብጥንቃቐ እናጠመተ።

ናህቱ ኰነ ናይቲ ካልእ ብፃዕዳ ሻሽ ዝተሸፈነ መሓዝኡ ዲርየ፡ ብመሰረት ዝተሰማማዕናሉ ቅድመ ኩነት ሽሞም ተቐይሩ እዩ።

ንሱን ካልኦት ውሑዳትን፡ ነዚ ናይ ዓሳ ምግፋፍ ስራሕ ንምስራሕ ንጃልባ፣ ሞተርን መርበብ ዓሳን ኣስታት 10 ሽሕ ዳላር ወፃኢ ገይሮም እዮም። እንተኾነ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ወፃእተኛ ገፈፍቲ ዓሳ መፅዮም ነቲ መርበብ ብምስራቕ ነቲ ሞተር ተኲሶም ከም ዘዕነውዎ ፋራሕ ገሊፁ።

ፋራሕን መሓዝኡን ካልእ ኣብነት እንትውስኹ ድማ፡ ሓደ ንጉሆ ገለ ኣዝማዶም ንመርበባቶም ንምርኣይ ምስ ከዱ እንከይተመለሱ ተሪፎም። ዝበዝሕ እዋን እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ገስጊሶም ይወፅኡ እሞ ፀሓይ ፋዱስ ቅድሚ ምብርትዓ እዮም ዝምለሱ።

ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ግና ኣብ ገማግም ባሕሪ እናተንሳፈፉ ተረኺቦም፤ "ኣብ ሰብነቶም ዝተተኰሱ ዓረራት ነይሮም" ይብል ዲርየ።

"ጠበንጃ ኣይነበሮምን፡ ናብርኦም ንምምራሕ'ዮም ናብቲ ባሕሪ መርበብ ዓሳ ሒዞም ከይዶም ነይሮም"

ኣብዚ እዋን ኣብ ኢየል ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ፑንትላንድ

ምንጪ ስእሊ, Hassan Lali / BBC

መግለጺ ስእሊ, ኣብዚ እዋን ኣብ ኢየል ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ፑንትላንድ

ፋራሕ ቀፂሉ፡ "በዚ ባሕሪ ኢና ንሰርሕን ንነብርን። እዚ ባሕሪ ስራሕና፡ ጉዳይና'ዩ። ዝኾነ ሰብ እንተፈራርሐካን እንትዘምተካን፡ ምቅላስ ግድን እዩ። ጠንቂ እዚ ጐንፂ ንሳቶም እዮም። ንሳቶም ንብረትና እንተዘይወስዱ ነይሮም ናብ ሽፍትነት ኣይምኣተውናን" ይብል።

እዞም ኣብ 30ታት ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ደቂተባዕትዮ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሸፋቱ ንምዃን ዝወሰኑ በይኖም ኣይኰኑን ነይሮም።

ካብ 2013 ክሳብ 2019 ኣብ ዘሎ እዋን 26 መጥቃዕትታት ሸፋቱ ከም ዝነበሩ ሓበሬታት እቲ ኣብ ማያት እቲ ዞባ ሓለዋ ዝገብር ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ስርሒት ኣትላንታ የመልክት።

ካብ 2020 ክሳብ 2022 ኣብ ዝነበረ እዋን ግና ዋላ ሓደ መጥቃዕቲ ኣይነበረን። እንተኾነ ኣብ 2023 እዞም መጥቃዕትታት ዳግማይ ብምጅማር ሽድሽተ መጥቃዕትታት ተፈፂሞም።

ክሳብ እዚ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዘሎ ድማ ናብ 22 ክብ ከም ዝበሉ ኣሃዛት ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ስርሒት ኣትላንታ ይሕብር።

መብዛሕትኦም ዝፍፀሙ ዘይስሩዓት ጐንፅታት (መጥቃዕትታት)፡ ዕዉታት ጭውያታት ኣይኾኑን'ዮም። እንተተዓዊቶም ግና እቶም ሸፋቱ ኣዝዮም ዘትርፍሉ'ዩ።

እዞም ሸፋቱ ነታ ኣብ 2024 ወርሒ መጋቢት ዝጨወይዋ ባንዴራ ባንግላዲሽ ተንበልብል ዝነበረት 'ኤምቪ ዓብዱላህ' ዝተብሃለት ንግዳዊት መርከብ ንምልቃቕ 5 ሚልየን ዳላር በጃ ከም ዝተቐበሉ ይገልፁ።

ወናኒ እዛ መርከብ ነቲ ዝተኸፈለ በጃ ዋላ'ኳ እንተዘይ ኣረጋገፁ፡ ብዝተገበሩ ድርድራት ግና እታ መርከብ ነፃ ከም ዝወፅአት ሓቢሩ።

ኣብታ አይል ትርከበሉ ሓውሲ ርእሰ ምምሕዳራዊት ዝኾነት ግዝኣት ፑንትላንድ ዝርከቡ ምንጭታትና፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ንሕድሕድ 12 ኣባላት ዝሓዙ 10 ጉጅለታት ሸፋቱ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊፆም።

እዞም ሸፋቱ ነተን ፍጥነት ዘለወን ነኣሽቱ ጃላብኦም ኤኬ-47፣ ብሮኬት ዝንቀሳቐሱ ኣንእሽተይ ቦምቧታት (ኣርፒጂ)፣ ምግብን ነዳድን ብምስናቕ፡ ኣብ ሓደ እዋን ካብ 15 ክሳብ 30 መዓልታት ናብ ባሕሪ ይኸዱ።

ገምገም ባሕሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፋራሕን ዲርየን፡ ኣብ ውቅያኖስ ህንዲ ትርከብ ማእኸላይ መጠን ዘለዋ መርከብ ብምጭዋይ ናብታ ንኣናእሽተይ ጃላቡ ትሕግዝ ዓባይ መርከብ (ኣደ-መርከብ) ክትምለስ ምግባር ዕላምኦም ከም ዝኾነ ይገልፁ። እዚ ማለት፡ እታ ማእኸላይ መርከብ: ዓበይቲ መራኽብ ዒላማ ንምግባር ከም ጂፒኤስ ንክጥቀሙላ እዩ መደቦም።

ፋራሕ፡ "ንእሽተይ ፍጥነት ዘለወን ጃላቡ ብምጥቃም፡ ንመራኽብ ክተጥቅዕ ትኽእል ኢኻ" ይብል።

ዝዕጠቕዎ ባዙቃ (መወንጨፊ ሮኬት ዝኾነ ተንቀሳቓሲ ኣፅዋር) 'ውን ቀንዲ ኣካል ስትራቴጂኦም እዩ።

ዲርየ፡ "ነታ መርከብ ደው ንምባል፡ ኣርፒጂ ኢና ንጥቀም። እታ መርከብ ደው እንተዘይላ ግና፡ ንትኵስ። እቲ ዕላማ ዝኾነ ነገር ንምርካብ እዩ፤ ንምቕታል ኣይኰነን። (እቲ ዕላማ) ንዕኦም ምፍርራሕ እዩ" ይብል።

እዚ ኩሉ ኣፅዋር ብሕሱር ዝመፅእ ኣይኰነን። ስለዝኾነ ድማ እዞም ሸፋቱ ድሌት ካብ ዘለዎም ኣውፈርቲ ፋይናንሳዊ ምወላ ይደልዩ። በዚ ኩነታት (ወፃእተኛታት ገፈፍቲ ዓሳ) ዝተቖጥዑ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ካብ ጋሮዌን ቦሳሶን ዝመፅኡ ነጋዶ ንሓደ ዕላማ ዝሳተፍሉ ምሽጥራዊ (ዘይስተብህለሉ) ማሕበር ኣጣይሾም።

ሓደ በዓልሃፍቲ ጃልባ ይምውል፣ እቲ ካልእ ኣፅዋር፡ እቲ ሳልሳይ ድማ ከም ነዳዲ ዝበለ ጋዕገልጠም ክምውል ይኽእል። እዞም ሰብሃፍቲ ሓዲኦም ጉጅለ ነታ ናይ ዕድል ጃክፖት (ሎተሪ) ክረኽብዋ ብምትስፋው፡ ሓደሓደ ግዘ ንዝተፈላለዩ ጉጅለታት ይምውሉ።

ቀኒዕዎም እዞም ሸፋቱ ነታ መርከብ ምስ ዝጨውዩ ድማ: ካብቲ ዝርከብ በጃ ብፅሒቶም ይወስዱ።

ኣብ ሶማልያ ጠበንጃ ንምሓዝ ቀሊል እዩ፤ ኣብ አይል እኳ ብኣስታት 1200 ዳላር ኤኬ-47 ምርካብ ይከኣል። እዚ ድማ ውፅኢት ናይቲ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝቐፀለ ሕድሕድ ኵናትን ስርዓት ኣልቦነትን እዩ።

ፋራሕን ዲርየን ኣብቲ ሽፍትነት ሰማይ ዝዓረገሉ ግዘ ተሳተፍቲ ከም ዘይነበሩን፤ ካብቶም ጡረታ ዝወፅኡ ሸፋቱ'ውን ዝኾነ ዓይነት ማዕዳ ከምዘይረኸቡን ይገልፁ። ገሊኦም ካብኣቶም'ውን ብሕርቃን ነቲ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ምግፋፍ ዓሳ ገዲፎም ናብ ሸፋቱ ከም ዝተቐየሩ ይዛረቡ።

ዝበዝሑ እቶም ነባራት ሸፋቱ ባሕሪ: ካብቲ ከባቢ ለቒቖም ወፂኦም እዮም። ዝበዝሕ እዋን ናብ ሃገራት ወፃኢ ከይዶም ወይ ድማ ተጣዒሶም'ዮም።

ሓደ ስሙይ ኣብነት ንምልዓል፡ ዓብድራሕማን ባቅየለ ዝተብሃለ ነባር ሽፍታ ባሕሪ ዝነበሮ ሃፍቲ ኩሉ ሂቡ። ኣብ ጋሮዌ ዝዓደጎም ገዛውትን ሆቴላትን ኣብ 2020 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ንእስላማዊ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ብምሃብ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማታት ፑንትላንድ እናተጓዓዘ ሰባት ፅኑዕን ቅኑዕን ሂወት ክመርሑ ዝምህር ገያሻይ (ተጓዓዛይ) ሰባኺ ኰይኑ ኣሎ።

እታ ኣብ ማእኸላይ ሶማልያ ትርከብን ኣብ ሓደ እዋን ሸፋቱ ብዙሕ ዘውፈሩላን ከተማ ኣዳዶ፡ "ሰማያዊት ከተማ" ዝብል ሳጓ ረኺባ። ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ እቶም ሸፋቱ ናይ ዝዓደግዎም ግርማ ዘለዎም መንበሪ ኣባይቲ ናሕሲታት: ሰማያዊ ቀለም ዝተለኸዩ ብምዃኖም እዩ።

ሕዚ እዞም ገዛውቲ ጥርሖም እዮም- ብሕሱር ዋጋ ንወርሒ ብሓደ ሚእቲ ዳላር ይካረዩ።

ዓበይቲ ዓዲ ከተማ ኢየል፡ ዝርገሐ ኣልኮላዊ መስተ- ዝበዝሕ ካብ ኢትዮጵያ ዝኣቱን ከም ኦፒዮይድ ዝበለ መዐወኒን ቀንዲ ውርሻ (ውፅኢት) ሽፍትነት ምዃኑ ይገልፁ። ገለ መናእሰይ ደቂ ተባዕትዮ እቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝዝውተር መነቓቕሒ ቆፅሊ ጫት ብምጥቃም ውሉፋት ምዃኖም'ውን ተወሳኺ ስክፍታ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ኰይኑ ኣሎ።

እቶም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ እንዳ ሻሂ ተኣኪቦም ዶሚኖ (ጠላዕ) ዝፃወቱን ብዛዕባ ዝወፅኡ ዜናታት ዘውግዑን ደቂተባዕትዮ፡ ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ወፃኢ ዘሎ ፅልኢ ዝርድእዎ እንተኾነ፡ ንሽፍትነት ባሕሪ ግና ከም ዘይድግፍዎ ይዛረቡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ናይቶም ብዝተተኰሰ ጥይት ዝተቐተሉ ሰለስተ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ቁጠዐ ከም ዝዓበየ ብግልፂ እዩ ዝረአይ።

ንበዓልቲ እንድኡን 12 ደቁን ንምምሕዳር ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ ኢየል ሎብስተራትን ሻርክታትን ዝገፈፈ ዓሊ ሙርሳል ሙሴ፡ ከምቲ ቅድሚ ዓመታት ንሱ ዝገጠሞ፡ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ሸፋቱ ባሕሪ ብዝብል ግጉይ ርድኢት ተቐቲሎም ክኾኑ ከም ዝኽእል ይኣምን።

"ካብዚ: ጃልባ ገፋፊት ዓሳ ሒዝና ናብቲ ባሕሪ ኬድና። ኣብ ተመሳሳሊ ግዘ፡ ሸፋቱ ባሕሪ መርከብ ንምጭዋይ ፈቲኖም። ሻቡ ነፋሪት መፂኣ። ጃልባይ ናብ ገማግም እቲ ባሕሪ መፂኣ፤ ካልእቲ ጃልባ ገፈፍቲ ዓሳ ግና ጥቕዓት ወሪድዋ" ብምባል: ነቲ ህሞት ይዝክሮ።

ጓል 40 ዓመት መበለት ሃዋ ሞሓመድ ዙቤሪ፡ በዓል ገዝኣ ቅድሚ 14 ዓመት ደሃዩ ምስ ጠፍአ ተመሳሳሊ ዕጫ ከም ዘጋጠሞ ትኣምን።

ሃዋ ወዲ ሓሪሳ ውላዳ ንምኽንሻብ ኣብ ትዳለወሉን ሽፍትነት ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉን ፅባሕ እዩ እዚ ክስተት ኣጋጢሙ።

ሃዋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ "ሰብኣየይ ሻርክ እንተድኣገፊፉ፡ ንመኸንሸቢ ወድና ምኽፋል ከም ንኽእል እዩ ዝሓስብ ነይሩ" ትብል።

ሕዚ እውን ሞት በዓልገዝኣ ከም ዘሻቐላ ብንፁር ይረአይ። ሳምቡሳ ብምሻጥ ክፍሊት ትምህርቲ ደቃ ንምኽፋል ትፅገም ከምዘላ ድማ ትገልፅ።

ሃዋ ሞሓመድ ዙቤሪ

ምንጪ ስእሊ, Hassan Lali / BBC

መግለጺ ስእሊ, ጓል 40 ዓመት መበለት ሃዋ ሞሓመድ ዙቤሪ፡ እቲ ቅድሚ 14 ዓመት ደሃዩ ዝጠፍአ በዓል ገዝኣ: ሽፍታ እዩ ብዝብል ግጉይ ርድኢት ከም ዝኾነ ትኣምን

ሙሴ፡ ኣብዚ እዋን ንዕኡ እቲ ቀንዲ ፀገም ኰይንዎ ዘሎ ካብ ከም ሃገራት ኢራንን የመንን ዝመፅኣ መራኽብ ገፈፍቲ ዓሳ መሳርሕታቱ ዝሰርቃሉ ዘይ ስነ-ምግባራዊ ኣካይዳ ምዃኑ ይሕብር።

እዞም ጉጅለ መራኽብ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ስኑዕ ፍቓድ ምግፋፍ ዓሳ ሶማልያ ዝተውሃቦምን ንመከላኸሊ ዝኸውን ዕጡቓት እንከይተረፈ ዝምውልዎም ሓያላት ደገፍቲ ኣብ ሶማልያ ከም ዘለዎምን እዩ ሙሴ ዝኣምን። ንዝገፈፍዎም ዓሳታት ብምዝማትን ብሓይሊ ንከባቢኦም ብምቁፅፃርን ድማ ይኸስሶም።

"ዝሰርሕሉ ዞባ ኣለዎም፤ ናብቲ ገማግም ባሕሪ እንከይተረፈ እዮም ዝመፅኡ። ከይድና ንብረትና ክመልሱልና ምስ ንሓቶም፡ ኣብ ልዕሌና ይትኵሱ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንገለ ሰባት ጐዲኦም እዮም። ናብ ሓደ ሰገን ብምትኳስ ኢዱን እግሩን ኣቑሲለሞ" ኢሉ።

እዚ ገፋፊ ዓሳ፡ ኣብ ተደጋጋሚ ክስተታት ናብ ሰብመዚ እቲ ከባቢ ጥርዓን ከም ዘቕረበን፡ ዋላ ሓደ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከም ዘየለን ይገልፅ።

ሚኒስትር ሓበሬታ ፑንትላንድ ኣይዲድ ዲሪር፡ ገለ ዘይሕጋውያን መራኽብ ኣብ ማያት ፑንትላንድ ከም ዘለዋ ብምእማን፡ ገለ ፍቓድ ዝተውሃበን መራኽብ'ውን "ብዘይግቡእ ይጥቀማሉ" ይህልዋ ከም ዝኾና ይሕብር።

እቲ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ኩሎም ባሕርታት ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ኣሎ። ሽፍትነት ባሕሪ 'ውን ኣብ ዝኾነ ቦታ ከጋጥም ይኽእል። ቀስ ብቐስ ምዕባለታት ይረኣይ ኣሎ" ኢሉ።

ኣብ ሶማልያ ዘይሕጋዊ ምግፋፍ ዓሳ ንዓመታት ኣካታዓይ ኰይኑ እዩ ፀኒሑ።

ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፀረ ስግረ-ዶባዊ ውዱብ ገበናት፡ ብዙሓት ጃላቡ ገፈፍቲ ዓሳ ብዘይፍቓድ ወይ ድማ ስልጣን ብዘይብሎም ኣካላት ብዝተውሃቦም ፍቓድ ከም ዝንቀሳቐሳ ይገልፅ።

ንምስልታት ሳትላይት ሓዊሱ መረዳእታት ዝፀርሐ ዓለምለኻዊ ተበግሶ ፀረ ስግረ-ዶባዊ ውዱብ ገበናት፡ መብዛሕትአን መራኽብ ካብ ቻይና፣ ኢራን፣ የመንን ደቡባዊ ምብራቕ ኤሽያን ከም ዝኾና ይሕብር።

ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ሶማልያ ዓመታዊ 300 ሚልየን ዳላር ከም ትኸስር ፀብፃብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ሞቓድሾ የመልክት።

ላዕለዋይ ሓላፊ እቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዝምራሕ ስርሒት ሓለዋ ባሕሪ ኣትላንታ ማኑዌል ኣልቫርጎንዛሌዝ ሜንዴዝ፡ ሓይልታቱ ንጃላቡ ሸፋቱ ጥራሕ ዒላማ ከም ዝገብሩን: ሕዚ ድማ ንመራኽብ ካብ የማናውያን ዓመፅቲ ሑቲ ከም ዝከላኸሉን ይዛረብ።

ዓበይቲ ዓዲ ኣብ አይል

ምንጪ ስእሊ, Hassan Lali / BBC

ንሱን እቲ ምስ ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ሕብረት ኣውሮጳ ይሰርሕ ዘሎ ሓይሊ ባሕሪ ፑንትላንድን፡ እቲ ከባቢ ውሑስ ከም ዝኾነን፡ ሶማልያውያን "ዓሳ ዝገፍሉ መርበቦም ብዘይፍርሒ ክዝርግሑ ከም ዝኽእሉን" ይገልፁ።

ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ፑንትላንድ ፋርሓን ኣዊል ሓሺ፡ እቲ ናይ ቀደም ሕማቕ ግዘ" ሽፍትነት ባሕሪ ከም ዘይምለስ ይተኣማመን።

እቲ ናይ ነዊሕ ግዘ መልሲ: "ስራሕ ምፍጣር'ዩ" ዝብል እምነት ኣለዎ።

ፋርሓን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኩሉ ግዘ መናእሰይ ስራሕ ክረኽቡ ኣለዎም። ሰብ ኣብ ዝኾነ ስራሕ እንተድኣ ተፀሚዱ፡ ናብቲ ባሕሪ ከይዶም መራኽብ ብዛዕባ ምጭዋይ ኣይክሓስቡን እዮም" ይብል።

ፋራሕን ዲርየን'ውን ሓደ ዓይነት መካትዒ ነጥቢ እዩ ዘለዎም። ካብ ብሕዚ ዓሳ ምግፋፍ ዋጋ ስለዘይብሉ (ስለ ዘይኸፍል): ንበጃ መራኽብ ምጭዋይ እቲ ብሕታዊ ንደቆም ዘዕብይሉ መዋፅኦ ከም ዝኾነ ይገልፁ።

ሽፍትነት ባሕሪ ጌጋ ምዃኑ ይፈልጡ'ዮም- ዲርየ ብዛዕባ እዚ ንወላዲቱ ክነግራ ኣዝዩ ከም ዝፈርሐ ኣይሓብአን።

"ምፈለጠት ብጣዕሚ እያ ክትሓርቕ ነይራ። እኳ ድኣስ፡ ነቶም ሰብመዚ ምነገረቶም።"