ኢትዮጵያ ናብ ፑንትላንድ ‘ኣጽዋር ተእትው ኣላ’ ክትብል ሶማልያ ከሲሳ

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ - ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE/MoF Somalia

መንግስቲ ሶማልያ፡ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ናብ ፑንትላንድ ይኣቱ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሶማልያ ብዓርቢ 20 መስከረም 2024 ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ ነቲ ብኢትዮጵያ ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ ተግባር ብትሪ ኰኒኑ።

ሶማልያ እዚ ዘይህጋዊ ኣጽዋር ብኢትዮጵያ ኣቢሉ ናብ ኣካል ግዝኣታ ዝኾነት ዞባ ፑንትላንድ ይኣትው ስለዘሎ ደው ክብል ኣተሓሳሲባ።

ቢቢሲ ኣብዚ ብመንግስቲ ሶማልያ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ኣመልኪቱ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፑንትላንድ ብዛዕባ’ቲ ካብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዝበሃል ዘሎ ኣጽዋር ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ምርኣይ ብዝሰገረ ዝኾነ ዓይነት ኣጽዋር ከምዘይኣተወ ንቢቢሲ ሶማሊኛ ሓቢሩ።

ብመንግስቲ ሶማልያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዚ ምስግጋር ኣጽዋር ምግሃስ ልኡላውነት ሶማልያ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ዞባ ናብ ህውከት ንኽኣትው መንገዲ ክኸፍት ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ክልተ ኣጽዋር ዝጸዓና መካይን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣውራጃ ፑንትላንድ "ብዘይ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ይኹን ፍቓድ" ከምዝተላእከ ብምጥቃስ እዚ ድማ ቅሉዕ ምግሃስ ልኡላውነት ከምዝኾነ ገሊጹ።

እዚ ጉዳይ ሰነዳዊ መርትዖ ዘለዎ ምዃኑ እቲ መግለጺ ይጠቅስ። እንተኾነ ወግዓዊ ዝተገበረ መርትዖ የለን።

እዚ ብኢትዮጵያ ተፈጺሙ ዝተባህለ ተግባር መርኣዪ ምጥሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ሶማልያ ምዃኑ ዘመልከተ እቲ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ንዓለምለኻዊ ሕግን ህድኣት እቲ ዞባን ንዘለዋ ተገዳስነት ኣብ ሕቶ ከምዘእትዎ ሓቢሩ።

ሶማል፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ትግባራት ብቕልጡፍ ደው ከብል ሓቲታ’ላ።

ኢትዮጵያ ኣጽዋር ናብ ሶማልያ ናይ ምእታው ተግባር ክትፍጸም እዚ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ዘዘኻኸረ እቲ መግለጺ ቅድሚ ሕጂ’ውን ናብ ዞባታት ጋልሙደግን ባይዶዋን ብነፈርቲ ከይተረፈ ኣጽዋር ከምዝተሰጋገረ ኣመልኪቱ።

ኣብቲ እዋን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ክሲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ምስቲ ናብ ኣውራጃ ጋልሙዱግ ኣትዩ ዝተባህለ ኣጽዋር ርክብ ከምዘይብሉ ብምሕባር ነቲ ክሲ ነጺጉ።

እቲ ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማልያ ዝወጸአ መግለጺ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኢትዮጵያ ካብዚ ተግባር ክትቁጠብ ክኹንን ይጽውዕ።

መንግስቲ ሶማልያ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት ኢትዮጵያ ብኣውራጃ ጋልሙዱግ ኣቢሉ ኣጽዋር ኣእትዩ ክብል ከሲሱ እኳ እንተነበረ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢን ሰበስልጣንን ግን ነቲ ክሲ ነጺጎሞ።

እቲ ኣካታዒ ኣጽዋር ኣብ ኣውራጃ ጋልሙዱግ ዝነብሩ ሚሊሻታት ብዝኸፈትዎ መጥቃዕቲ ብነብርትን ዕጡቓትን ከምዝተዘመተ ይዝከር።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥሪ ምስታ ካብ ሶማልያ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ሶማሊላንድ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ኣብ ስምምዕ ምስ በጽሐት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ነጊሱ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ምትሕብባርን ሶማልያ

ምንጪ ስእሊ, MoF Somalia

ንሶማሊላንድ ከም ኣካል ግዝኣታ እትቖጽራ ሶማልያ፡ በቲ ስምምዕ ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ብተደጋጋሚ ብምግላጽ ምስ ግብጺ ወተሃደራዊ ስምምዕ ፈሪማ ኣላ።

ብድሕሪ እዚ ከኣ ክልተ ሰራዊትን ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ዝጸዓና ነፈርቲ ግብጺ ኣብ ርእሰ ከተማ ሶማልያ ሞቃድሾ ብምዕላበን ነቲ ወጥሪ ከም ሓድሽ ከርስኖ ክኢሉ።

ኢትዮጵያ ወተሃደራዊ ነፈርቲ ናብ ሞቓዲሾ ምእታወን ስዒቡ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሶማልያ ንብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሓይልታት ትዕቁብ ከምዘላ ብምጥቃስ ኣጠንቂቓ።

መንግስቲ ቱርኪ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ጻዕሪ ይርከብ።