ቅርሰና ባሕሪ ሶማልያ፡ ‘ብዘገምታ መቓብርካ እትፍሕረሉ መገዲ’

ቅርሰና ባሕሪ ሶማልያ፡ ‘ብዘገምታ መቓብርካ እትፍሕረሉ መገዲ’

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ፓኪስታናውያንን ኢራናውያንን ባሕረኛታት ክልተ ምርጫ ከምዘለዎም ይዛረቡ። እቲ ሓደ ስድራኦም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ጠምዮም ምርኣይ እቲ ካልኣይ ድማ ብሸፋቱ ባሕሪ - ቀርሰንቲ - ሶማልያ ሓደጋ መጭወይቲ፤

ቅርሰና ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ንዝሰርሑ ገፈፍቲ ዓሳ ዳግማይ ንሓደጋ ኣሳጢሕዎም ኣሎ። ዋላ'ኳ ዛንታታት ጭውያን ቅትለትን እንተሃለወ እዞም ሰባት ናብቲ ባሕሪ ካብ ምምላስ ዓዲ ኣይወዓሉን።

ወነንቲ ጀላቡ ሕጂ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ዞባ ዝካየድ ዘሎ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት እዮም ንዝበልዎም ሰራሕተኛታት ጸጥታ ሶማልያ ብኣሽሓት ዶላራት ክኸፍልዎም ይግደዱ ምህላዎም ይዛረቡ።

ማርያም ሁትን በዓል ቤታን ጉል መሓመድን፡ ንወዲ 20 ዓመት ወዶም ራሱል ባክሽ ካብ ህንዲ ውቅያኖስ ክምለስ ብፍርሒ ይጽበይዎ ነይሮም።

ማርያም፡ “ወድና ስለምንታይ ከምዘይተመለሰ ክንሓትት ጀሚርና” ትብል። እንተዀነ መልሲ ዝነበሮ ሰብ ኣይነበረን።

ድሕሪ ሰሙናት ካልኦት ገፈፍቲ ዓሳ ብዛዕባኡ ዝገልጽ ሓበሬታ ሒዞም መጹ። ኣቦ ክልተ ቈልዑ ዝዀነ ራሱል፡ ብሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ተታሒዙ ከምዝተወሰደ ሓቢሮምዎም።

ድሕሪ ወጥርን ሻቕሎትን ዝተመልኦ ወርሒ ግን ሓደ ጻውዒት ተሌፎን በጺሕዎም። እቲ ደወል ዋላ’ኳ ድኹም እንተነበረ እቲ ድምጺ ንጹር - ድምጺ ራሱል ባኽሽ እዩ ነይሩ።

ሰሊም ካህን ምስ ጓሉን ሰበይቱን

ራሱል እናበኸየ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠሞ ኵነታት ሓደ ብሓደ ነጊርዋ። ኣደኡ፡ ረዳኢ ዘይብሉ ስምዒት ከም ዝነበራ ትዝክር። “ክፍታሕ ክንሕግዞ ለሚኑና። ክሳብ ክንደይ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዝተሰምዓኒ ክትግምቶ ኣይትኽእልን ኢኻ" ትብል ማርያም። "ንወደይ ድኻታት ከምዝዀንና ካባኻ ሓሊፉ መን ይፈልጠልና ጥራይ እየ ኢለዮ” ትብል።

እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ኣስታት 12 ሽሕ ዶላር ክኽፈል ይደልዩ ነይሮም፤ እዚ ድማ ንስድራኡ ክሕሰብ ዘይክእል ገንዘብ እዩ። ኣብ ኢራን ግዝኣት ቻባሃር ኣብ እትርከብ ቁሸት’ዮም ዝነብሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ብዙሓት መንእሰያት ደቂ እቲ ዓዲ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ኣገዲድዎም ኣሎ።

እታ ብእግራ ንኽትከይድ እትቃለስ ኣደ ራሱል፡ ወዳ ንኸተፍትሕ ገንዘብ እናኣከበት ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ብእግራ ትኸይድ ነይራ። እታ ስድራቤት ዘለዋ ሃብቲ ዋላ’ውን ጥሪት ሸይጣ ጸንቂቓ እያ።

ወለዲ ራሱል ባካሽ

ጭውያ ወይ ጥሜት

ዘዘራረብናዮም ገፈፍቲ ዓሳ፡ እቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት ከምዝፈልጥዎ ይዅን እምበር ካልእ ኣማራጺ ከምዘይብሎም ገሊጾምልና።

ወዲ 38 ዓመት ሳሊም ካን ዝተባህለ ፓኪስታናዊ ገፋፊ ዓሳ፡ “ኣይፈራሕኩን እንተበልኩ ምሕሳው እዩ” ይብል። “ዳርጋ ብዘገምታ መቓብርካ እትፍሕረሉ መገዲ’ዩ፤ እንተዘይኬድና ግን ጥሜት ኣብ ገዛና ክቐትለና’ዩ” ኢሉ።

ሳልም ካን ኣብ 2018 ብሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ከምዝተጨውየን እቲ ስምባደ ሎሚ’ውን ከምዘሎ ይዛረብ። እቶም ሸፋቱ፡ “ንጃልባና ጨውዮም ዓበይቲ መራኽብ ንምጥቃዕ ተጠቒሞምላ” ብምባል ነቲ ኵነታት ይዝክር።

ድሕሪ ቅሩብ ሰሙናት ናብ ምድረበዳ ተወሲዶም ን20 መዓልታት ብዘይ መግቢን ማይን ኣጽኒሖምዎም። “ምእንቲ ካልኦት ንብዓትና ከይርእይዎ ለይቲ ለይቲ ኣብ ጸልማት ኢና ንበኪ ነይርና” ክብል ይዝክሮ።

ምስቶም ሸፋቱ ባሕሪ ስምምዕ ምስተበጽሐ ድማ ተፈቲሖም።

ሳልም ናብቲ ባሕሪ ንምምላስ ፈሪሑ ካልእ ስራሕ ክረክብ’ኳ ፈቲኑ እንተነበረ ክረክብ ግን ኣይከኣለን።

ዓሚ ካልኦት ገፈፍቲ ዓሳ እቲ ቦታ ውሑስ ምዃኑ ነጊሮምዎ።

እንተዀነ ንኻልኣይ ግዜ ካብ ካልእ መጥቃዕቲ ንስክላ ድሒኑ። “ንሳቶም [ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ] ካብ ቅድሚት ክመጹ ስለዝረኣኹዎም መርበብ ዓሳና ፈቲሕና ኣምሊጥና፡” ኢሉ።

እቶም ሸፋቱ ኣብ ጥቓኡ ዝነበረት ጃልባ ኣዕሩኽቱ ኣጥቂዖም ቀቲሎምዎ።

ሓይሊ ባሕሪ ህንዲ ብሸፋቱ ባሕሪ ንዝተጨወዩ ባሕረኛታት ከድሕን ይጽዕር

ጽግዕተኛታት

እተን ጀላቡ ገፈፍቲ ዓሳ ቀንዲ ዕላማአን ዓበይቲ መራኽብ ንምሓዝ’የን ዝውዕላ።

እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ጽግዕተኛታት ኰይኖም ከምዝሰርሑ’ዮም ዝገልጹ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፤ ንጀላቡኦም ወሪሮም ብምውሳድ ዓበይቲ መራኽብ ንምጥቃዕ ይጥቀሙለን፣ መጥቃዕቲ ኣብ ዘካይድሉ ግዜ ድማ ነቶም ባሕረኛታት ከም መዝሓሊ ጥይት ይጥቀሙሎም።

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ንዝፍጸም ሽፍትነት ዝቃለስ ተልእኾ ጸረ-ሽፍትነት ሕብረት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ክስተት ከምዘጋጠመ ጸብጻብ ኣውጺኡ ነይሩ’ዩ።

ገለ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝበዝሑ ጽዑቓት መስመራት መራኽብ፡ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ሶማልያ ዝርከብ ማያት ሰጊሮም ብቐይሕ ባሕርን ካናል ስወጽን ይሓልፉ። እዚ ቦታ ኣብ መንጐ ኣውሮጳን ኤስያን ዘሎ ዝሓጸረ መስመር ባሕሪ እዩ።

ኣስታት 12 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ንግዲ ባሕሪ፡ ብቐይሕ ባሕሪ ዝሓልፍ ኰይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቲ ከባቢ ኣብ ናዕቢ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ የመን ብኢራን ዝድገፉ ሓይልታት ሑቲ ንቓዛ ንምድጋፍ ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

እዚ መጥቃዕትታት ንሓይሊ ባሕሪ ምዕራባውያን ዘሻቕል ኰይኑ ኣሎ። እዚ ድማ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ሓደ ካብቲ ምኽንያት ምልዓል ሽፍትነት ምዃኑ ይኣምኑ።

ሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ

ኣብ ወደብ ካራቺ ካፕተን መሓመድ ኣሽራፍ ነታ ባንዴራ ኢራን ዘለዋ ዓባይ መርከብ ይጽበ’ዩ ዝነበረ።

ሚስተር ኣሽራፍ፡ እታ ጃልባ ኣብዚ ተሰሪሓ ክትውዳእ ኣስታት 18 ኣዋርሕን 150 ሽሕ ዶላርን ኣውጺኡ። ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ክትብገስ እያ።

“እቶም ሸፋቱ ባሕሪ ክሕዙና ስለዝኽእሉን ትእዛዞም ምስዘይነኽብር ድማ ተኲሶም ክቐትሉና ስለዝዀኑ ኣዝየ’የ ዝፈርሕ” ክብል ሚስተር ኣሽራፍ ነጊሩና።

ኢራናዊ ወዲ 40 ዓመት ካፕተን ቃዩም ኣብዚ ባሕሪ እዚ ዓሳ ገፊፉ’ዩ።

ሎሚ ሎሚ ግን ከም ካፕተን ኣሽራፍን ካልኦትን ካብ ሸፋቱ ባሕሪ ንምክልኻል ንሶማላውያን ሓለውቲ ጸጥታ ኣሽሓት ዶላራት ይኸፍል።

ሓደ ሓላዊ 40 መዓልታት ንኽዕጅበካ ክሳብ 18 ሽሕ ዶላር ከምዝኽፈል ይዛረቡ።

ኣብ ማያት ሶማል ዓሳ ክገፉ ፍቓድ እውን ይወሃቦም’ዩ። እንተዀነ “ኵሉ ሓሶት ምዃኑ ንፈልጥ ኢና” ይብል ሚስተር ቃዩም።

እቶም ሓለውቲ ጸጥታ ሕጋውያን ድዮም ኣይኰኑን ንጹር ኣይኰነን። እቶም ገፈፍቲ ዓሳ፡ ነቲ ፍቓድ ዝረኽብዎ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ ቀሪቦም ብምጕዓዝን፡ ንእሽቶ ጃልባ ምስቲ ወረቐትን ሓለዋን ክትመጽእ ብምጽባይን ይዛረቡ።

ፓኪስታናውያንን ኢራናውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ነቲ ጥረ ገንዘብ መጀመርያ ኣብኡ ኣቐይሮም ብዱባይ ኣዛዊሮም ናብ ሶማልያ ከምዘሰጋግሩን ይዛረቡ።

ድቃስ ዘይብሉ ለይቲ

መሓመድ ኣሽራፍ

ወደብ ካራቺ ብዘሕዝን ዛንታታት ዝመልአት’ያ፡ ምኩር ካፕተን ጉላም ራሺድ፡ ጃልባ ዓርኩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሸፋቱ ባሕሪ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመላን ክሃድሙ ምስ ፈተኑ ድማ ናብቶም ሰራሕተኛታት ከምዝተኮሱን ይዛረብ።

"ሓደ ኣባል እታ መርከብ ምስተጐድአ እቶም ሸፋቱ ብህይወት እንከሎ ናብ ባሕሪ ደርብዮሞ" ይብል ወዲ 43 ዓመት ራሺድ።

ንሱ ኣስዒቡ፡ “እዚ ኵሉ ምስልታት ኣብ ሕልናና ስለዘሎ ኣዒንትና’ኳ ስልም ዝብላ እንተዀና ልብና ግን ፈጺሙ ዝድቅስ ኣይኮነን” ይብል።

ራሱል ባክሽ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ተፈቲሑ ምስ ወለዱ ተራኸበ። ንሱ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ብዙሓት ባሕረኛታት ኰይኑ፡ ስድራቤቶም ከፊሎም ካብ ዘውጽእዎም ሰባት ሓደ እዩ።

ኣብ ካራቺ ሳልም ካን ንጓሉ ኒምራ ኣጥብቕ ኣቢሉ ሓቝፍዋ ኣሎ። ድሕሪ ቅሩብ ሰሙናት ናብቲ ባሕሪ ክምለስ እዩ። ስድራኡ እቲ ኵሉ ዝገብሮ ዘሎ ንዕኣቶም ከምዝዀነ ይፈልጡ እዮም። እቲ ስንብታ ግን ቀሊል ኣይከውንን።

ኵሉ ግዜ ካልእ መጥቃዕቲ ከምዘጋጥሞ እናስተንተነ እተን ለይትታት ዝኸበዳ እየን። “ቅድሚ ምድቃሰይ፡ ተሌፎነይ ከፊተ ስእሊ ኣደይ፡ ቀጺለ ናይ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን እናረኣኹ እነብዕ፡ ኣብ ኣፍልበይ ኣቐሚጠ ድማ እድቅስ” ይብል።