ናብ ሶማልያ ዝለኣኽ ኣጽዋር 'ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ክወድቕ' ከምዝኽእል ኢትዮጵያ ኣጠንቂቓ

ምንጪ ስእሊ, @Amohamednur
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ታየ ኣጽቀስላሰ "ናይ ደገ ሓይልታት" ናብ ሶማልያ ዝልእክዎ ኣጽዋር "ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ክወድቕ ይኽእል'ዩ" ክብል ገሊጹ።
ንሱ ነዚ ዝበለ ምስ ምክትል ዋና ጸሓፊት ፖለቲካን ህንጸት ሰላምን ሕቡራት ሃገራት ሮዝመሪ ዲካርሎ ኣብ ዝገበሮ ርክብ’ዩ።
ኣምባሳደር ታየ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ምስታ ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ትማሊ ኣብ ዝገበሮ ጐድናዊ ዘተ እዩ ነዚ ገሊጹ።
ሮዝመሪ ዲካርሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ኤክስ’ ኣብ ዝጠቀዓቶ መልእኽቲ ምስ ኣምባሳደር ታየ ኣብ "ህሉው ኵነታት ሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ" ዘተኮረ ዘተ ከምዘካየደት ጠቒሳ።
ክልቲኦም ኣብ ዘካየድዎ ዘተ ንጉዳይ ሱዳንን ሶማልያን ከምዘልዓሉ ድማ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ኣምባሳደር ታየ ብዛዕባ’ታ ኣብ ኲናት እትርከብ ሱዳን ብዝምልከት ነታ ሓጋዚት ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብታ ሃገር ሰላም ንምምጻእ "ዝተዋደደ ጻዕሪ" ከምዘድሊን ሃገሩ “ፖለቲካዊ ፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ብጽኑዕ ክትሕብር ንምሕጸን” ኣረዲኡ።
ምስ ሶማልያ ብዝተኣሳሰር ድማ "ሓይልታት ወጻኢ" ናብታ ሃገር ብዛዕባ ዝልእኽዎ ዘለዉ ኣጽዋር ከምዝተዘራረቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
"ግዳማዊ ሓይሊ" ዝበሎ ዘየነጸረ እቲ ሚኒስተር፡ ነዚ መልእኽቲ ዘሕልፍ ዘሎ ግን ግብጺ ናብ ሶማልያ ካልኣይ ዙር ምብጻሕ ኣጽዋር ካብ እትገብር ድሕሪ ሓደ መዓልቲ እዩ።
ናብ ሶማልያ ኣብ ዝለኣኽ ኣጽዋር ዘሎ ስክፍታ ሃገሩ ነታ ላዕለወይቲ ሓላፊት ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ’ሎ።
ኣምባሳደር ታየ "ብሓይልታት ወጻኢ [ንሶማልያ] ዝቐርብ መሳርሒታት ነቲ ዝተዳኸመ ኵነታት ጸጥታ እታ ሃገር ዝያዳ ከጋድዶን ኣብ ኢድ ኣሸበርቲ ክወድቕ ከምዝኽእልን" ስክፍታኡ ገሊጹ።
ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሶማልያ ዝርከብ መሰጋገሪ ተልእኾ ዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪካ (ATMIS) እውን ዘትዮም ኣለዉ።
ንኣልሸባብ ንምቍጽጻር ብዝብል ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ልኡኽ ዓቃብ ሰላም ንግዚኡ ተኪኡ ዝነበረ ናይ መሰጋገሪ ተልእኾ፡ ኣብ ዝመጽእ ጥሪ ዕማሙ ክዛዘም እዩ። ኢትዮጵያ ከኣ ኣብቲ ን’ኣትሚስ’ ዝትክእ ልኡኽ ክትሳተፍ ድሌታ ክትገልጽ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Rosemary A. DiCarlo/Twitter
ኣምባሳደር ታየ ምስታ ተሓጋጋዚት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ምቅላስ ግብረሽበራ እትገብሮ ጻዕሪ" ብምጥቃስ፡ ኣብ ምጥያሽ እቲ ንመሰጋገሪ ተልእኾ (ኣትሚስ) ንምትካእ ዝቐውም ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም ውሳነ ቅድሚ ምሕላፉ "ኣገዳሲ" ዘተ ክካየድ ከምዘለዎ ገሊጹ’ሎ።
"ዝዀነ ድሕረ ‘ኣትሚስ’ ዝፍጸም መስርሕ፡ እቲ ተልእኾ ኣብ ዝህልዎ ሓላፍነት፣ ብዝሑ ፋይናንሳዊ ቀረባቱን ክግበር ዘለዎ ምትሕብባርን ብዝምልከት ንምዝታይ እኹል ግዜ ብምሃብ ክውሰን ኣለዎ" ክብል ኣስሚሩሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







